1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ናባይ መጸ፡

2. ኪድ እሞ ኣብ ኣእዛን የሩሳሌምእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ ጨድርፍቕሪ ንእስነትክንመርዓት ከሎኺ ኽንደይ ከም ዘፍቀርክንንን፡ ኣብ ጸምጸም በረኻ ኣብ ዘይዝራእ ሃገርውን ከም ዝሰዐብክኒእዝክረልኪ አሎኹ።

3. እስራኤል ንእግዚኣብሄር እተቐደሰበዂሪ ቐውዑ ነበረ፡ ዚበልዕዎ ዘበሉ ይዕግቡሕሰም ድማ ኪወርዶም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

4. እቱም ቤት ያእቆብ፡ ኲላትኩም ከኣ ዓሌት ቤት እስራኤልቃል እግዚኣብሄር ስምዑ

5. ኣቦታትኩም ካባይ ዝረሐቑደድሕሪ ኸንቱነት ዝሰዓቡ፡ ንርእሶምውን ከንቱነት ዝዀኑስ እንታይ ዓመጻ ረኸቡለይይብል እግዚኣብሄር

6. ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ኻብ ሃገር ምስሪ ዘውጽኣናብበረኻብምድሪ ጽምዋን ድንጒርን፡ ብምድሪ ኣጻምእን ድነ ሞትን፡ በቲ ሓደ እኳ ዘይሐልፎን ሓደ ሰብ እኳ ዘይነብረሉን ምድሪ ዝመርሓና እግዚኣብሄርሲ ኣበይ አሎ፧ ኣይበሉን

7. ኣነ ድማ፡ ፍሪኡን ጥዑሙን ምእንቲ ኽትበልዑ፡ ናብ ፈራዪ ምድሪ ኣእቶኹኹም። ንስኻትኩም ግና ምስ ኣቶኹምንምድረይ ኣርከስኩምዋንርስተይውን ፍንፋን ገበርኩምዎ

8. ካህናትእግዚኣብሄር ኣበይ አሎ፧ ኣይበሉንሕጊ ዝሐዙ ድማ ኣይፈለጡንን፡ ጓሶት ጠለሙኒነብያት ብስም በዓል ተነበዩደድሕሪ እቶም ዘይጠቕሙ ኸኣ ሰዐቡ

9. ስለዚ ገና ኽካትዓኩም እየ፡ ምስ ደቂ ደቅኹም እኳ ኽካታዕ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

10. ናብ ደሴታት ኪቲም ተሳገሩ እሞ ርኣዩ፡ ናብ ቄዳር ልኣኹ እሞ ኣጸቢቕኩም ተመልከቱ፡ ከምዚ ዘመሰለ ከቶ ዀይኑ እንተ ዀነ ድማ ጠምቱ

11. ዘይኣማልኽቲ ኽነሶምሲኣማልኽቱ ዝለወጠ ህዝቢዶ አሎ፧ ህዝበይ ግና ግርማኡ ንዘይጠቅም ለወጠ

12-13. ህዝበይ ክልተ ኽፋእ ገይሩ፡ ንኣይ ንፈልፋሊ ህያው ማይ ሐዲጎምኒ፡ ንርእሶም ከኣ ሓጽብታትማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ኲዒቶም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙሰምብዱኣዚኹምውን ራዕራዕ በሉ፡ ይብል እግዚኣብሄር

14. እስራኤልሲ ባርያዶ እዩ፧ ወይስ ኣብ ቤት እተወልደ ባርያ ዶዀን እዩ፧ ስለምንታይ ደኣ ንምርኮ ተወፈየ፧

15. ሽደናት ኣናብስ ጓዘሙሉደሃዮም ኣስምዑምድሩ ኸኣ ኣዕነውከተማታቱ ነደዳዚነብረለን ድማ የልቦን።

16. ደቂ ኖፍን ታህፋኔስን ቅርቅርትኻ ፈገጹ

17. እዚ ዝወረደክስ ነቲ ብቕኑዕ መገዲ ዚመርሓኪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ስለ ዝሐደግኪዶ ኣይኰነን፧

18. ሕጂኸ ማይ ሲሆር ክትሰትዪ ኣብቲ ናብ ግብጺ ዚወስድ መገዲ እንታይ ክትገብሪ ኢኺ፧ ወይስ ካብቲ ወሓዚ ርባ ኽትሰትዪ፡ ኣብቲ ናብ ኣሶር ዚወስድ መገድስ እንታይ ክትገብሪ ኢኺ፧

19-20. ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩመኣሰርኪ በጠስኩኣይግዛእን ድማ በልኪ፡ ኣብ ኲሉ በሪኽ ኲድዂዶታትን ትሕቲ ዂሉ ልሙዕ ኣእዋምን ደኣ ንዝሙት ጠንቀላዕላዕ በልኪ እሞ፡ ክፍኣት ርእስኺ ኪቐጽዓኪዘይእምንቲ ምዃንኪ ድማ ኪግስጸኪ እዩ። እምበኣረይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ምሕዳግን ንኣይ ዘይምፍራህን ክንደይ ክፉእን መሪርን ምዃኑ ፍለጥን ርኣይንይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

21. ኣነስ ከም ሕሩይ ሓረግ ወይኒ ገይረ ኻብ ጽሩይ ዓሌት ተኸልኩኺ፡ ከመይ ኢልኪ ደኣ ኣብ ድቓላ ሓረግ ወይኒ ተለወጥክኒ

22. ብጨው ባሩድ እኳ እንተ ተሐጸብኪብዙሕ ሳሙና ኸኣ እንተ ኣዘውተርኪ፡ ኣበሳኺ ኣብ ቅድመይ ርኹስ ኰይኑ ይነብር፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ

23. ከመይ ኢልኪ ኢኺ፡ ኣይረኸስኩንደድሕሪ በዓል ኣይሰዐብኩንእትብሊ ዘሎኺ፧ ስጓሞኺ ናብቲ ለሰ ተመልከቲዝገበርክዮ ዘክሪ፡ ኣብዝን ኣብትን ከም እትፋንን ገመል ኰንኪ።

24. በረኻ ኸም ዝለመደት፡ ከም ድሌታ ንንፋስ ፊንፊን እትብል፡ ሓደ እኳ ባህጋ ኪኽልክል ዘይኽእል ኣድጊ ኸደን፡ ከምኡ ዀንኪ። ዚደልይዋ ዂላቶም ብጒያ ኣይደኽሙን፡ ኣብ ወርሓታ ይረኽብዋ

25. እግርኺ ጥራዩ ኻብ ምዃን፡ ጐረሮኺ ድማ ካብ ምጽማእ ተጠንቀቒ። ንስኺ ግና፡ ጓኖት ፈትየ አሎኹ፡ ደድሕሪኦም ክስዕብ እየ እሞ፡ እዝስ እኳ ኣይኸውንን እዩ፡ በልኪ

26. ከምቲ ሰራቒ ምስ ተታሕዘ ዚንውር፡ ከምኡ ቤት እስራኤል፡ ንሳቶም ነገስታቶምን መሳፍንቶምን ካህናቶምን ነብያቶምንኪንውሩ እዮም።

27. ዝባኖም እምበር፡ ገጾም ናባይ ኣይመለሱን እሞ፡ ንዕጨይቲ፡ ንስኻ ኣቦይ ኢኻ፡ ንእምኒ ድማ፡ ንስኺ ወለድኽናይብሉብጊዜ መከራኦም ግና፡ ተንስእ እሞ ኣድሕነናይብሉ

28. ኣታ ይሁዳኣማልኽትኻ ኽንዲ ፍቕዲ ኸተማታትካ እዮም እሞ፡ እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለው፧ ብጊዜ መከራኻ ኼድሕኑኻ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖምሲ፡ ይተንስኡ

29. ስለምንታይ ምሳይ እትካትዑ፧ ኲላትኩም ክሒድኩምኒ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር

30. ብኸንቱ ንደቅኹም ወቓዕኩ፡ ንሳቶምውን ኣይተቐጽዑንሴፍኩም ከም ሰባሪ ኣንበሳ ዀይኑ ንነብያትኪም በልዖም

31. ኣታ ወለዶቃል እግዚኣብሄር ኣስተውዕልንእስራኤልዶ ጸምጸም በረኻ ወይስ ድቕድቕ ጸልማት ኰንክዎ፧ ስለምንታይ ደኣ ህዝበይሓራ ውጹኣት ኢና፡ ደጊም ናባኻ ኣይንምለስን፡ ዚብሉ፧

32. ጐርዞዶ ስልማታ ወይስ መርዓት ቅናታ ትርስዕ እያ፧ ህዝበይንንከ ቚጽሪ ዜብሉ መዓልትታት ረስዓኒ

33. ደድሕሪ ፍትወትኪ ንምጒያይሲ መገዲ ንምርካብ ክንደይ ኰታ ጮለ ኢኺ። ስለዚ ድማ ብመገዲ ኽፍኣት መልመዲት ኢኺ።

34. ክሳዕ ኣብ ዘፋፍር ክዳንኪ ደም እቶም ዝቐተልክዮም ንጹሃት ድኻታት ተረኽበ፡ ስለ እዚ ዂሉ ደኣ እዩ እምበር፡ ኪጒሕሉስ ኣይረኸብክዮምን

35. ምስናይ እዚ ድማ፡ ኣነ ንጽህቲ እየ፡ ቊጥዓኡ ኻባይ ኣርሒቑ ተመሊሱ እዩ፡ ትብሊ ኣሎኺ። እንሆሓጢኣት የብለይን ስለ ዝበልኪ፡ ምሳኺ ኣብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ።

36. ስለምንታይ መገድኺ ንምልዋጥ ትህወኺ ኣሎኺ፧ ከምቲ ብኣሶር ዝነወርክዮብግብጺ ኸኣ ክትንውሪ ኢኺ።

37. እግዚኣብሄር ነቲ እትእመንዮ ደርብይዎ እዩ፡ ምሳታቶም ድማ ኣይኪቐንዓካን እዩ እሞ፡ ካብኡውን ኢድኪ ኣብ ርእስኪ ጌርኪ ኽትወጺ ኢኺ።