1. ኤርምያስ ገና ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተአሲሩ ኸሎ፡ ካልኣይ ሳዕ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጸ፡

2. እቲ ዚገብሮ ዘሎ እግዚኣብሄር ኬጽንዕ ዜዳሉ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ከኣ ዝስሙ ኸምዚ ይብል አሎ።

3. ጸውዓኒ እሞ ክመልሰልካዘይትፈልጦ ዓብይን ስውርን ነገር ከኣ ክነግረካ እየ።

4. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብዛዕባ እቲ ብመፍረስ ዕርድን ብሰይፍን ዚፈርስ ዘሎ ኣባይቲ እዛ ኸተማ እዚኣን ኣባይቲ ነገስታት ይሁዳን ከምዚ ይብል አሎ፡

5. ምስ ከለዳውያን ኪዋግኡ መጺኦም፡ ነታ ብሰሪ ዂሉ እከዮም ገጸይ ዝኸወልኩላ ኸተማ ብሬሳታት እቶም ኣነ ብቚጥዓይን ብነድረይን ዝወቓዕክዎም ሰብ ኪመልእዋ እዮም።

6. እንሆ፡ ኣነ ኽሰፍፋን ክፍውሳን እየ። ኣነ ኸሕውዮምብዝሒ ሰላምን ሓቅን ድማ ክገልጸሎም እየ።

7. ንምርኮ ይሁዳን ንምርኮ እስራኤልን ክመልስ እየ፡ ከም ቀደሞም ከኣ ክሀንጾም እየ።

8. ኣነ ኻብ ኲሉ እቲ ዝበደሉኒ ኣበሳኦም ከጽርዮም እየ፡ ነቲ ዝበደሉንን ብኡኡ ኸኣ ካባይ ዝዐለዉሉን ኣበሳኦም ይቕረ ኽብለሎም እየ።

9. ንሳ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ነቲ ዝገብረሎም ዘሎኹ ዂሉ ሰናይ ዚሰምዑ ዂላቶም ህዝብታት ምድሪ ንስም ደስታን ንምስጋናን ንኽብርን ክትኰኑኒ እያ። ብምኽንያት እቲ ኣነ ዝህባ ዂሉ ሰናይን ኲሉ ሰላምን ድማ ኪፈርሁን ራዕራዕ ኪብሉን እዮም።

10-11. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ምርኮ እታ ሃገር መሊሰ ኸም ቀደማ ኽገብራ እየ እሞ፡ ኣብዚ ንስኻትኩም፡ ሰብን እንስሳን ዜብሉ ምድረ በዳ እትብልዎ ዘሎኹም ስፍራን ኣብዘን ሰብን ኣብኤን ዚነብርን እንስሳን ዜብለን ዝባደማ ኸተማታት ይሁዳን ኣደባባያት የሩሳሌምን ከም ብሓድሽ ድምጺ ሓጐስን ድምጺ እልልታን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ድምጺ እቶም መስዋእቲ ምስጋና ናብ ቤት እግዚኣብሄር እናቕረቡ፡ እግዚእብሄር ሰናይ እዩ፡ ጸጋኡ ድማ ንዘልኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት አመስግንዎዚብሉ ኺስማዕ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

12. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብዛ ሰብን እንስሳን ዜብላ ዝባደመት ስፍራን ኣብ ኲለን ከተማታትን ከም ብሓድሽ መሕደሪ እቶም መጓሴታቶም ዜስፍሩ ጓሶት ኪኸውን እዩ።

13. ኣብ ዓድታት ኣኽራንን ኣብ ከተማታት ጐልጐልን ኣብ ከተማታት ደቡብን ኣብ ምድሪ ብንያምን ኣብ ከባቢ የሩሳሌምን ኣኣብ ከተማታት ይሁዳን እተን መጓሴታት ከም ብሓድሽ ብትሕቲ ኢድ እቲ ቘጻሪኤን ኪሐልፋ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር

14. እንሆ፡ እቲ ብዛዕባ ቤት እስራኤልን ብዛዕባ ቤት ይሁዳን እተዛረብክዎ ጽቡቕ ቃል ዝፍጽመለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር

15. በተን መዓልትታት እትኤንን በቲ ዘመን እትን ንዳዊት ጨንፈር ጽድቂ ኸተጥዓሉ እየ። ንሱውን ኣብ ምድሪ ፍትሕን ጽድቅን ኪገብር እዩ።

16. በተን መዖኣልትታት እቲኤን ይሁዳ ኺድሕን እዩ፡ የሩሳሌም ከኣ ብደሓን ክትነብር እያ። እግዚኣብሄር ጽድቅና እዩ፡ ተባሂላ ኸኣ ክትስመ እያ።

17. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ካብ ዳዊት ኣብ ዝፋን ቤት እስራኤል ዚቕመጥ ሰብኣይ ከቶ ኣይኪስአንን እዩ።

18. ካብ ሌዋውያን ካህናት ኲሉ መዓልቲ መስዋእቲ ምሕራር ዚስውእን መስዋእቲ ብልዒ ዜትክኽን መስዋእቲ ሕሩድ ዜቕርብን ሰብኣይ ኣብ ቅድመይ ከቶ ኣይኪስአንን እዩ።

19. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጾ።

20. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ንኺዳነይ ምስ መዓልትን ንኺዳነይ ምስ ለይትንለይትን መዓልትን በብጊዚኡ ኸይከውን፡ ከተፍርሱ እንተ ደኣ ተኻኢሉኩምሲ፡

21. ሽዑ ኸኣ ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ ውሉድ ከይርከብ፡ እቲ ምስ ዳዊት ባርያይ ዝአቶኽዎ ኺዳን ኪፈርስ እዩ፡ ከምኡውን ምስ ኣገልገልተይ ሌዋውያን ካህናት

22. ከምቲ ሰራዊት ሰማይ ኪፍቀድሑጻ ባሕሪ ኸኣ ኪስፈር ዘይከኣል፡ ከምኡ ድማ ንዘርኢ ዳዊት ባርያይን ዜገልግሉኒ ሌዋውያንን ከብዝሖም እየ።

23. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ መጸ

24. እዞም ህዝቢ እዚኦም፡ እግዚኣብሄር ነዞም ዝሓረዮም ክልተ ነገድ ደርብይዎም እዩ፡ እናበሉ ዚዝዛረብዎ ዘለዉስ ኣይትርእዮን ዲኻ፡ ኣብ ቅድሚኦም ድሕርዚ ህዝቢ ኸም ዘይኰኑ ገይሮም ይንዕቆም አለዉ።

25. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኪዳነይ ምስ መዓልትን ለይትን እንተ ዘይንጸዔ፡ ንሰማይን ንምድርን ስርዓት እንተ ዘይሐገግኩ፡ ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ ድሕርዚ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዚገዝኡ ኻብ ዘርኡ ኸየተንስእስ፡ ንዘርኢ ያእቆብን ባርያይ ዳዊትን ክድርብዮ እየ። ንምርኮኦም ክመልሶ እየ እሞ፡ ክምሕሮምውን እየ።

26. ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ ድሕርዚ ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዚገዝኡ ኻብ ዘርኡ ኸየተንስእስ፡ ንዘርኢ ያእቆብን ባርያይ ዳዊትን ክድርብዮ እየ። ንምርኮኦም ክመልሶ እየ እሞ፡ ክምሕሮምውን እየ።