1. እቶም ነባጊዕ መጓሰይ ዜጥፍኡን ዚዘርውን ጓሶት ወይለኦምይብል እግዚኣብሄር

2. ስለዚ ብዛዕባ እቶም ንህዝበይ ዚጓስዩ ጓሶትሲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ነባጊዔይ ዝዘሮኽምወንን ዘባረርኩምወንን ግደን ዘይገበርኩምን ንስኻትኩም ኢኹም። እንሆ፡ ብሰሪ እከይ ተግባርኩም ከኣ ክቐጽዓኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

3. ኣነ ኸኣ ነተን ካብ ኣባጊዔይ ዝተረፋ ኻብቲ ዝሰጐጒክወን ኲሉ ሃገር ክእክበን፡ ናብ መጓስኤን ድማ ክመልሰን እየ፡ ኪፈርያን ኪበዝሓንውን እየን።

4. ዚጓስይወን ጓሶት ከተንስኣለን እየ፡ ድሕርዚ ኸኣ ኣይኪፈርሃን ኣይኪስምብዳን ገለ እኳ ኣይኪስእናን እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር

5. እንሆ፡ ንዳዊት ጻድቕ ጨንፈር ዘተንስኣለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ። ንሱ ነጊሱ ኺገዝእኪቐንዖ ድማ እዩ፡ ኣብታ ሃገር ከኣ ፍርድን ጽድቅን ኬውጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

6. ብዘመኑ ይሁዳ ኺድሕንእስራኤል ድማ ኣስተርሕዩ ኺነብር እዩ። ዚስመየሉ ስም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ጻድቅና እዩ፡ ኪኸውን እዩ።

7-8. ስለዚ እንሆ፡ እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጽኤ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዘይባህለሉ ዘመን፡ ግናኸ እቲ ንዘርኢ ቤት እስራኤል ካብ ሃገር ሰሜንን ካብቲ ሰጒጐዮም ዝነበርኩ ዂሉ ሃገርን ዘውጽኤን ዝመርሔን እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ዚበሀለሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ኣብ ሃገሮምውን ኪነብሩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

9. ብዛዕባ ነብያትልበይ ኣብ ውሽጠይ ተጓእ ይብል፡ ኲሉ ዓጻጽምተይ ራዕራዕ ይብል አሎ። ብምኽንያት እግዚኣብሄርን ብምኽንያት ቅዱስ ቃላቱን ከም ስኹርን ከምቲ ወይኒ ዝመለኸ ሰብኣይን ኰንኩ።

10. እታ ሃገር ብዘመውቲ መሊኣ አላ፡ ብሰሪ መርገም ከኣ እታ ሃገር ትሐዝን አላ፡ መጓሰዪ በረኻ ነቐጸጒያኦም እኩይ እዩ፡ ሓይሎም ከኣ ሰናይ ኣይኰነን።

11. ነብያትን ካህናትን ረኸሱ፡ ኣብ ቤተይ እኳ እከዮም ረኸብኩ፡ ይብል እግዚኣብሄር

12. በታ ዝዝክሮም ዓመትሲ መዓት ከውርደሎም እየ እሞ፡ ስለዚ መገዶም ኣብ ጸልማት ከም ስፍራ መንደልህጾ ኽትኰኖም እየ፡ ኣብኣ ተደፊኦም ኪወድቁ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

13. ኣብ ነብያት ሰማርያ ድማ ዕሽነት ርኤኩ፡ ብስም በዓል ተነበዩንህዝበይ እስራኤል ኣስሐቱ

14. ኣብ ነብያት የሩሳሌም ከኣ ዜሰክሕ ርኤኩየመንዝሩብሓሶት ይመላለሱሓደ እኳ ኻብ እከዩ ኸይምለስኢድ እቶም እኩማት የጽንዑ ኣለው። ኲላቶም ከም ሶዶም፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ድማ ኸም ጎሞራ ዀኑኒ።

15. ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብዛዕባ እቶም ነብያት፡ ካብቶም ነብያት የሩሳሌም ረሲእነት ኣብ ኲላ እታ ሃገር ተዘርጊሑ እዩ እሞ፡ እንሆዕረ ኸብልዖም፡ ማይ ስሚ ኸኣ ከስትዮም እየ፡ ይብል አሎ።

16. እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እቶም ዚንበዩልኩም ዘለዉ ነብያትሲ ኸንቱነት እዮም ዚምህሩኹም ዘለዉ፡ ራእይ ልቦም እምበር፡ እቲ ኻብ ኣፍ እግዚኣብሄር ዝወጸ ኣይኰነን ዚነግሩኹም ዘለዉ እሞ፡ ቃላቶም ኣይትስምዑ

17. ንሳቶም ከኣ ነቶም ዚንዕቁኒ ዘለዉ ዂሉ ጊዜ፡ እግዚኣብሄርሲ ደሓን ኪዀነልኩም እዩ፡ ኢሉ አሎ፡ ነቶም ብትሪ ልቦም ዚመላለሱ ዂላቶም ድማ፡ ገለ ኽፉእ ኣይኪወርደኩምን እዩ፡ ይብልዎም ኣለው።

18. ቃሉ ኺርእን ኪሰምዕን ኣብ ምኽሪ እግዚኣብሄር ዝወዐለ መን እዩ፧ ጽን ኢሉ ቓሉ ዝሰምዔኸ መን እዩ፧

19. እንሆ፡ ህቦብላ እግዚኣብሄር፡ እቲ ነድሩ ኸም ዘራጊቶ ይወጽእ አሎ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ረሲኣን ድማ ኪወድቕ እዩ።

20. ቊጥዓ እግዚኣብሄር ሓሳባት ልቡ ኸይገበረን ከይፈጸመንሲ ኣይኪምለስን እዩ። ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ኣጸቢቕኩም ከተስተውዕልዎ ኢኹም።

21. ነዞም ነብያት እዚኣቶም ኣይለኣኽክዎምን ግናኸ ጐየዩ፡ ኣነስ ኣይተዛረብክዎምን ግናኸ ንሳቶም ተነበዩ

22. ኣብ ምኽረይ ውዒሎም ነይሮም እንተ ዚዀኑስ፡ ቃላተይ ንህዝበይ መስምዕዎም፡ ካብቲ ኽፉእ መገዶምን ካብ እከይ ግብሮምን ከኣ ምመለስዎም ነይሮም።

23. ካንዶ ናይ ቀረባ ኣምላኽ ጥራይ እየ፡ ናይ ርሑቕ ኣምላኽሲ ኣይኰንኩንዶ፧ ይብል እግዚኣብሄር

24. ኣነ ኸይርእዮስ ሰብዶ ኣብ ስዉር ስፍራ ኺሕባእ ይከኣሎ እዩ፧ ይብል እግዚኣብሄርሰማይን ምድርን ዝመልእዶ ኣነ ኣይኰንኩን፧ ይብል እግዚኣብሄር።

25. ነቲ ሐሊመ፡ ሐሊመ እናበሉ፡ እቶም ብስመይ ሓሶት ዚንበዩ ነብያት ዝበልዎ ሰማዕኩ

26. እዝስ ኣብ ልቢ እቶም ሓሶት ዚንበዩ ነብያትነብያት ጥበራ ልቦምክሳዕ መኣዝ ኪጸንሕ እዩ፧

27. ከምቲ ኣቦታቶም ምእንቲ በዓል ንስመይ ዝረስዕዎ፡ ንሳቶም በቲ ንሓድሕዶም ዚዛራረቡሉ ሕልምታቶምዶ ንህዝበይ ስመይ ኬረስዕዎ ይሐስቡ አለዉ፧

28. እቲ ሕልሚ ዝሐለመ ነብዪ ሕልሚ ይዛረብ፡ እቲ ቓለይ ዘለዎ ኸኣ ብሓቂ ቓለይ ይንገርሓሰር ምስ እኽሊ እንታይ አለዎ፧ ይብል እግዚኣብሄር

29. ቃለይዶ ኸም ሓውን ከምቲ ንኸውሒ ሓሸምሸም ዜብል ሞደሻን ኣይኰነንይብል እግዚኣብሄር

30. ስለዚ እንሆ፡ ነቶም ንሓድሕዶም ቃለይ ዚሳረቑ ነብያት እጥልቐሎም አሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር

31. እንሆ፡ ነቶም ልሳኖም ኣልዒሎምይብል አሎ፡ ዚብሉ ነብያት እጥልቐሎም አሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር

32. እንሆ፡ ነቶም ሕልሚ ሓሶት ዚንበዩንህዝበይ ከኣ እናተዛረቡ ብሓሶቶምን ብድፍረቶምን ዜስሕቱ ነብያት እጥልቐሎም አሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኣይለኣኽክዎምንኣይኣዘዝክዎምን፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ዚዐብሱሉ የብሎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

33. እዚ ህዝቢ እዚ ወይ ነብዪ ወይ ካህንጾር እግዚኣብሄር እንታይ እዩ፧ ኢሎም እንተ ሐተቱኻ፡ ንስኻ ኸኣ፡ ኣየናይ ጾር እሞ፡ ኢልካ ምለሰሎም። ኣነ ኽድርብየኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

34. ነቲ፡ ጾር እግዚኣብሄርዚብል ነብይን ካህንን ህዝብን፡ ነዚ ሰብኣይ እዝን ንቤቱን ክቐጽዖም እየ።

35. ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉእግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ እዩ ዝመለሰእግዚኣብሄርሲ እንታይ እዩ እተዛረበ፧ ደኣ በሉ

36. ንቓላት ህያው ኣምላኽ፡ ናይቲ ኣምላኽና እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ስለ ዝጠዌኹምዎንነፍሲ ወከፍ ቃሉ ጾሩ ኪዀኖ እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ጾር እግዚኣብሄር ኣይትበሉ

37. ንነብዪ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ኢሉ እዩ ዝመለሰልካ፧ እግዚኣብሄርሲ እንታይ እዩ ዝበለ፧ ኢልካ በሎ

38. ግናኸ ጾር እግዚኣብሄር እንተ በልኩም፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ይዛረብ አሎ፡ ጾር እግዚኣብሄር ከይትብሉ ልኢኸ ነጊረኩም ክነሰይ፡ እዛ ጾር እግዚኣብሄር እትብል ቃል ካብ እተውስኡ፡

39. ስለዚ እንሆ፡ ብጥራስ ክርስዓኩም፡ ንኣኻትኩምን ነታ ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ዝሀብክዋ ኸተማን ካብ ገጸይ ኣርሒቐ ኽድርብየኩም እየ።

40. ናይ ዘለኣለም ነውርን ዘይርሳዕ ናይ ዘለኣለም ሓፍረትን ኸውርደልኩም እየ።