1. ኣብ ኣደባባይ የሩሳሌም ዙሩ እሞ ርኣዩን ተመልከቱን፡ ኣብ ዕዳጋታታ ኸኣ ድለዩሓደ እኳ፡ ሓደ በይኑ ፍትሒ ዚገብር ሓቂ ኸኣ ዚደሊ እንተ ረኸብኩም፡ ኣነውን ይቕረ ኽብለላ እየ።

2. ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ እኳ እንተ በሉብሓሶት እዮም ዚምሕሉ ዘለዉ።

3. ዎ እግዚኣብሄርኣዒንትኻዶ ሓቂ ኣይኰናን ዚደልያ፡ ወቓዕካዮም፡ ግናኸ ኣየሕመሞምንኣኰትካዮም፡ ግናኸ ኣይተቐጽዑንገጾም ካብ ከውሒ ዚተርር ገበሩ እሞ ምምላስ ኣበዩ።

4. ኣነ ኸኣ፡ እዚኣቶም መገዲ እግዚኣብሄርን ፍትሒ ኣምላኾምን ዘይፈልጡ እዮም እሞ፡ ድኻታትን ዓያሱን እዮም፡

5. እምበኣርሲ ናብቶም ዓበይቲ ደኣ ክኸይድ፡ ንሳቶም መገዲ እግዚኣብሄርን ፍትሒ ኣምላኾምን ዚፈልጡ እዮም እሞ፡ ክነፍሮም፡ በልኩ። ግናኸ እዚኣቶም ድማ ሐቢሮም ኣርዑት ሰበሩ መእሰሪታትውን በጠሱ

6. ኣበሳኦም ታእላው የብሉን፡ ጥልመቶም ከኣ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ እሞ፡ ስለዚ ኣንበሳ ኻብ ዱር ወጺኡ ይሰብሮምተዂላ መሮር ድማ የጥፍኦምነብሪ ኣብ ከተማታቶም ይቃጾውጽእ ንዝበለውን ይምንጥሎ

7. ከመይ ኢለ ይቅረ ኽብለልኪ፧ ደቅኺ ጠለሙኒኣማልኽቲ ብዘይ ኰኑ ኸኣ ይምሕሉ ኣለው። ኣጽገብክዎም፡ ንሳቶም ድማ ዘመው፡ ኣብ ቤት ኣመንዝራውን ተኣኻኸቡ

8. ከምቶም ጽቡቕ እተመጨኑ ውዑያት ኣፍራስ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ደድሕሪ ሰበይቲ ብጻዩ ይሕምሕም።

9. በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጸዖምን እየ፧ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ፧ ይብል እግዚኣብሄር

10-11. ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን ጠሊሞምኒ እዮም እሞ፡ ኣብ ቀጽርታታ ደዪብኩም ኣፍርሱ፡ ግናኸ ብጥራስ ኣይተጥፍእዋጨናፍራ ናይ እግዚኣብሄር ኣይኰነን እሞ፡ ኣርሕቕዎምይብል እግዚኣብሄር

12-13. እዚኣቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄር የሎን፡ ክፋእ ኣይኪወርደናን እዩ ሰይፍን ጥሜትን ኣይክንርእን ኢና፡ ነብያት ንፋስ ኪዀኑ እዮም፡ ብኣታቶም ዚዛረብ ከኣ የልቦን፡ ከምኡ ንርእሶም ይኹንኢሎም ንእግዚኣብሄር ኸሐዱ

14. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እዚ ቓል እዚ ስለ እተዛረብኩም፡ እንሆ፡ ነቲ ቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኸም ሓዊ፡ ነዚ ህዝቢ ድማ ከም ዕጨይቲ ኽገብሮ እየ እሞ ኪልቚምጾም እዩ።

15. ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ ከም ጽኣልኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄርሓያል ህዝቢ፡ ጥንታዊ ህዝቢ፡ ቋንቋኦም ዘይትፈልጦዘረባኦም ድማ ዘይተስተውዕሎ ህዝቢ እዮም።

16. ጒልድባኦም ክፋት መቓብር እዩ፡ ኲላቶም ከኣ ጀጋኑ እዮም።

17. ንሳቶም ነቲ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኪበልዕዎ ዚግባእ ቀውዕኻን እንጌራኻን ኪበልዑ፡ ኣባጊዕካን ኣሓኻን ኪበልዑ፡ ወይንኻን በለስካን ኪበልዑ እዮም። ነተን እትእመነን ጽኑዓት ከተማታትካ ብሰይፊ ኼፍርስወን እዮም።

18. ግናኸ በተን መዓልትታት እቲኣተን ከኣ ብጥራስ ኣይከጥፍኣኩምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

19. ንስኻትኩም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለምንታይ እዩ እዚ ዂሉ ዝገበረና፧ እንተ በልኩም፡ ሽዑ ንስኻ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ዝሐደግኩምኒ፡ ኣብ ሃገርኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ እተገዛእኩም፡ ከምኡውን ኣብ ዘይሃገርኩም ንጓኖት ክትግዝኡ ኢኹም፡ ኢልካ ምለሰሎም

20. እዚ ኣብ ቤት ይእቆብ ኣውርዩ፡ ኣብ ይሁዳ ኸኣ ንገሩ እሞ በሉ

21. ኣታ ልቢ ዜብሉዓይኒ ኸለዎ ዘይርኢእዝኒ ኸለዎ ድማ ዘይሰምዕ ዓሻ ህዝቢ፡ እዚ ስማዕ

22. ንኣይሲ ኣይምፈራህኩምንንዶብዘለኣለማዊ ትእዛዝ ገይረ ኸይሐልፎ ድበት ንደረት ባሕሪ ዝገበርኩኸ፡ ኣብ ቅድመይዶ ራዕራዕ ኣይምበልኩምን፧ ማዕበሉ እኳ እንተ በርትዔኣይኽእሎንይሃጽፍ፡ ግናኸ ከቶ ኣይሳገሮንይብል እግዚኣብሄር

23. እዚ ህዝቢ እዚ ግና እምቢተኛን ዓላውን ልቢ አለዎ፡ ንድሕሪት ይምለሱ እሞ ጸው ይብሉ።

24. ብልቦም ከኣ፡ ነቲ በብጊዜኡ ዝናም ጽድያን ቀውዕን ዚህበናምዱባት ሳምንትታት ቀውዒውን ዝሰርዓልና እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሃዮኣይበሉን

25. ኣበሳኹም ነዚ ኸልከለሓጢኣትኩም ከኣ ነዚ ጸጽቡቕ ኣኽልኣኩም

26. ኣብቶም ህዝበይሲ ረሲኣን ሰባት ይርከቡ፡ ከምቶም ኣዕዋፍ ዜፈንጥሩ ይቃጸውመፈንጠራ ዘርጊሖም ከኣ ሰብ የፈንጥሩ ኣለው።

27. ከምታ በዕዋፍ ዝመልኤ እንዳ ዑፍ፡ ከምኡ ድማ ቤቶም ብምጥባር ምሉእ እዩ። ዝለዚ ዓበይትን ሃብታማትን ኰኑ።

28. ስቡሓትን ዜባርቑን ኰኑ፡ ንእከዮም ወሰን የብሉንፍትሒ ንዘኽታም፡ ነገሩ ዜቕንዓሉ ፍትሒ፡ ኣየውጽኣሉንንድኻውን መሰሉ ኣይብይኑሉን

29. በዚ ነገር እዚዶ ኣይክቐጽዖምን እየ፧ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ህዝብስ ነፍሰይዶ ሕነ ኣይክትፈድዮን እያ፧ ይብል እግዚኣብሄር

30. ኣብታ ሃገር እቲኣ ጒድን ዜሰክሕን እዩ ዚግበር ዘሎ፡

31. ነብያት ብሓሶት ይንበዩካህናት ከኣ ብኢዶም ይገዝኡ ኣለው፡ ህዝበይውን ባህ ኢልዎ ይሰምሮ አሎ። ኣብ መወዳእታኡ ደኣኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧