1. በቲ ጊዜ እቲ ህዝቅያስ ንሞት ሐመመነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ድማ ናብኡ መጺኡ በሎእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎንስኻ ትመውት እምበርኣይትሐውን ኢኻ እሞ፡ ቤትካ ኣስተናብር

2-3. ሽዑ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱዎ እግዚኣብሄርእልምነካ አሎኹ፡ ኣብ ቅድሜኻ ብሓቅን ብፍጹም ልብን ከም እተመላለስኩን፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዝገበርኩን ዘክርኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየህዝቅያስ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸየ

4. ኰነ ኸኣ፡ ኢሳይያስ ገና ናብ ማእከል እታ ኸተማ ኸይወጸ ኸሎ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ

5. ተመለስ እሞ ንህዝቅያስ፡ ነቲ መስፍን ህዝበይበሎእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል አሎጸሎትካ ሰሚዔንብዓትካ ርእየእኔኹ፡ ከሕውየካ እየ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትድይብ ኢኻ

6. ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻውን ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ወሲኸልካ አሎኹ፡ ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከኣ ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላ እየ።

7. ኢሳይያስ ድማ፡ ጐጎ በለስ ኣምጽኡለይበለኣምጺኦም ከኣ ኣብቲ ቚስሊ ገበረሉ እሞ፡ ሐወየ

8. ህዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስእግዚኣብሄር ከም ዘሕወየንን፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብከምልክቱ እንታይ እዩበሎ

9. ኢሳይያስ ድማእግዚኣብሄርስ ነቲ እተዛረቦ ዘረባ ኸም ዚፍጽሞ፡ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመጸ ምልክት እዚ እዩ፧ እዚ ጽላሎት ዓሰርተ ስጒሚ ንቕድሚትዶ ይኺድ ወይስ ዓሰርተ ስጒሚ ይመለስበለ

10. ህዝቅያስ ከኣ፡ ጽላሎት ዓሰርተ ስጒሚ ንቕድሚት ምኻድሲ ቐሊል እዩ፡ ኣይፋል፡ እቲ ጽላሎት ንድሕሪት ደኣ ዓሰርተ ስጒሚ ይመለስበለ

11. ነብዪ ኢሳይያስ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ ነቲ ጽላሎት ከኣ ኣብ ሰዓት ኣሃዝ፡ በቲ ዝወረደሉ ኣቢሉ ዓሰርተ ስጒሚ ንድሕሪት መለሶ

12. በቲ ጊዜ እቲ በሮዳክ-ባላዳን ወዲ ባላዳንንጉስ ባቢሎንህዝቅያስ ከም ዝሐመመ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ንህዝቅያስ ደብዳበን ገጽ በረኸትን ሰደደሉ

13. ህዝቅያስ ከኣ ሰምዖምብዘላ ቤት ናይቲ ኽቡር ኣቓሑኡ ብሩርን ወርቅን ጥዑም ጨናታትን ጽቡቕ ዘይትን ኲሉ ቤት ኣቓሑኡን ኣብ መዛግብቱ እተረኽበ ዂሉን ድማ ኣርአዮምኣብ ቤቱ ዀነ ኣብ ብዘላ ግዝኣቱ ህዝቅያስ ዘየርአዮም ነገር ኣይነበረን

14. ሽዑ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ መጺኡእዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ኢሎምኻካበይከ መጺኦምኻበሎህዝቅያስ ድማካብ ርሑቕ ሃገርካብ ባቢሎን ዝመጹ እዮምበለ

15. ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ቤትካኸ እንታይ ረአዩበለህዝቅያስ ድማ፡ ኣብ ቤተይ ዘሎ ዂሉ ርእዮምዎ፡ ኣብ መዛግብተይ ዘየርኤኽዎም ነገር የልቦንበለ

16. ኢሳይያስ ድማ ንህዝቅያስ በሎቃል እግዚኣብሄር ስማዕ

17. እዚ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዂሉንኣቦታትካውን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝደለብዎን ናብ ባቢሎን ዚውሰደሉእንሆ፡ መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ፡ ገለ ነገር እኳ ኣይተርፍንይብል እግዚኣብሄር

18. ካብ ደቅኻ ድማ፡ ካብቶም ካባኻ ዝወጹ ካብቶም ዝወለድካዮም ኪወስዱ እዮም፡ ኣብ ኣደራሽ ንጉስ ባቢሎን ከኣ ስሉባት ኪዀኑ እዮም።

19. ህዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ፡ እዚ እተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ጽቡቕ እዩ፡ በሎ። ወሲኹ ኸኣ፡ ከምኡ ደይኰነንብዘመነይሲ ሰላምን ህድኣትን ደኣ እንተ ዚህሉ፡ በለ

20. እቲ ዝተረፈ ናይ ህዝቅያስ ነገርን ኲሉ ጅግንነቱንሓጽብን መስኖን ከም ዝገበረንናብ ከተማ ኸኣ ማይ ከም ዘእተወ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

21. ህዝቅያስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ምናሴ ነገሰ