1. ምናሴ ኺነግስ ከሎ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝኤስም ኣዲኡ ድማ ሔፍጺባ እዩ።

2. ንሱ ኸኣ፡ ከም ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎ ህዝብታት ዝበለ ጽያፍኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነበረ

3. ንሱ ድማ ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኸት መሊሱ ሰርሖንበዓል ከኣ መሰውኢታት ኣቘመ፡ ከምቲ ኣከአብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ድማ ኣስታርተ ገበረ፡ ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ ከኣ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን

4. ኣብታ እግዚኣብሄር ብዛዕባኣ፡ ስመይ ኣብ የሩሳሌም ከንብር እየ፡ ዝበለ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እኳ መሰውኢታት ሰርሔ

5. ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ ድማ ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር መሰውኢታት ሰርሓሎም

6. ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎብደበናን ብተመንን ገይሩ ድማ ይጥንቊል ነበረ፡ መናፍስቲ ዚሐቱን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ከኣ ገበረ። ምእንቲ ኬዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፋእ ገበረ

7. ነቲ ዝገበሮ ምስሊ ኣስታርተ ድማ ኣብታ ቤት ኣንበሮ። ብዛዕባ እታ ቤት ግና እግዚኣብሄር ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን በሎም፡ ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐሬኽዋ የሩሳሌምን ስመይ ንዘለአለም ከንብር እየ፡

8. ሓንትስ ከምቲ ዂሉ ዝአዘዝክዎምን ከምቲ ባርያይ ሙሴ ዝአዘዞም ኲሉ ሕግን ከኣ ንምግባሩ እንተ ተጠንቀቑሉ፡ ሽዑ ንእግሪ እስራኤል ከኣ ካብታ ነቦታቶም ዝሀብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣየግዕዝን እየ።

9. ንሳቶም ግና ኣይሰምዑንምናሴ ድማ ካብ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ህዝብታት ዝኸፍኤ ኺገብሩ ኣስሐቶም

10. ሽዑ እግዚኣብሄር ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ

11. ምናሴ ንጉስ ይሁዳ እዚ ጽያፋት እዚ ስለ ዝገበረንካብቲ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዚኸፍእ ስለ ዝገበረንንይሁዳ ድማ ብጣኦታቱ ስለ ዘሕጥኦም

12. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆንዝሰምዖ ዘበለ ኣብ ክልቲኤን እዝኑ ዱድ ክሳዕ ዚብሎ፡ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ይሁዳን ክፉእ ነገር ከምጽእ እየ።

13. እቲ ገመድ ሰማርያን እቲ ሚዛን ቤት ኣከኣብን ድማ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ክዝርግሖ እየ፡ ጻሕሊ ኸም ዚሕጸብ፡ ሐጺብካ ብኣፉ ኸም ኣትደፍኦንየሩሳሌም ድማ ክሐጽባ እየ

14. ነቲ ተረፍ ርስተይ ከኣ ክጥንጥኖ እየ፡ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ድማ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ ኲሎም ጸላእቶም ንምርኮን ንምብዝባዝን ኪዀኑ እዮም።

15. እዚ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ስለ ዝገበሩን፡ ካብታ ኣቦታቶም ካብ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ስለ ዝዀረዩንን እዩ።

16. ምናሴ ድማ ብጀካ እቲ ሓጢኣቱ ብእኡ ንይሁዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር ዘሕጥኤ፡ ወሲኹ ኸኣ ክሳዕ ንየሩሳሌም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዚመልኣኣዝዩ ብዙሕ ንጹህ ደም ኣፍሰሰ

17. እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን ነቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

18. ምናሴ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ እሞ ኣብ ኣታኽልቲ ቤቱ ኣብ ኣታኽልቲ ዑዛ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሞን ነገሰ

19. ኣሞን ኪነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክልተ ዓመት ገዝኤስም ኣዲኡ ድማ መሹለመት እዩ፡ ንሳ ጓል ሓሩጽ ብዓል ዮጣባ እያ።

20. ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ

21. በቲ ዂሉ ኣቦኡ ዝኸዶ መገዲ ድማ ኸደ፡ ነቶም ኣቦኡ ዘገልገሎም ጣኦታት ከኣ ኣገልገሎምን ሰገደሎምን

22. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ሐደጎበመገዲ እግዚኣብሄርውን ኣይከደን

23. ገላዉ ኣሞን ድማ ተማሓሐሉሉ እሞ ነቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ

24. ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞን እተማሓሓሉሉ ዂሎም ቀተሎምእቲ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ኣብ ክንዳኡ ንወዱ ዮስያስ ኣንገሶ

25. እቲ ዝተረፈ ኣሞን ዝገበሮ ነገር ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

26. ኣብ መቓብሩ ኣብ ኣታኽልቲ ዑዛ ድማ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮስያስ ነገሰ