1. ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል ከምዚ ይብል አሎ፡

2. ንቓላት እዚ ኺዳን እዚ ስምዑንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ድማ ተዛረቡ

3-5. እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ በሎም፡ ከምቲ ሎም ዀይንዎ ዘሎ፡ ነታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገር ክህበኩም እየ፡ ኢለ ነቦታትኩም ዝመሐልክዎ ማሕላ ምእንቲ ኸጽንዕ፡ ነቲ በታ ነቦታትኩም ካብ ሃገር ግብጺ፡ ካብ እቶን ሓጎዶ ዘውጻእኩላ መዓልቲ፡ ድምጸይ ስምዑዝኣዘዝኩኹም ኲሉ ኸኣ ግበሩ፡ ሽዑ ንስኻትኩም ህዝበይ ክትኰኑ፡ ኣነውን ኣምላኽኩም ክኸውን እየ፡ ኢሉ ዝኣዘዝክዎም ቃል ኪዳን ዘይሰምዕ ሰብ ርጉም ይኹን። ኣነ ድማ፡ ኣሜን ጐይታይኢለ መለስኩ

6. እግዚኣብሄር ከኣ፡ ነዚ ዂሉ ቓላት እዚ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ኣደባባይት የሩሳሌምን ከምዚ ኢልካ ኣውጆበለኒንቓላት እዚ ኺዳን እዚ ስምዕዎ ግበርዎ ድማ።

7. ካብታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ነቦታትኩም ኣሰማዕኩሎምንድምጸይ ስምዑኢለ ኣንጊሄ ኣስማዕኩሎም

8. ንሳቶም ግና ነፍሲ ወከፎም ብትሪ እኩይ ልቦም ተመላለሱ እምበር፡ ኣይሰምዑንእዝኖም ኣይጸለውን። ስለዚ ኸኣ ነቲ ኺገብርዎ ዝኣዘዝክዎም፡ ንሳቶምውን ዘይገበርዎ ዅሉ ቓላት እዚ ኺዳን እዚ ኣብ ርእሶም ኣውረድክዎ

9. እግዚኣብሄር ድማ በለኒሰብ ይሁዳን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ተማሓሒሎም ኣለው።

10. ንሳቶም ናብቲ ኣበሳ ናይቶም ንቓለይ ምስማዕ ዝአበዩ ቐዳሞት ኣቦታቶም ተመልሱ። ምእንቲ ኼገልግልዎም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ሰዐቡቤት እሰራኤልን ቤት ይሁዳን ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ኣፍረሱ

11. ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ዘየምልጡሉ መዓት ከውርደሎም እየ፡ ናባይ ኪጠርዑ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክሰምዖምን እየ።

12-13. ኣታ ይሁዳክንዲ እቲ ብዝሒ ኸተማታትካ ኽንድኡ ኸኣ እዩ ብዝሒ ኣማልኽትኻክንዲ እቲ መገድታት የሩሳሌም ክንድኡ ድማ ንነውሪ መስውኢታት ሰሪሕካንበዓል እትዐጥነሉ መሰውኢ እኳ ደኣ ሰሪሕካ ኢኻ እሞ፡ ከተማታት ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን ናብቶም ዕጣን ዚዐጥኑሎም ኣምልኽቲ ኺጠርዑ ኢሎም ኪኸዱ እዮም፡ ግናከ ብጊዜ ጸበባኦምሲ ከቶ ኣይኬድሕንዎምን እዮም።

14. ብሰሪ ጸበባኦም ናባይ እንተ ተማህለሉ፡ ኣይክሰምዖምን እየ እሞ፡ ንስኻስ ምእንቲ እዚ ህዝቢ እዚ ኣይትለምን፡ ምእንትኦም ከኣ ኣይትጥራዕን ኣይትማህለልን

15. ፈታውየይ ግብሪ እከይ እናገበረስ ኣብ ቤተይ እንታይ አለዎ፧ መብጽዓን እተቐደሰ ስጋንዶ እከይካ የርሕቐልካ እዩ፧ ብምንታይ ደኣ ትሕጐስ አሎኻ፧

16-17. እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ፍረ እተሰለመት ልምዕቲ ኣውልዕ፡ ኢሉ ሰመየካ። እቲ ዝተኸለካ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብሰሪ እቲ ናይ ቤት እስራኤልን ናይ ቤት ይሁዳን ንበዓል እናዐጠኑ ዘቘጥዑኒ ንጒድኣቶም ዝገበርዎ እከይ፡ መዓት ኪወርደካ መደበ እሞ፡ ብብርቱዕ ህማም ታዕታዕ ድማ ብሓዊ ኣንደዳጨናፍራውን ሞዂ በለ

18. እግዚኣብሄር ኣፍለጠኒ እሞ፡ ፈለጥኩ፡ ሽዑ ተግባሮም ኣርኤኻኒ

19. ኣነ ግና ከም ናብ ማሕረዲ ዚወስድዎ ሓላል ገንሸል ነበርኩ። ንሳቶም፡ ስማ ኸይዝከር ነታ ኦም ምስ ፍሬኣ ነጥፍኣያ፡ ካብ ሃገር ህያዋን ድማ ንመንቊሳ፡ ኢሎም ውዲት ከም ዝደበቑለይ ኣይፈለጥኩን

20. ግናኸ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትቅኑዕ እትፈርድልብን ኰላሊትን ከኣ እትምርምርነገረይ ኣባኻ ኤማሕጽን አሎኹ እሞ፡ ምፍዳይ ሕኔኻ ኣባታቶም ኣርእየኒ

21. ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም፡ ብኢድና ኸይትመውት ብስም እግዚኣብሄር ኣይትነበኢሎም ነፍስኻ ዚደልዩ ዘለዉ ሰብ ኣናቶት ይዛረብ አሎ።

22. ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ክቐስፎም እየ፡ ኣባጽሖም ብሰይፊኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ብጥሜት ኪሞቱ እዮም።

23. በታ ንኣታቶም ዝቐጽዓላ ዓመት ኣብ ሰብ ኣናቶት መዓት ከውርድ እየ እሞ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ።