1. ኤልሳእ ድማ ነታ ወዳ ዘተንስኣላ ሰበይቲእግዚኣብሄር ናብዛ ሃገር፡ ድሮ እኳ ጀሚሩ ዘሎ፡ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ኪመጽእ ጸዊዑ እዩ እሞ፡ ንስኽን ቤትክን ናብ እትስደድዎ ተሰደዱኢሉ ትዛረባ

2. እታ ሰበይቲ ኸኣ ተንሲኣ ኸም ዘረባ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ገበረት፡ ንሳን ቤታን ድማ ከይዶም ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ብስደት ሾብዓተ ዓመት ተቐመጡ።

3. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሾብዓተ ዓመት እታ ሰበይቲ ኻብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመልሰት፡ ብናይ ቤታን ብናይ ግራታን ክትጠርዕ ድማ ናብ ንጉስ ከደት

4. እቲ ንጉስ ከኣ ንገሓዚጊልያ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ በጃኻ፡ እቲ ኤልሳእ ዝገበሮ ዂሉ ዓብዪ ነገር ንገረኒኢሉ ይዛረቦ ነበረ።

5. ኰነ ድማ፡ ምዉት ከም ዘተንስኤ፡ ንሱ ንንጉስ ኪነግሮ ኸሎ፡ እንሃ ኸኣ፡ እታ ወዳ ዘተንስኣላ ሰበይቲ ብናይ ቤታን ብናይ ግራታን ኣብ ንጉስ ጠርዔት። ሽዑ ገሓዚጐይታይ ንጉስ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ እያ፡ እቲ ኤልሳእ ዘተንስኦ ወዳውን እዚ እዩበለ

6. እቲ ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ ሓተታ፡ ንሳ ኸኣ ነገረቶእቲ ንጉስ ድማ ሓደ ስሉብ ሀባ እሞ፡ ዝነበራ ዘበለ ኲሉን ነታ ምድሪ ኻብ እትሐድጋ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕጂ እቶት እቲ ግራትን ኣምልሰላበሎ

7. ኤልሳእ ድማ ናብ ደማስቆ መጸቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ሐሚሙ ነበረ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብዚ መጺኡ አሎ፡ ኢሎም ነገርዎ

8. ሽዑ እቲ ንጉስ ንሓዛኤል በሎገጽ በረኸት ኣብ ኢድ ሒዝካ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክትቃባበሎ ኺድ እሞ፡ ካብዚ ሕማም እዚ ደኾን ክሐዊ እዩ፧ ኢልካ ብእኡ ጌርካ ንእግዚኣብሄር ሕተቶ በሎ

9. ሓዛኤል ድማ ኪቃባበሎ ኸደ፡ ኣብ ኢዱ ኸኣ ገጽ በረኸት ናይ ደማስቆ በብሉጹ ዘበለ ኣርብዓ ጽዕነት ገመል ዚአክል ሒዙ መጸ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ፡ ወድኻ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ፡ ካብዚ ሕማም እዚዶ ኽሐዊ እየ፧ ኢሉ ናባኻ ልኢኹኒበለ

10. ኤልሳእ ከኣ በሎኪድ እሞ፡ ምሕዋይሲ ኽትሐዊ ኢኻ፡ በሎ። ግናኸ ብርግጽ ከም ዚመውትእግዚኣብሄር ኣርእዩኒ እዩ።

11. እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ክሳዕ ዚሐንኽ ተኲሩ ጠመቶበኸየ ኸኣ።

12. ሓዛኤል ከኣ፡ ጐይታይ ስለምንታይ እዩ ዚበኪ ዘሎ፧ በለ። ንሱ ድማ፡ እቲ ንደቂ እስራኤል እትገብሮ ኽፉእ ስለ ዝፈለጥኩዕርድታቶም ብሓዊ ኽትትኲስነጒባዞም ከኣ ብሴፍ ክትቀትልንሕጻናቶም ድማ ክትጭፍልቕንጥኑሳቶምውን ኣኽብደን ክትቀድድ ኢኻ፡ በሎ

13. ሓዛኤል ከኣ፡ እዚ ዓብዪ ነገር እዚ ዝገብርሲ፡ ኣነ ባርያኻ፡ ሓደ ኸልቢ፡ እንታይ እየ፧ በለኤልሳእ ድማ፡ ንስኻ ንጉስ ሶርያ ኸም እትኸውን፡ እግዚኣብሄር ኣርእዩኒ እዩ፡ በለ

14. ካብ ኤልሳእ ከኣ ከደ፡ ናብ ጐይታኡ ድማ መጸ። ንሱ ኸኣ፡ ኤልሳእ እንታይ ኢሉካበሎ። ንሱ ድማ፡ ብርግጽ ክትሐዊ ኢኻ፡ በለኒ

15. ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ማቕ ወሲዱኣብ ማይ ኣሊኹኣብ ገጹ ገበረሉሞተ ኸኣ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ሓዛኤል ነገሰ

16. ንዮራምንጉስ እስራኤል ወዲ ኣከአብኣብ ሓምሰይቲ ዓመቱ ድማ፡ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ነጊሱ ኸሎ፡ ዮራምወዲ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳነገሰ

17. ንሱ ኺነግስ ከሎወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሾሞንተ ዓመት ገዝኤ

18. ግናኸ ጓል ኣከአብ ሰበይቱ ነበረት እሞ፡ ከምቲ ቤት ኣከአብ ዝገበረቶብመገዲ ነገስታት እስራኤል ደዱኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ዘበለ ገበረ

19. እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋር መብራህቲ ኺህቦም ዘተስፈዎ፡ ስለ ዳዊት ባርያኡ ኢሉ፡ ንይሁዳ ኼጥፍኦ ኣይፈተወን።

20. ብዘመኑ ኤዶም ካብ ትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዐለወ፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንገሱ

21. ሽዑ ዮራምኲሉ ሰረገላታቱ ኸኣ ምስኡ፡ ናብ ጻኢር ሐለፈብለይቲ ተንሲኡ ድማ፡ ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያንን ነቶም ሓላቑ ሰረገላታትን ሰዐሮም፡ እቲ ህዝቢ ኸኣ ነናብ ድንኳኑ ሀደመ

22. ኤዶም ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኻብ ትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዐለወሊብናውን በቲ ጊዜ እቲ ዐለወት

23. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮራም ነገርን እቲ ዂሉ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

24. ዮራም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሓዝያ ነገሰ

25. ንዮራም ንጉስ እስራኤልወዲ ኣከአብ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ ኣሓዝያ ወዲ ዮራምንጉስ ይሁዳነገሰ

26. ኣሓዝያ ኺነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓንቲ ዓመት ገዝኤስም ኣዲኡ ድማ ዓታልያ እዩ፡ ንሳ ጓል ዖምሪ ንጉስ እስራኤል እያ።

27. ንሱ ምስ ቤት ኣከአብ ሕምነት ገበሮ እሞ፡ ብመገዲ ቤት ኣከአብ ከደ። ከም ቤት ኣከአብ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ

28. ምስ ዮራም ወዲ ኣከአብ ኰይኑ ድማ ንሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ኪዋግኦ ኸደ። እቶም ሶርያውያን ግና ንዮራም ወግእዎ

29. ንጉስ ዮራም ከኣ እቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ፡ ሶርያውያን ኣብ ራማ ዝወግእዎ ቚስሊ ኣብ ይዝርኤል ኪፍወስ ተመልሰኣሓዝያንጉስ ይሁዳ ወዲ ዮራም፡ ድማ ንዮራም ወዲ ኣከኣብ፡ ንሱ ሐሚሙ ነበረ እሞ፡ ኪርእዮ ናብ ይዝርኤል ወረደ