1. ኣከአብ ከኣ ኣብ ሰማርያ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ። የሁ ድማ ናብ ሰማርያ፡ ናብ ሓላቑ ይዝርኤል፡ ናብቶም ዓበይትን ናብቶም መዕበይቲ ደቂ ኣከአብን ከምዚ ዚብል ደብዳበ ጽሒፉ ሰደደ

2. ሕጂ ኸኣ እዛ ደብዳበ እዚኣ ምስ በጽሓትኩምደቂ ጐይታኹም ምሳኻትኩም ከለዉ ሰረገላታትን ኣፍራስን እተዐርደ ኸተማን ኣጽዋርን ድማ ምሳኻትኩም ከሎስ፡

3. ካብቶም ደቂ ጐይታኹም እቲ ዝጸበቐን ዝሔሸን ርኢኹም ኣብ ዝፋን ኣቦኡ ኣቐምጥዎ እሞ ስለ ቤት ጐይታኹም ተዋግኡ

4. ንሳቶም ግና እምብዛ ተሸበሩ እሞ፡ እንሆ፡ ክልተ ነገስታት እኳ ኣብ ቅድሚኡ ዘይቈሙስ፡ ንሕና ግዳ ኸመይ ጌርና ንቐውምበሎ

5. እቲ ኣዛዝ ቤትን እቲ ኣዛዝ እታ ኸተማን እቶም ዓበይትን እቶም መዕበይቲ ደቅን ናብ የሁንሕና ገላዉኻ ኢና፡ ዝበልካና ዘበለ ዂሉ ንገብርባህ ዜብለካ ደኣ ግበር እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይነንግስን ኢና፡ ኢሎም ለአኹ።

6. ሽዑ ኻልእ ሳዕንስኻትኩም ምሳይ እንተ ዄንኩምቃለይ ድማ እንተ ሰሚዕኩምሲ፡ ኣርእስ እቶም ሰባት ደቂ ጐይታኹም ውሰዱ እሞ፡ ጽባሕ ከምዛ ጊዜ እዚኣ ናብ ይዝርኤል ናባይ ምጹኢሉ ደብዳበ ጸሐፈሎም። እቶም ደቂ ንጉስ ድማ ሰብዓ ሰብ ምስቶም ዜዕብይዎም ዓበይቲ እታ ኸተማ እዮም ዝነበሩ።

7. ኰነ ኸኣ፡ እታ ደብዳበ ምስ በጽሓቶም፡ ነቶም ደቂ ንጉስሰብዓ ሰብሒዞም ሐረድዎም። ነቲ ኣራእሶም ድማ ኣብ ከፈራት ገይሮም ናብ ይዝርኤል ናብኡ ሰደድዎ

8. ልኡኽ መጺኡ ኸኣ፡ ኣራእስ እቶም ደቂ ንጉስ ኣምጺኦምዎኢሉ ነገሮ። ንሱ ድማ፡ ክሳዕ ጽባሕ ኣብቲ ኣፍ ደገ ኣብ ክልተ ዂምራ ግበርዎበለ

9. ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ወጸደው ኢሉ ድማ ነቲ ዂሉ ህዝቢ። ንስኻትኩምሲ ጻድቃን ኢኹም። እንሆንጐይታይ እተማሓሐልኩሉን ዝቐተልክዎን ኣነ እየ። ነዚኣቶም ኲሎምከ መን ቀተሎምም

10. እምብኣርሲ ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ቤት ኣከኣብ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር ገለ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይወድቕ ፍለጡ፡ እቲ እግዚኣብሄር ነቲ ብባርያኡ ኤልያስ እተዛረቦ ገበሮ፡ በለ።

11. የሁ ኸኣ ኣብ ይዝርኤል ካብ ቤት ኣከአብ ተሪፎም ንዝነበሩ ዂሎምን ንብዘለዉ ዓበይቱን ኣመንቱን ካህናቱን ድማ፡ ሓደ እኳ ኸየትረፈ ቐተሎም

12. ድሕርዚ ኸኣ ተንሲኡ ኸደ፡ ናብ ሰማርያ ድማ መጸ፡ ኣብታ ኣብ መገዲ ዘላ ቤት መአከቢ ጓሶት ምስ በጽሔ

13. የሁ ነሕዋት ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ረኸቦም እሞ፡ ንስኻትኩም እንመን ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ኣሕዋት ኣሓዝያ ኢና፡ ንደቂ ንጉስን ደቂ ንግስትን ሰላም ክንብል ድማ ንወርድ አሎና፡ በሉ

14. ንሱ ኸኣ፡ ብህይወቶም ሐዝዎምበለ። ነቶም ኣርብዓን ክልተን ሰብ ከኣ ብህይወቶም ሒዝም ኣብቲ ኣብ ጥቓ ቤት መአከቢ ጓሶት ዘሎ ዔላ ሐረድዎም፡ ካባታቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣየትረፈን

15. ካብኡ ምስ ከደ ኸኣዮናዳብ ወዲ ሬካብ ኪቃባበሎ ኸሎ ረኸቦሰላም ኢልዎ ድማ፡ ከምቲ ልበይ ምስ ልብኻ ዘሎ፡ ልብኻኸ ቕኑዕ ድዩ፧ በሎዮናዳብ ከኣ፡ ከምኡ እዩበለ። ከምኡ እንተ ደኣ ዀይኑስ፡ ኢድካ ሀበኒ፡ በሎ። ኢዱ ድማ ሀቦናብ ሰረገላ ኸኣ ናብኡ ኣደየቦ

16. ንዓ ምሳይ እሞ ቅንኣተይ ንእግዚኣብሄር ርኤ፡ ድማ በለኣብቲ ሰረገላኡ ኸኣ ኣወጥሕዎ

17. ናብ ሰማርያ ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ንኤልያስ እተዛረቦካብ ኣከአብ ኣብ ሰማርያ ንዝተረፉ ዂሎም ክሳዕ ዜጽንቶም ቀተሎም

18. የሁ ድማ ንብዘለዉ ህዝቢ ኣኪቡኣከኣብሲ ንበዓል ቅሩብ እዩ ዘገልግሎየሁ ግና ኣብዚሑ ኼገልግሎ እዩ።

19. ሕጂ ኸኣንበዓል ብዙሕ ዝስውኦ አሎኒ እሞ፡ ንዂሎም ነብያት በዓልኲሎም ኣገልገልቱን ኲሎም ካህናቱን ጸውዑለይ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጒደልዝጐደለ ዘበለ ብህይወት ኣይነብርን እዩ፡ በሎም። የሁ ግና ነቶም ኣገልገልቲ በዓል ምእንቲ ኼጽንቶም ኢሉ እዚ ብተንኰል ገበሮ

20. የሁ ኸኣ፡ ንበዓል ዓብዪ በዓል ቀድሱበለንሳቶም ድማ ኣወጁ

21. የሁ ድማ ናብ ብዘሎ እስራኤል ለአኸኣገልገልቲ በዓል ከኣ ኲሎም መጹከይመጸ ዝተረፈ ሰብ የልቦን። ናብ ቤት በኦኣል ድማ ኣተዉቤት በኦኣል ከኣ ኣፍ ንኣፍ መልኤት

22. ነቲ ሓላዉ ክዳውንቲ ድማ፡ ንዂሎም ኣገልገልቲ በዓል ክዳውንቲ ኣምጽኣሎምበሎ። ንሱ ኸኣ ክዳውንቲ ኣምጸአሎም

23. ሽዑ የሁ ምስ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ናብ ቤት በዓል አተወ እሞ ነቶም ኣገልገልቲ በዓል ብጀካ እቶም ኣገልገልቲ በዓል ጥራይሲ፡ ካብቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከይህሉ ኣስተብሂልኩም ርአዩበሎም

24. መስዋእቲ ሕሩድን ዚሐርር መስዋእትን ኪስውኡ ኸኣ ኣተዉየሁ ግና ሰማንያ ሰብ ብወጻኢ ኣቐመጡካብዞም ኣነ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ሂበኩም ዘሎኹ ሰባት ሓደ ሰብ እንተ ኣምለጠ፡ ኣብ ክንዲ እታ ነፍሲ እቲአ ነፍሱ ኽትሐልፍ እያ፡ በለ

25. ኰነ ድማ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ሰዊኡ ምስ ፈጸመ፡ የሁ ነቶም ዘብዔኛታትን ሓላቑንእተዉቅተልዎምሓደ ሰብ እኳ ኣይውጻእበሎምብስሕለት ሴፍ ከኣ ቀተልዎም፡ እቶም ዘብዔኛታትን ሓላቑን ድማ ደርብዮምዎም ናብ ከተማ ቤት በዓል ከዱ

26. ነቲ ኣብ ቤት በዓል ዝነበረ ምስልታት ከኣ ኣውጺኦም ኣንደድዎ

27. ነቲ ምስሊ በዓል ድማ ሰባበርዎ፡ ነታ ቤት በዓልውን ኣፍሪሶም ክሳዕ ሎሚ ዓይነ ምድሪ ገይሮምዋ አለዉ።

28. የሁ ኸምዚ ገይሩ ንበዓል ካብ እስራኤል ኣጥፍኦ

29. የሁ ግና ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉ፡ ማለት ደድሕሪ እቶም ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ዳንን ዝነበሩ ምራኹት ወርቂ ኻብ ምስዓብ ኣየግለሰን

30. እግዚኣብሄር ድማ ንየሁኣብ ቅድመይ እቲ ቕኑዕ ዘበለ ኣጸቢቕካ ስለ ዝገበርካንቤት ኣከአብውን ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ዂሉ ስለ ዝገበርካያደቅኻ ኽሳዕ ራቦኣይ ወለዶ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኪቕመጡ እዮም፡ በሎ

31. ግናኸ የሁ ብምሉእ ልቡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንምኻድ ኣይተጠንቀቐን፡ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉኣየግለሰን

32. በቲ ጊዜ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ኪቚርምማ ጀመረሓዛኤል ድማ ንእስራኤል ኣብ ኲሉ ዶባቶም ወቕዖም

33. ካብ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ጸሓይ ንብዘላ ምድሪ ጊልዓድንደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ደቂ ምናሴን ኣብ ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ጀሚሩ ንጊልዓድን ባሳንን ከኣ ሰዐሮም።

34. እቲ ዝተረፈ ናይ የሁ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን ኲሉ መንፍዓቱን ድማ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

35. የሁ ኸኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ሰማርያ ድማ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮኣሓዝ ነገሰ

36. እቲ የሁ ኣብ ሰማርያ ዀይኑ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን ድማ ዕስራን ሾሞንተን ዓመት እዩ።