1. ንዮኣስ ወዲ ኣሓዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ዮኣሓዝ ወዲ የሁ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ከኣ ገዝኤ።
2. ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ደድሕሪ እቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉ፡ ሰዐበ፡ ካብኡ ኣየግለሰን።
3. ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ ብዂሉ እቲ ዘመን እቲ ኣብ ኢድ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያን ኣብ ኢድ ቤን-ሃዳድ ወዲ ሓዛኤልን ኣሕሊፉ ሀቦም።
4. ዮኣሓዝ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ጥቕዓት እስራኤል፡ ንጉስ ሶርያ ኸመይ ከም ዘጥቅዖም ርእዩ ነበረ እሞ፡ ሰምዖ።
5. እግዚኣብሄር ድማ ንእስራኤል መድሓኒ ሀቦም እሞ፡ ካብ ትሕቲ ኢድ ሶርያውያን ወጹ። እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ከምቲ ናይ ቀደም ኣብ ድንኳውንቶም ተቐመጡ።
6. ግናኸ ካብቲ ሓጢኣት ቤት የሮብዓም፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ኣየግለሱን፡ ብእኡ ደኣ ኸዱ። እታ ምስሊ ኣስታርተ ድማ ኣብ ሰማርያ ቘይማ ነበረት።
7. እቲ ንጉስ ሶርያ ኸም ብቚብቚ ዓውዲ ገይሩ ኣጥፊእዎም ነበረ እሞ፡ ንዮአሓዝ፡ ብጀካ ሓምሳ ፈረሰኛን ዓሰርተ ሰረገላን ዓሰርተ ሽሕ ኣጋርን፡ ገለ እኳ ኣየትረፈሉን።
8. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮኣሓዝ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን መንፍዓቱን ንሱ ኣብ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
9. ዮኣሓዝ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ሰማርያውን ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮኣስ ነገሰ።
10. ንዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾብዓተን ዓመቱ ዮኣስ ወዲ ዮአሓዝ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ከኣ ገዝኤ።
11. ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉ፡ ብእኡ ኸደ እምበር፡ ከቶ ኣየግለሰን።
12. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮኣስ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን እቲ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ እተዋግአሉ መንፍዓቱን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
13. ዮኣስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። የሮብዓም ከኣ ኣብ ዝፋን ተቐመጠ። ዮኣስ ድማ ምስ ነገስታት እስራኤል ኣብ ሰማርያ ተቐብረ።
14. ኤልሳእ ከኣ እታ ዝሞተላ ሓማም ሐመመ። ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብኡ ወሪዱ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዀይኑ፡ ኣቦየ፡ ኣቦየ፡ ናይ እስራኤል ሰረገላን ፈረሰኛታቱን፡ ኢሊ በኸየ።
15. ኤልሳእ ከኣ፡ ቀስትን ፍላጻታትን ውሰድ፡ በሎ። ንሱ ድማ ቀስትን ፍላጻታት ወሰደ።
16. ነቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ኢድካ ኣብ ልዕሊ ቐስቲ ስቐል፡ በሎ። ኢዱ ድማ ሰቐለ። ኤልሳእ ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ እቲ ንጉስ ገበረ።
17. ንሱ ኸኣ፡ ነቲ ናይ ምብራቕ መስኰት ክፈቶ፡ በሎ። ከፈቶ ድማ። ኤልሳእ ከኣ፡ ወርውር፡ በሎ። ንሱ ድማ ወርወረ። ኤልሳእ ከኣ፡ ናይ ምድሓን ፍላጻ እግዚኣብሄር፡ ፍላጻ ምድሓን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ኣብ ኣፌቅ ክትስዕሮም ኢኻ፡ በለ።
18. ፍላጻታት ውሰድ፡ ድማ በሎ። ወሰዶ ኸኣ። ንንጉስ እስራኤል ድማ፡ ንምድሪ ውቕዓያ፡ በሎ። ሰለስተ ሳዕ ወቒዑ ኸኣ ደው በለ።
19. ሽዑ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኰረየሉ እሞ፡ ሓሙሽተ ወይ ሹድሽተ ሳዕ ወቒዕካያ ኸም ኰንካ፡ ሽዑ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ምሰዐርካዮም ኔርካ። ሕጂ ግና ንሶርያውያን ሰለስተ ሳዕ ጥራይ ክትስዕሮም ኢኻ፡ በሎ።
20. ኤልሳእ ድማ ሞተ፡ ቀበርዎውን። ብመጀመርታ ዓመት ከኣ ሓደጋ ዚወድቁ ኻብ ሞኣብ ናብታ ሃገር መጹ።
21. ኰነ ድማ፡ ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ኪቐብሩ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ነቶም ወደቕቲ ሓደጋ ርእዮም ነቲ ሰብአይ ናብ መቓብር ኤልሳእ ደርበይዎ። እቲ ሰብአይ ከኣ ኣዕጽምቲ ኤልሳእ ምስ ተንከየ፡ ሐወየ፡ በእጋሩ ድማ ደው በለ።
22. ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኸኣ ብዂሉ ዘመን ዮኣሓዝ ንእስራኤል ኣጥቅዖም።
23. እግዚኣብሄር ግና ይቕረ ኢሉ ደንገጸሎም፡ ስለ እቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዝአተዎ ኺዳኑ ኢሉ ድማ ገጹ መለሰሎም፡ ኬጥፍኦም ከኣ ኣይፈተወን፡ ክሳዕ ሕጂውን ካብ ቅድሚ ገጹ ኣይደርበዮምን።
24. ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ቤን-ሃዳድ ነገሰ።
25. ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ድማ ነተን ሓዛኤል ብውግእ ካብ ኢድ ኣቦኡ ዮኣሓዝ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ካብ ኢድ ቤን-ሃዳድ ወዲ ሓዛኤል መሊሱ ወሰደን። ዮኣስ ሰለስተ ሳዕ ሰዐሮ፡ ነተን ከተማታት እስራኤል ከኣ ኣምለሰን።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...