1. ዓታልያ ኣደ ኣሓዝያ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረአየትተንሲኣ ንብዘሎ ዓሌት መንግስቲ ኣጥፍኤት

2. ግናኸ የሆሸባ ጓል ንጉስ ዮራምሓብቲ ኣሓዝያንዮአስ ወዲ ኣሓዝያ ኻብ ማእከል እቶም እተቐትሉ ደቂ ንጉስ ሰሪቓ ወሰደቶ እሞ፡ ንእኡን ንመጒዚቱን ኣብ ሕልፍኚ ዓራት ኣእትያ ኻብ ቅድሚ ዓታልያ ሐብአቶኣይተቐትለን ድማ

3. ምስአ ተሐቢኡ ኸኣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሹድሽተ ዓመት ተቐመጠ። ኣብታ ሃገር ድማ ዓታልያ ነጊሳ ነበረት።

4. በታ ሳብዐይቲ ኦኣመት ከኣ ዮያዳ ነቶም ናይ ካራውያን ሓላቑ ሚእትታትን ንዘብዔኛታትን ልኢኹ ኣምጽኦም፡ ናብኡ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎም፡ ምሳታቶም ኪዳን አትዩ ኸኣ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምሐሎም፡ ነቲ ወዲ ንጉስ ድማ ኣርአዮም

5. ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞምእቲ እትገብርዎ ነገር እዚ እዩ፡ እቶም ካባኻትኩም ብሰንበት ዚአትዉሲሶ ሓለዋ ቤተ ንጉስ ይሐልዉ

6. እቶም ሲሶ ድማ ኣብ ደገ ሱርእቶም ሲሶ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ድሕሪ እቶም ዘብዔኛታት ዘሎ ደገ ይኹኑ። ሐለዋ እታ ቤት ሐሊኹም ከኣ ከልክሉ

7. እቶም ክልተ ኽፍሊ ኻባኻትኩም ድማ፡ እቶም ብሰንበት ዚወጹ ዅሎም፡ ሓለዋ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ ንጉስ ይሐልዉ

8. ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ ንንጉስ ብዙርያኡ ኽበብዎእቲ ጥሒሱ ኣብ መስርዕ ዚአቱ ድማ ይሙትእቲ ንጉስ ኪወጽእን ኪአቱን ከሎ ኸኣ፡ ምስኡ ኹኑ

9. እቶም ሓላቑ ሚእቲ ኸኣ ከምቲ ኻህን ዮያዳ ዝአዘዞም ኲሉ ገበሩነፍሲ ወከፍ ሰሰቦም፡ ነቶም ብሰንበት ዚአትዉ ምስቶም ብሰንበት ዚወጹ ገይሮም ወሰድዎም፡ ናብ ካህን ዮያዳ ድማ መጹ

10. እቲ ኻህን ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ዂናውትን ዋላቱን ነቶም ሓላቑ ሚእቲ ሀቦም

11. እቶም ዘብዔኛታት ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ብኢዱ ሒዙ ኻብ የማናይ መአዝን እታ ቤት ጀሚሮም ክሳዕ ጸጋማይ መአዝን እታ ቤት ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤትንኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ቈሙ

12. ሽዑ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውጺኡ ዘውዲ ደፍአሉ፡ እቲ ምስክርውን ሀቦ። ኣንገስዎን ቀብእዎን ከኣ፡ ኣእዳዎም እናኣጥቕዑ ድማ፡ ንጉስ ህያው ይኹንበሉ

13. ዓታልያ ድማ ድምጺ እቶም ዘብዔኛታትን ህዝብን ምስ ሰምዔትናብቲ ህዝቢ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወት

14. እንተ ጠመተት ከኣ፡ እንሆ፡ እቲ ንጉስ ከምቲ ስርዓት ኣብ ጥቓ ዓንዲ ቘይሙ ነበረ፡ እቶም ሓላቑን እቶም መለኸተኛታትን ድማ ምስ ንጉስ ነበሩ። ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርውን ተሐጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። ሽዑ ዓታልያ ኽዳውና ቐዲዳዕልወት እዩ፡ ዕልወት እዩ፡ ኢላ ጨረሐት

15. እቲ ኻህን ዮያዳ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትሙትኢሉ ነበረ እሞ፡ ካህን ዮያዳ ድማ ነቶም ነቲ ሰራዊት ዚመርሑ ሓላቑ ሚእቲካብ ቤት ብማእከል መስርዕ ኣውጽእዋንዚስዕባ ኸኣ ብሴፍ ቅተልዎኢሉ ኣዘዞም

16. ሽዑ ሐዝዋበታ ኣፍራስ ናብ ቤተ ንጉስ ዚአትዉላ መገዲ ድማ ከደትኣብኡ ኸኣ ቀተልዋ

17. ዮያዳ ድማ ህዝቢ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎ ንጉስን ህዝብን ኪዳን ኣቘመ፡ ኣብ መንጎ እቲ ንጉስን ኣብ መንጎ እቲ ህዝብን ከኣ ከምኡ ገበረ

18. ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ናብ ቤት በዓል አትዮም ኣፍረስዋመሰውኢታቱን ምስልታቱን ኣዝዮም ሰባበርዎ፡ ንማታን ካህን በዓል ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢታት ሐረድዎ። እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሐለውቲ ገበረ

19. ነቶም ሕላቑ ሚእትን ነቶም ካራውያንን ንዘብዔኛታትን ንብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርን ድማ ወሰደ፡ ነቲ ንጉስ ከኣ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣውረድዎብመገዲ ደገ ዘብዔኛታት ኣቢሎም ድማ ናብ ቤተ ንጉስ መጹ። ኣብ ዝፋን ነገስታት ከኣ ተቐመጠ

20. ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ተሐጐሱእታ ኸተማውን ሀድኤትንዓታልያ ግና ኣብ ቤተ ንጉስ ብሴፍ ቀተልዎ

21. ዮኣስ ኪነግስ ከሎ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ነበረ።