1. ብዛዕባ ደቂ ዓሞንእስራኤልዶ ውሉድ የብሉን እዩ፧ ወይስ ወራሲዶ የብሉን እዩ፧ ስለምንታይ ደኣ እቲ ንጉሶም ንጋድ ዚርስተያህዝቡ ኸኣ ኣብ ከተማታት ዚሰፍርይብል እግዚኣብሄር

2. ስለዚ እንሆ፡ እተን ጭድርታ ውግእ ኣብ ልዕሊ ራባህ ናይ ደቂ ዓሞን ዘስምዓለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንሳ ዂምራ ድብነት ክትከውን፡ እተን ኣዋልዳ ኸኣ ብሓዊ ሞዂ ኪብላ እየን። ሽዑ ኸኣ እስራኤል ነቶም ወሪሶምዋ ዝነበሩ ኽትወርሶም እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

3. ኣቲ ሔስቦንዓይ ፈሪሳ እያ እሞ፡ ኣእውዪኣትን ኣዋልድ ራባህከሊ ተዐጠቓዋይዋይ በላንጉሶም ምስ ካህናቱን መሳፍንቱን ሐቢሩ ኺማረኽ እዩ እሞኣብቲ መካበብያ እናዘርክን ኣልቅሳ

4. ኣቲ፡ መን እዩ ዚመጸኒ፧ ኢልኪ ብመዝገብኪ ተኣሚንኪ ዘሎኺ ጠላሚት ጓል፡ ስለምንታይ በተን ለሴታትኪ እትሕበኒ፧ እቲ ለሴኺ ኺድምሰስ እዩ።

5. እንሆ፡ ካብ ኲሉ ኸባቢኺ ፍርሃት ከምጽኣልኪ እየ፡ ንስኻትኩም ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ኣብ ኲሉ ወገን ክትሰጐጉ ኢኹም፡ ነቶም ህዱማት ከኣ ዚኣኻኽቦም የልቦንይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

6. ድሕርዚ ግና ንደቂ ዓሞን ካብ ምርኮ ኽመልሶም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

7. ብዛዕባ ኤዶምእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ጥበብዶ ኣብ ቴማን የልቦንምኽሪዶ ኻብቶም ሰብ ኣእምሮ ጠፍኤትጥበቦምዶ ኸንቱ ዀነት

8. ኣቱም ኣብ ዴዳን እትነብሩበታ ጊዜ ቕጽዓቱ መዓት ኤሳው ናብኡ ኸውርዶ እየ እሞ፡ ህደሙተመለሱኣዕሚቚኩም ተሐብኡ

9. በተኽቲ ዘቢብ እንተ ዚመጹኻዘለላ ዘቢብዶ ኣይምሐደጉልካንሰረቕቲ ብለይቲ እንተ መጹ፡ ክሳዕ ዝደለዩ ይጽይቑ

10. ኣነ ግና ንኤሳው ቀሊዔዮመሕብኢኡ ድማ ገሊጸዮ እየ፡ ኪሕባእ ከኣ ኣይኰነሉንዘርኡን ኣሕዋቱን ጐረባብቱን ኪጸንቱ እዮም፡ ንሱውን ድሕርዚ ኣይኪህሉን እዩ።

11. ንዘኽታማትካ ሕደጎምኣነ ብህይወት ከንብሮም እየመበላሉኻ ኸኣ ኣባይ ይወከላ

12. እምበኣርሲ እንሆ፡ እቶም ነታ ጽዋእ ኪሰትዩ ዘይተመዘዙ ኺሰትይዋ እዮም። ንስኻስ ካንዶ ኸይተቐጻዕካ ኽትተርፍ ኢኻ፧ ብርግጽ ክትሰትያ ኢኻ እምበር፡ ከይተቐጻዕካስ ኣይክትተርፍን ኢኻ፧ ይብል እግዚኣብሄር

13. ቦጽራ ኸኣ ድብነትን መጻረፍን በረኻን መራገምን ከም እትኸውን፡ ኲለን ከተማታት ድማ ንሓዋሩ በረኻ ኸም ዚዀና፡ ብርእሰይ እምሕል አሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር

14-15. ካብ እግዚኣብሄር ኣዋጅ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ዚብል ልኡኽ ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ተላእከ፡ እንሆ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣንኢሰካ፡ ኣብ ማእከል ሰብ ከኣ ኣንዒቐኻ እየ እሞ፡ ተኣከቡተንስእዋን ንውግእ ተዐጠቑን

16. ኣቲ ኣብ ምንቃዕ ኣጻድፍ እትነብሪርእሲ ዂድዂዶ እትሕዚድፍረትክን ኲርዓት ልብኽን ጠበረኪ። ከም ንስሪ እኳ ቤትኪ ኣብ በሪኽ እንተ ሰራሕኪ፡ ኣነ ኻብኡ ኸጽድፈኪ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

17. ኤዶም ንመሰክሒ ኽትከውን እያ። ነፍሲ ወከፍ ብእኣ ዚሐልፍ ድማ በቲ ዂሉ ስቓያ ኺስክሓላን ኪፋጽየላን እዩ።

18. ከምቲ ሶዶምን ጎሞራን ኣብ ጥቓኤን ዝነበራ ኸተማታትን እተገልበጣ፡ ከምኡ ኣብኣ ሰብ ኣይኪነብርን፡ ኣብኣውን ውሉድ ሰብ ሓደ እኳ ኣይኪሰፍርን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

19. እንሆ፡ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ናብቲ ጽኑዕ መሳፍሮ ኸም ኣንበሳ ይድይብ አሎ፡ ብኡ ብኡ ኸኣ ካብኣ ኽሰጎ እየ፡ ነቲ እተሐርየ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ዚመዓራረየኒ መን እዩ፧ ቈጸራ ዚገብረለይከ መን እዩ፧ እቲ ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ጓሳስ መን እዩ

20. ስለዚ እግዚኣብሄር ንኤዶም ዝመደበላ ምኽርን፡ ነቶም ኣብ ቴማን ዚነብሩ ሰባት ዝሐሰባ ሓሳብን ስምዑ፡ ብርግጽ ነቶም ናይ መጓሰ ናእሽቱ እኳ ኸይተረፈ ኺጓትትዎም እዮም፡ ብርግጽ ሰፈሮም ኪፈርስ እዩ።

21. በቲ ሀው ዝበል ደሃይ አወዳድቓኣ ድምሪ ተንቀጥቅጥጭራሕምራሖም ድማ ክሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ይስማዕ አሎ።

22. እንሆ፡ ከም ንስሪ ኺድይብኪነፍርኣኽናፉ ድማ ኣብ ልዕሊ ቦጽራ ኺዝርግሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ልቢ እቶም ጀጋኑ ኤዶም ከም ልቢ ቅልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ኪኸውን እዩ።

23. ብዛዕባ ደማስቆሃማትን ኣርጳድን ሐፈራክፉእ ወረ ሰሚዔን እየን እሞ፡ መኸኻኣብ ባሕሪ ምሽባር ኰነኪሀድኣውን ኣይተኻእሎን

24. ደማስቆ ዛሕተለትክትሀድም ኢላ ግልብጥ በለትራዕራዕውን በለትከም እትወልድ ሰበይቲ ጭንቅን ጻዕርን ሐዛ

25. እታ ንእድቲ ኸተማ፡ እታ ኸተማ ሓጐሰይ፡ ከመይ ኢላ እያ ዘይተሐድገት

26. ስለዚ እቶም ኣባጽሓ ኣብ ኣደባባያታ ኺወድቁ፡ ኲሎም እቶም ተዋጋእቲ ሰብኡታ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ኺጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

27. ኣብቲ መካበብያ ደማስቆ ሓዊ ኸንድድ እየ፡ ንሱውን ነቲ ኣዳራሽ ቤት-ሃዳድ ሞዂ ኬብሎ እዩ

28. ብዛዕባ ቄዳርን ብዛዕባ እቶም ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዐሮም መንግስትታት ሃጾርንእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ተለዐሉ፡ ናብ ቄዳር ደይቡ፡ ነቶም ደቂ ምብራቕ ኣጥፍኡ

29. ድንኳናቶምን መጓሴታቶምን ኪወስዱምንጻፋቶምን ኲሉ ኣቓሑኦምን ኣግማሎምን ኪዘምቱ እዮም። ኣብ ኲሉ ወገን ምሽባር አሎ፡ እናበሉ ኪጭድሩሎም እዮም።

30. ኣቱም ኣብ ሃጾር እትነብሩነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ምኽሪ መዲቡልኩም፡ ህቃነ ሀቂኑልኩም አሎ እሞ፡ ህደሙ፡ ቀልጢፍኩም ርሐቑኣዕሚቚኩም ተሐብኡይብል እግዚኣብሄር

31. ነቲ ጥዒምዎም ሀዲኡን ዚነብርመዓጹን መሸጐርን ዜብሉ፡ ብሒቱ ዚነብር ህዝቢ ተልዐልዎን ደይብዎንይብል እግዚኣብሄር

32. ኣግማሎም ዘመተ ኪዀና፡ ብዝሒ ኸብቶም ከኣ ምርኮ ኪኸውን እዩ። ንዂሎም እቶም ወሰነወሰን ጭሕሞም ዚላጽዩ ኣብ ኲለን ንፋሳት ክብትኖም፡ ካብ ኲሉ ወገኖም ድማ መዓት ከምጽኣሎም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

33. ሃጾር መሳፍሮ ወኻሩ ኽትከውን፡ ንሓዋሩ ኽትባድም እያ፡ ኣብኣ ሰብ ኣይኪነብርን፡ ኣብኣውን ውሉድ ሰብ ሓደ እኳ ኣይኪሰፍርን እዩ።

34. እቲ ኣብቲ መጀመርታ መንግስቲ ጼድቅያስ ንጉስ ይሁዳ ብዛዕባ ዔላም ናብ ነብዪ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡

35. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ነቲ ኣውራ ሓይሉ ዝዀነ ቐስቲ ዔላም ክሰብሮ እየ።

36. ንዔላም ካብ ኣርባዕተ ወሰን ሰማይ ኣርባዕተ ንፋሳት ከውርደላ እየ፡ ናብ ኲለን እዘን ንፋሳት ክዘርዎም እየህዱማት ዔላም ዘይኣትውዎ ህዝቢ ኣይኪህሉን እዩ

37. ንዔላም ኣብ ቅድሚ ጸላእቶምን ኣብ ቅድሚ እቶም ነፍሶም ዚደልዩን ከርዕዶምመዓት እቲ ጓህሪ ቚጥዓይ ከውርደሎም፡ ክሳዕ ዘጥፍኦም ከኣ ደድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰድድ እየይብል እግዚኣብሄር

38. ዝፋነይ ከኣ ኣብ ዔላም ክተክልንጉስን መሳፍንትን ድማ ካብአ ኸጥፍእ እየይብል እግዚኣብሄር

39. ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ኪኸውን እዩ፡ ንምርኮ ዔላም ክመልሶ እየይብል እግዚኣብሄር