1. ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰደደንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ድማ ናብኡ ኣከብዎም

2. እቲ ንጉስን ምስኡ ኸኣ ኲሎም ሰብ ይሁዳን ኲሎም ኣብ የሩሳሌምን ዚነብሩን ካህናትን ነብያትን ብዘሎ ህዝቢ ድማ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡንዅሉ ቓላት እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ መጽሓፍ ኪዳን ኣንቢቡ ኣስምዖም

3. እቲ ንጉስ ድማ ኣብቲ ዓንዲ ደው ኢሉ፡ ብዂሉ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኪኸዱን ትእዛዛቱን ምስክራቱን ሕጋጋቱን ኪሕልዉን፡ ነቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ቓላት እዚ ኺዳን እዚ ኸኣ ኬቚሙ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣቘመብዘሎ እቲ ህዝቢውን ኣብቲ ኺዳን ቈመ

4. እቲ ንጉስ ድማ ንሊቀ ኻህናት ሒልቂያን ነቶም ብትሕቲኡ ዘለዉ ኻህናትን ነቶም ሓለውቲ ደገን ነቲ ንበዓልን ንኣስታርተን ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይን ኪኸውን እተሰርሔ ዂሉ ኣቓሑ ኻብ መቕደስ እግዚኣብሄር ኬውጽእዎ አዘዞም፡ ኣብ ወጻኢ የሩሳሌም ኣብ ግርሁ ቄድሮን ከኣ ኣንደዶ፡ ነቲ ሓሙዂስቱውን ናብ ቤት-ኤል ወሰዶ

5. ነቶም ነገስታት ይሁዳ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ዙርያ የሩሳሌምን ኣብ ዘሎ በረኽቲ ኺዐጥኑ ዘሕደርዎም ካህናት ጣኦታትን ነቶም ንበዓልን ንጸሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይን ዚዐጥኑ ዝነበሩን ድማ ሰዐሮም

6. ንኣስታርተ ኸኣ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ወጻኢ የሩሳሌም ናብ ርባ ቄድሮን ኣውጺኡ ኣብራባ ቄድሮን አንደዳኣድኪሙ ኸኣ ደበቒቦቛ ገበራ፡ ነቲ ደበቚቦቛ ድማ ኣብቲ መቓብር ደቂ እቲ ህዝቢ ጐሐፎ

7. ነተን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበራ ኣባይቲ ኣመናዝርኣንስቲ ኣብኤን ኰይነን ንኣስታርተ ዚኸውን መጋረጃ ዚአልማ ዝነበራ ኸኣ ኣፍረሰ

8. ንዂሎም ካህናት ድማ ካብ ከተማታት ይሁዳ ኣውጽኦም፡ ነቲ እቶም ካህናት ዚዐጥኑሉ ዝነበሩ በረኽቲ ኸኣ ካብ ጌባዕ ጀሚሩ ኽሳዕ ብኤር-ሸባዕ ኣርከሶ፡ ነቲ ኣብ ደጌታት፡ ኣብ ኣፍ ደገ እያሱ መስፍን እታ ኸተማ ዝነበረነቲ ብጸጋም ደገ እታ ኸተማ ዝነበረ በረኽቲ ኣፍረሶ

9. እቶም ናይ በረኽቲ ኻህናት ግና፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋቶም ኰይኖም ደኣ ቕጫ ይበልዑ ነበሩ እምበር፡ ናብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣብ የሩሳሌም ኣይድይቡን ነበሩ።

10. ሰብ ወዱ ወይ ጓሉ ንሞሌኽ ኢሉ ብሓዊ ኸየሕልፍሲ፡ ነቲ ኣብ ለሰ ደቂ ህኖም ዝነበረ ቶፌት ኣርከሶ

11. እቶም ነገስታት ይሁዳ ንጸሓይ ዝወፈይዎም፡ ኣብቲ መእተዊ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ቀጽሪ መቕደስ ኣብታ ነታን-ሜላክ፡ እቲ ስሉብ ዚነብረላ ዝነበሩ ኣፍራስ ኣግለሶም። ነቲ ሰረገላታት ጸሓይውን ብሓዊ ኣንደዶ

12. ነቲ ኣብ ናሕሲ ኣደራሽ ኣሃዝ ዝነበረ፡ እቶም ነገስታት ይሁዳ ዝገበርዎመሰውኢታትን፡ ነቲ ምናሴ ኣብ ክልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ዝገበሮ መሰውኢታትን ከኣ እቲ ንጉስ ኣፍረሶ። ካብኡ ቐልጢፉ ኸይዱ ድማ ነቲ ደበቚቦቛኡ ኣብ ርባ ቄድሮን ጐሐፎ

13. ነቲ ኣብ ቅድሚ የሩሳሌም ኣብ የማን ከረን ጥፍኣት ዝነበረ በረኽቲ ኸኣ፡ እቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ንኣስታርተ ጽያፍ ሲዶናውያንን ንከሞሽ ጽያፍ ሞኣብን ንሚልኮም ጽያፍ ደቂ ዓሞንን ዝሰርሓሎም፡ እቲ ንጉስ ኣርከሶ

14. ነቲ ሓወልትታት ድማ ሰባበሮንኣስታርቴታትውን ቈረጾ፡ ነቲ ቦታታቶም ከኣ ኣዕጽምቲ ሰብ መልአ

15. ድማ ነቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝነበረ መሰውእን ነቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥንእስራኤል ዘሕጥኤዝሰርሖ በሪኽን፡ ነቲ መሰውኢ እትን ነቲ በሪኽን ኣፍረሶ፡ ነቲ በሪኽ ከኣ አንደዶኣድኪሙ ድማ ደበቚቦቛ ገበሮ፡ ንኣስታርተውን ኣንደዶ

16. ዮስያስ ግልጽ ምስ በለ ኸኣ፡ ነቲ ኣብኡ ኣብ ከረን ዝነበረ መቓብራት ረአየ። ሽዑ ልኢኹ ነቲ ኣዕጽምቲ ኻብ መቓብራት ወሲዱ፡ ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዚ ነገር እዚ ኺነግር ከሎ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር ኣብቲ መሰውኢ ኣንደዶኣርከሶ ኸኣ።

17. ንሱ ድማ፡ እዚ ዝርእዮ ዘሎኹ ሓወልቲኸ እንታይ እዩበለእቶም ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ እሞ ብዛዕባ እዚ ዝገበርካዮ ነገር እዚ ንመሰውኢ ቤት-ኤል እተዛረቦ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እዚ መቓብሩ እዩ፡ በልዎ

18. ንሱ ኸኣሕደግዎገለ እኳ ነዕጽምቱ ኣየነቓንቆ። ስለዚ እቲ ኣዕጽምቱ ምስ ኣዕጽምቲ እቲ ኻብ ሰማርያ ዝመጸ ነብዪ ተረፈ

19. ነተን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዝነበራ፡ ነገስታት እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኬዀርይዎ ኢሎም ዝሰርሕወን ኲለን ኣባይቲ በረኽቲ ድማ ዮስያስ ኣፍረሰን እሞ ከምቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝገበሮ ዂሉ ግብርታት ገበረን

20. ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዂሎም ናይ በረኽቲ ኻህናት ድማ ኣብቲ መሰውኢታት ሐረዶም፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣዕጽምቲ ሰብ ኣንደደ። ናብ የሩሳሌም ድማ ተመልሰ።

21. እቲ ንጉስ ከኣ ንብዘለዉ ህዝቢ፡ ከምቲ ኣብዚ መጽሓፍ ኪዳን እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፋስጋ ኣብዕሉ ኢሉ ኣዘዞም

22. ካብቲ መሳፍንቲ ንእስራኤል ዝፈርዱሉ ዝነበሩ ዘመን ጀሚሩ ኸኣ፡ ብዘሎ ዘመን ነገስታት እስራኤልን ነገስታት ይሁዳን ከምዚ ዝበለ ፋስጋ ኣይተፈሰገን

23. እዚ ፋስጋ እዝስ ንንጉስ ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ደኣ ኣብ የሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ተገብረ

24. ዮስያስ ድማ ቃላት እቲ ኣብቲ ኻህን ሒልቂያ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝረኸቦ መጽሓፍ ተጽሒፉ ዘሎ ሕጊ ምእንቲ ኬቕውም ኢሉ፡ ነቶም መናፍስቲ ዚሐቱን ንጠንቈልትን ንኣማልኽቲ ቤትን ንጣኦታትን ኲሉ እቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ንእተራእየ ጽያፋትን ኣደዶ

25. ከምቲ ዂሉ ነፍሱን ሕጊ ሙሴ ገይሩ ብዂሉ ልቡን ብዂሉ ዂሉ ነፍሱን ብዂሉ ሓይሉን ናብ እግዚኣብሄር እተመልሰ ንጉስ ከኣ ብቕድሚኡ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን፡ ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ኣይተንስኤን

26. ግናኸ ብምኽንያት እቲ ምናሴ ብእኡ ዘዀረዮ ዂሉ መዀረዪእግዚኣብሄር ካብቲ ኣብ ይሁዳ ዝነደደ ንደት ዓብዪ ዂራኡ ኣይተመልሰን

27. እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ንእስራኤል ዘግለስክዎ ንይሁዳውን ካብ ቅድሚ ገጸይ ከግልሶ እየ፡ ነዛ ዝሐሬኽዋ ኸተማ የሩሳሌም ነዛ፡ ስመይ ኣብኣ ኪኸውን እዩ፡ ዝበልክዋ ቤትን ከኣ ክድርብየን እየ፡ በለ

28. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮስያስ ነገርን ኲሉ ዝገበሮ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

29. ብዘመኑ ፈርኦን ኔኮ ንጉስ ግብጺ ናብ ንጉስ ሶርያ ናብ ርባ ኤፍራጥስ ደየበንጉስ ዮስያድ ድማ ኪቃባበሎ ኸደ፡ ንሱ ኸኣ ምስ ረአዮ፡ ኣብ መጊዶ ቐተሎ

30. ገላዉኡ ድማ ብምውቱ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ካብ መጊዶ ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎ፡ ኣብ መቓብሩ ኸኣ ቀበርዎህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ወሲዶም ቀብእዎ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኸኣ ኣንገስዎ።

31. ዮኣሓዝ ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ገዝኤስም ኣዲኡ ድማ ሓሙጣል እዩ፡ ንሳ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ።

32. ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ

33. ፈርኦን ኔኮ ድማ ኣብ የሩሳሌም ከይነግስ ኢሉ ኣብ ሪብላ ምድሪ ሓማት ኣሰሮ። ነታ ሃገር ከኣ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ሓደ ታለንት ወርቅን ፈሰስ ኣውደቐላ

34. ፈርኦን ኔኮ ድማ ንኤልያቂም ወዲ ዮስያስ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ ኣንገሶስሙ ኸኣ ዮያቂም ኢሉ ለወጠሉ። ንዮኣሓዝ ግና ወሰዶ እሞ ናብ ግብጺ መጸ፡ ኣብኣ ድማ ሞተ

35. ዮያቂም ከኣ ንፈርኦን ብሩርን ወርቅን ሀቦ። ግናኸ ከምቲ ትእዛዝ ፈርኦን ገንዘብ ምእንቲ ኺህብሲ ነታ ሃገር ፈሰስ ኣውደቐላ። እቲ ብሩርን ወርቅን ንፈርኦን ኔኮ ምእንቲ ኺህብሲ፡ ንህዝቢ እታ ሃገር ነፍሲ ወከፍ ከም ስልዕቱ ኣኽፈሎ።

36. ዮያቂም ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝኤስም ኣዲኡ ኸኣ ዘቡዳ እዩ፡ ንሳ ጓል ጴዳያ ብዓል ሩማ እያ።

37. ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ