1-2. ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ ንዮኣቂምወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ንነብካዱነጻር ንጉስ ባቢሎን ከኣ ቀዳመይቲ ዓመቱ፡ ብዛዕባ ዂሎም ህዝቢ ይሁዳ ናብ ኤርምያስ ዝመጸ፡ ነብዪ ኤርምያስ ድማ ንዂሉ ህዝቢ ይሁዳን ንዂላቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ከምዚ ኢሉ ዝኣወጆ ቓል እዚ እዩ፡

3. ካብ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ዓመቱ ንዮስያስወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ ሎሚ፡ በዘን ዕስራን ሰለስተን ዓመት ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ ኣነውን ነገርኩኹምኣንገንጊሄ ነገርኩኹም፡ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምን

4. እግዚኣብሄር ከኣ ንዂሎም እቶም ግዙኣቱ ነብያት ለኣኾምኣንገንጊሁ ለኣኾም፡ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምንክትሰምዑ ኢልኩምውን ኣእዛንኩም ኣይጸሎኹምን

5. ንሳቶም ከኣ በሉ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ንዘለኣለም ኣለም ዝሀባ ምድሪ ኽትነብሩስነፍሲ ወከፍኩም ካብ እኩይ መገድኹምን ካብ እከይ ግብርኹምን ተመለሱ

6. ከተምልኽዎምን ክትሰግዱሎምን ኢልኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዐቡብግብሪ ኣእዳውኩም ኣይተዀርዩኒ፡ ኣነውን ክፉእ ኣይክገብረኩምን እየ።

7. ግናኸ ንጒድኣትኩም ደኣ ብግብሪ ኣእዳውኩም ኣኰሬኹምኒ እምበር ኣይሰማዕኩምንንይብል እግዚኣብሄር

8. ስለዚ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ንቓላተይ ስለ ዘይሰማዕኩም

9. እንሆ ንዂሎም ዓሌታት ሰሜንን ንነቡካስነጻር ንጉስ ባቢሎን ግዙኤይን ኪነቕሉ ኽልእከሎም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ናብ እዛ ሃገር እዚኣን ናብቶም ዚነብርዋን ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዂላቶም ህዝብታትን ከምጽኦም እየ። ብጥራስ ከጥፍኦም እየ፡ ንመሰክሕን መላገጽን ንናይ ዘለኣለም ምድረ በዳን ከኣ ክገብሮም እየ።

10. ካባታቶም ድማ ድምጺ ሓጐስን ድምጺ እልልታን ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ሓጐጒ ምባል መጥሓንን ብርሃን ቀንዴልን ከጥፍእ እየ።

11. ኲላ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ክትባድምን ክትዖኑን እያ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከኣ ሰብዓ ዓመት ንንጉስ ባቢሎም ክግዝኡ እዮም።

12. እተን ሰብዓ ዓመት ምስ መልኣ ድማ፡ ንንጉስ ባቢሎንን ነቲ ህዝቢ እትን ክቐጽዖም እየ፡ ንሃገር ከለዳውያን ከኣ ብሰሪ ኣበሳኦም ንሓዋሩ ኸባድማ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

13. ነቲ ብዛዕባ እዛ ሃገር እዚኣ እተዛረብክዎ ዂሉ ቓላትን፡ ነቲ ኣብ እዚ መጽሓፍ እዚ ተጻሒፉ ዘሎ ዂሉ፡ ኤርምያስ ከኣ ኣብ ኲሎም እቶም ህዝብታት እተነበዮን ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተስፋ ኸምጽኦ እየ።

14. ንኣታቶም ድማ ብዙሓት ህዝብን ዓበይቲ ነገስታትን ኪገዝእዎም እዮም፡ ኣነውን ከም ተግባሮምን ከም ግብሪ ኢዶምን ክፈድዮም እየ።

15. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እንካ እዛ ጽዋእ ናይ ቊጥዓ ወይኒ ኻብ ኢደይ ውሰዳ እሞ ነቶም ኣነ ናብኦም ዝልእከካ ህዝብታት ኲሎም ኣስትዮም

16. ኪሰትዩን ሰንከልከል ኪብሉን፡ ብሰሪ እቲ ኣነ ዝሰደሎም ሰይፊ ኸኣ ኪዐብዱን እዮም፡ በለኒ።

17. ኣነ ድማ ነታ ጽዋእ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ወሰድክዋ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ናብኦም ዝለአኸኒ ህዝብታት ኲሎም ኣስቴኽዎም

18. ከምቲ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ፡ ንምድረበዳን ንመሰክሕን ንመላገጽን ንመርገምን ምእንቲ ክዀኑ፡ ንየሩሳሌምን ንኸተማታት ይሁዳን ንነገስታታን መሳፍንታን

19. ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን ንገላውኡን ንመሳፍንቱን ንዂሉ ህዝቡን

20. ንዂሎም ሕውስዋስ ህዝብን ንዂሎም ነገስታት ሃገር ኡጽን ንዂሎም ነገስታት ሃገር ፍልስጥኤምን ንኣስቃሎንን ንጋዛን ንዔቅሮንን ንተረፍ ኣሽዶድን

21. ንኤዶምን ንሞኣብን ንደቂ ዓሞንን

22. ንዂሎም ነገስታት ጢሮስን ንዂሎም ነገስታት ሲዶንን ነቶም ኣብ ስግር ባሕሪ ዚነብሩ ነገስታት ደሴታትን

23. ንዴዳንን ንቴማን ንቡዝን ነቶም ጸጒሮም ወሰነወሰን ዚላጽዩ ዂሎምን፡

24. ንዂሎም ነገስታት ዓረብን ንዂሎም ነገስታት እቶም ኣብ ምድረ በዳ ዚነብሩ ሕውስዋስ ህዝብታትን

25. ንዂሎም ነገስታት ዚምርን ንዂሎም ነገስታት ዔላምን ንዂሎም ነገስታት ሜዶንን

26. ንዂሎም ነገስታት ሰሜንንንዝረሐቑን ንዝቐረቡንነዝን ነትን፡ ንዂሎም ኣብ ዝባን ምድሪ ዘለዉ መንግስታት ዓለምን ኣስቴኽዎም፡ ንጉስ ሺወኽ ድማ ድሕሪኦም ኪሰቲ እዩ።

27. ንስኻ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤልስተዩስኸሩትፍኡ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣነ ዝሰደልኩም ሰይፊ ኸኣ ውደቑ እሞ መሊስኩም ኣይትተንስኡይብል አሎ፡ ክትብሎም ኢኻ።

28. ከይሰተዩ ድማ ነታ ጽዋእ ካብ ኢድካ ምቕባል እንተ ኣበዩእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትምስታይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም፡ ይብል አሎ፡ ክትብሎም ኢኻ።

29. እንሆ፡ በታ ስመይ እተሰምየት ከተማ ምቕጻዕ እጅምር አሎኹ፡ እሞኸ ንስኻትኩምዶ ኸይተቐጻዕኩም ክትተርፉ ኢኹም። ኣብ ምድሪ ንዚነብሩ ዂላቶም ሰይፊ ኽጽውዓሎም እየ እሞ፡ ከይተቐጻዕኩምሲ ኣይክትተርፉን ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

30. ስለዚ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ካብ ላዕሊ ኺጭድር፡ ካብቲ ቅዱስ ስፍራኡ ኸኣ ድምጹ ኼስምዕንመጓሲኡ ኣበርቲዑ ኺጭድረሉ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዂላቶም ድማ ከም ጭድርታ ረገጽቲ ወይኒ ይጭድረሎም አሎ፡ ኢልካ ዂሉ እዚ ቓላት እዚ ተነበየሎም

31. እግዚኣብሄር ምስ ህዝብታት ነገር ገይሩ ስጋ ንዝለበሰ ዂሉ ኸኣ ኪፈርድ እዩ እሞ፡ እቲ ህማም ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኺበጽሕ እዩ። ነቶም ረሲኣን ድማ ንኣደዳ ሰይፊ ኺምጥዎም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

32. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ መዓት ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ኺሐልፍብርቱዕ ህቦብላ ኸኣ ካብ ወሰን ምድሪ ኺለዐል እዩ።

33. በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ቅቱላት እግዚኣብሄር ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ለም ኪብሉ እዮም። ኣብ ዝባን ምድሪ ንድዂዒ ኪዀኑ እዮም እምበር፡ ኣይኪብከዮምን እዩ፡ ኣይኪእከቡን ኣይኪቕበሩን ድማ እዮም።

34. እተን እትሕረዱለን መዓልታት በጺሔን እየን፡ ኣነ ኽሰባብረኩም እየ፡ ከም ክብርቲ ኣቕሓውን ክትወድቁ ኢኹም እሞ፡ ኣቱም ጓሶትዋይዋይ በሉን ጨርሑን፡ ኣቱም መራሕቲ መጓሰ፡ ኣብ ሓመድ ጠንቀላዕላዕ በሉ።

35. እቶም ጓሶት ምህዳም ኪስእኑ፡ እቶም መራሕቲ መጓሰ ድማ ኣይኬምልጡን እዮም።

36. እግዚኣብሄር ነቲ ዚጓሰዩሉ ምድሪ የጥፍኦ አሎ እሞ፡ ናይ ጓሶት ዋይዋይ ምባልን ናይቶም መራሕቲ መጓሰ ኣውያትን ይስማዕ አሎ።

37. ካብ ነድሪ ቚጥዓ እግዚኣብሄር እተላዕለ እታ ማሕደር ሰላም ትጽሙ

38. ካብ ጭከና ሰይፍን ካብ ነድሪ ቚጥዓኡን እተላዕለ ሃገሮም ባዲማ እያ እሞ፡ ከም ኣንበሳ ነታ መሕብኢኡ ሐደጋ