1. እቶም ደቂ ነብያት ድማ ንኤልሳእእንሆ፡ እዛ ኣብ ቅድሜካ ኣብኣ እንነብር ዘሎና ቦታ ጸቢባትና እያ።

2. በጃኻ፡ ክሳዕ ዮርዳኖስ ንኺድነፍሲ ወከፍ ካብኡ ሓሓደ ሰርወ ኣምጺእና ኸኣ፡ ኣብኡ እንነብረላ ስፍራ ንኣና ንስራሕ፡ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ኪዱበለ

3. ሓደ ኻባታቶም ከኣ፡ በጃኻ፡ ንስኻውን ፈቲኻ ምስ ገላዉኻ ኺድ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ ሕራይ፡ ኣነ እኸይድበለ

4. ምሳታቶም ከኣ ኸደ። ኣብ ዮርዳኖስ ምስ መጹ ድማ፡ ሰርወ ቘረጹ

5. ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ኻባታቶም ሰርወ ኪቘርጽ ከሎ፡ እቲ ሓጺን ነጺሉ ናብ ማይ ወደቐ። ሽዑ፡ ኣየ ጐይታይ፡ ንሱ ድማ ናይ ልማኖ እዩ፡ ኢሉ ጨርሔ

6. እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ፡ ኣበይ ወዲቑበለ። እታ ቦታ ድማ ኣርኣዮ። ሽዑ ንሱ ዕጨይቲ ቘሪጹ ናብኣ ደርበዮ፡ እቲ ሓጺን ከኣ ጸብለል በለ።

7. ሽዑ ድማ፡ ውሰዶበሎኢዱ ዘርጊሑ ኸኣ ወሰዶ

8. ንጉስ ሶርያ ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኤምስቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ ኣብ ቦታ እከለን ኣከለን ክሰፍር እየ፡ ኢሉ ተማኸረ

9. እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ንንጉስ እስራኤል፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሶርያውያን ይወድዋ አለዉ እሞ፡ ብእኣ ኸይትሐልፍ ተጠንቀቕኢሉ ለአኸሉ

10. እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብታ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝነገሮን ዝመዐዶን ቦታ ይሰድድ ነበረ፡ ኣብኣ ኸኣ ሓንሳእ ክልተ ሳዕ ጥራይ ዘይኰነ ንርእሱ ተጠንቀቐ

11. ልቢ ንጉስ ሶርያ ድማ በዚ ነገር እዚ ተሸበረ፡ ነቶም ገላውኡ ጸውዑ ኸኣ፡ ካባናስ እቲ ምስ ንጉስ እስራኤል ዝሓሳቡ መን ምዃኑዶ ኣይትነግሩንን ኢኹም፧ በሎም

12. ሓደ ኻባታቶም ገላውኡ ኸኣ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ከምኡ ኣይኰነን፡ ግናኸ ኤልሳእ፡ እቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ነብዪ፡ እቲ ኣብታ እትድቅሰላ ሕልፍኚ እተዛረብካዮ ዘረባ ንጉስ እስራኤል ይነግሮ እዩ፡ በለ

13. ንሱ ድማልኢኸ ኸምጽኦስ፡ ንሱ ኣበይ ከም ዘሎ ኺዱ ርኣዩ፡ በለ። እንሆ፡ ኣብ ዶታን አሎ፡ ኢሎም ከኣ ነገርዎ

14. ሽዑ ኣፍራስን ሰረገላታትን ብዙሕ ሰራዊትን ገይሩ ናብኣ ሰደዶ፡ ብለይቲ መጺኦም ድማ ነታ ኸተማ ኸበብዋ

15. እቲ ጊልያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣንጊሁ ተንሲኡ ምስ ወጸ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሰራዊት ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነታ ኸተማ ኸቢብዋ ነበረ። እቲ ጊልያኡ ድማ፡ ኣየ ጐይታይእንታይ ክንገብር ኢናበሎ

16. ንሱ ኸኣ፡ ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ፡ ኣይትፍራህበለ

17. ኤልሳእ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄርእልምነካ አሎኹ፡ ኪርእስ ኣዒንቱ ኽፈት፡ ኢሉ ጸለየ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣዒንቲ እቲ መንእሰይ ከፈተ እሞ ረአየእንሆ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ኤልሳእ እቲ ኸረን ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን መሊእዎ ነበረ።

18. ናብኡ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ኤልሳእእልምነካ አሎኹ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብዑረት ውቕዓዮኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ። ከምቲ ቓል ኤልሳእ ድማ ብዑረት ወቕዖም

19. ሽዑ ኤልሳእ፡ እታ መገዳስ እዚኣ ኣይኰነትን፡ እታ ኸተማ ኸኣ እዚኣ ኣይኰነትን፡ ናብቲ እትደልይዎ ሰብኣይ ክወስደኩምሲ፡ ደድሕረይ ስዐቡበሎምናብ ሰማርያ ድማ ወሰዶም

20. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ሰማርያ ምስ ኣተዉኤልሳእ፡ ዎ እግዚኣብሄርኪርእዮስ ኣዒንቲ እዚኣቶም ክፈትበለእግዚኣብሄር ድማ ኣዒንቶም ከፈተሎም እሞ ረአዮእንሆ ድማ፡ ኣብ ማእከል ሰማርያ ነበሩ።

21. እቲ ንጉስ እስራኤል ምስ ረአዮም ከኣ፡ ንኤልሳእክቐትሎምዶኣቦየክቐትሎምዶበሎ

22. ንሱ ድማ ኣይትቕተሎም፡ ነቲ ብሴፍካን ብቐስትኻን ዝማረኽካዮምኸ፡ ንስኻ ትቐትሎዶበሊዖምን ሰትዮምን ናብ ጐይታኦም ኪምለሱስ፡ ኣብ ቅድሚኦም ግዳ እንጌራን ማይን ኣቕርበሎምበለ

23. ዓብዪ ምሳሕ ከኣ ገበረሎም፡ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ኣሰናበቶም፡ ናብ ጐይታኦም ከኣ ኸዱድሕርቲ ኸኣ እቶም ሓደጋ ዚወድቁ ጭፍራ ሶርያ ናብ ምድሪ እስራኤል ኣይተመልሱን

24. ድሕርቲ ድማ ዀነቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ብዘሎ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ደየበንሰማርያ ኸኣ ከበባ

25. ኣብ ሰማርያ ድማ ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። እንሆ ድማርእሲ ኣድጊ ብሰማንያ ሲቃል ብሩርስልዖ ሓርኢ ርግቢ ኸኣ ብሓሙሽተ ሲቃል ብሩር ክሳዕ ዚሽየጥ፡ ኣጽበቡላ።

26. ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መካበብያ ኺመላለስ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲጐይታይ ንጉስኣድሕነኒኢላ ጨርሓትሉ

27. ንሱ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ዘይረድኣክስካብ ምንታይ ክረድኣኪ ካብ ዓውዲዶ ወይ ካብ መጽሙቚ ወይኒበለ

28. እቲ ንጉስ ድማ፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ በላ። ንሳ ኸኣ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ወድኺ ሀቢሎሚ ኽንበልዖንወደይ ድማ ጽባሕ ክንበልዖበለትኒ

29. ሽዑ ነቲ ወደይ ኣብሲልና ባላዕናዮንጽብሒቱ ኸኣ፡ ወድኺ ሀቢክንበልዖበልክዋ። ንሳ ግና ነቲ ወዳ ሐብኣቶ፡ በለት።

30. ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ዘረባ እታ ሰበይቲ ምስ ሰምዔክዳውንቱ ቐደደ። ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኺመላለስ ከሎ ኸኣ፡ እንሆ፡ ብውሽጢ ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ማቕ ከም ዘለዎ እቲ ህዝቢ ረአየ

31. ንሱ ድማ፡ ርእሲ ኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ቘይማስኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይወስኸኒበለ

32. ኤልሳእ ግና ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ነበረ፡ እቶም ዓበይቲውን ምስኡ ተቐሚጦም ነበሩ። እቲ ንጉስ ከኣ ቀቅድሚኡ ሓደ ሰብ ለአኸ። እቲ ልኡኽ ገና ናብኡ ኸይመጸ ኸሎ፡ ንሱ ነቶም ዓበይቲ፡ እዚ ወዲ ቐታል ነፍስስ ርእሰይ ኪቘርጽ ከም ዝለአኸዶ ትርእዩ አሎኹም፧ እቲ ልኡኽ ኪመጽእ ከሎ፡ ርኢኹም ነቲ ማዕጾ ሸጒርዎ እሞ ብማዕጾ ድፍእዎ፡ ድሕሪኡኸ ደሃይ እግሪ ጐይታኡዶ ኣይስማዕን፧ በሎም

33. ገና ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎእንሆ ድማ፡ እቲ ልኡኽ ናብኡ ወሪዱእንሆ፡ እዚ እከይ ካብ እግዚኣብሄር መጸ፡ ደጊምከ ንእግዚኣብሄር እንታይ ክጽበዮ እየ፧ በለ