1. ዮስያስ ኪነግስ ከሎ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝኤስም ኣዲኡ ድማ የዲዳ እዩ፡ ንሳ ጓል ዓዳይ ብዓል ቦጽቃት እያ።

2. ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረብዂሉ መገዲ ኣቦኡ ዳዊት ከደንየማን ኰነ ነጸጋም ኣየግለሰን

3. ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ እቲ ንጉስ ንሻፋን ጸሓፊወዲ ኣጻልያ ወዲ መሹለም፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ለአኾ

4. ናብቲ ሊቀ ኻህናት ናብ ሒልቂያ ደይብ እሞ ነቲ እቶም ሓለውቲ ደገ ኻብቲ ህዝቢ ዝአከብዎ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ዝአተወ ገንዘብ ኪእክቦ አዝዞ።

5. ነቶም ዕዮ ዜዕይዩ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢዶም ይሀብዎም፡ ንሳቶም ከኣ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነቲ ነቓዕ እታ ቤት ኪጽግኑ ዚዐዩ ዓየይቲ፡

6. ንጸረብትን ንሀነጽትን ንነደቕትንንምጽጋን እታ ቤት ዚኸውን ኣእዋምን ውቑር እምንን ዚዕደገሉ ገንዘብ ይሀብዎም።

7. ግናኸ ብእምነት እዮም ዚገብርዎ እሞ፡ ነቲ ኣብ ኢዶም እተዋህበ ገንዘብ ኣይጸባጸብዎም

8. ሊቀ ኻህናት ሒልቂያ ኸኣ ንሻፋን እቲ ጸሓፊ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መጽሓፍ ሕጊ ረኺበበሎሒልቂያ ድማ እቲ መጽሓፍ ንሻፋን ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣንበቦ

9. ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ናብ ንጉስ አትዩ፡ እቶም ገላዉኻ ነቲ ኣብታ ቤት እተረኽበ ገንዘብ ገልቢጦም ነቶም ዕዮ ዜዕይዩ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ኢዶም ሀብዎምኢሉ ነቲ ንጉስ እቲ ነገር መለሰሉ

10. ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ንንጉስ፡ ሊቀ ኻህናት ሒልቂያ መጽሓፍ ሂቡኒኢሉ ነገሮሻፋን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበቦ

11. ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ቃላት እቲ መጽሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዔክዳውንቱ ቐደደ

12. እቲ ንጉስ ከኣ ንኻህን ሒልቂያን ንኣሒቃም ወዲ ሻፋንን ንዓክቦር ወዲ ሚካያን ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንዓሳያ ጊልያ ንጉስን

13. ኣቦታትና ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ኸምቲ ዂሉ ንኣና እተጻሕፈ ኺገብርዎ ኢሎም ስለ ዘይሰምዕዎ፡ እቲ ኣባና ተቓጺሉ ዘሎ ዂራ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ኪዱ ብናይ እዚ እተረኽበ መጽሓፍ እዚ ነገር ምእንታይን ምእንቲ ህዝብን ምእንቲ ዂሉ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ሕተትዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም።

14. ሽዑ ኻህን ሒልቂያን ኣሒቃምን ዓክቦርን ሻፋንን ዓሳያን ናብ ነብዪት ሑልዳሰበይቲ ሻሎም ሓላው ክዳውንቲከዱ፡ ንሱ ወዲ ጢቅዋ ወዲ ሓርሓስ እዩ። ንሳ ድማ ኣብ የሩሳሌምስ ኣብታ ኻልአይቲ ኽፍሊ ትቕመጥ ነበረት። ንእኣ ድማ ተዛረብዋ

15. ንሳ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ በለቶም፡ ነቲ ናባይ ዝለአኸኩም ሰብኣይ በልዎ

16. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኲሉ ቓላት እቲ መጽሓፍ፡ እቲ ንጉስ ይሁዳ ዘንበቦእንሆናብዛ ቦታ እዚኣን ናብቶም ዚነብርዋ ዘለውን እቲ ኽፉእ ከምጽኦ እየ።

17. ብዂሉ ግብሪ ኣእዳዎም ምእንቲ ኬቘጥዑንስ፡ ንኣይ ሐዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝዐጠኑ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዂራይ ኪቃጸል እዩ፡ ኣይጠፍእን ከኣ

18. ነቲ ንእግዚኣብሄር ክትሐቱ ኢሉ ዘለአኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ከምዚ በልዎብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ነገር እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡

19. ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣን ብዛዕባ እቶም ዚነብርዋን ንመደነቕን ንመራገምን ኪዀኑ እዮም ኢለ እተዛረብክዎም ምስ ሰማዕካ ልብኻ ስለ ዝለስለሰኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ትሕት ስለ ዝበልካክዳንካ ቐዲድካ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኼኻ፡ ኣነ ድማ ሰሚዔካ አሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር

20. ስለዚ እንሆ፡ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፡ ናብ መቓብርካ ኸኣ ብሰላም ክትእከብ ኢኻ፡ ነቲ ኣነ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዘምጽኦ ዂሉ ኽፉእ ኣዒንትኻ ኣይርእያኦን እየን። ንሳቶም ድማ ነቲ ነገር ናብ ንጉስ መለስዎ