1. ንዮኣስ ወዲ ኣሓዝያንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ዮኣሓዝ ወዲ የሁ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ከኣ ገዝኤ።

2. ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረደድሕሪ እቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉ፡ ሰዐበ፡ ካብኡ ኣየግለሰን

3. ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ ብዂሉ እቲ ዘመን እቲ ኣብ ኢድ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያን ኣብ ኢድ ቤን-ሃዳድ ወዲ ሓዛኤልን ኣሕሊፉ ሀቦም

4. ዮኣሓዝ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተማህለለእግዚኣብሄር ከኣ እቲ ጥቕዓት እስራኤልንጉስ ሶርያ ኸመይ ከም ዘጥቅዖም ርእዩ ነበረ እሞ፡ ሰምዖ

5. እግዚኣብሄር ድማ ንእስራኤል መድሓኒ ሀቦም እሞ፡ ካብ ትሕቲ ኢድ ሶርያውያን ወጹ። እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ከምቲ ናይ ቀደም ኣብ ድንኳውንቶም ተቐመጡ

6. ግናኸ ካብቲ ሓጢኣት ቤት የሮብዓም፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ኣየግለሱን፡ ብእኡ ደኣ ኸዱ። እታ ምስሊ ኣስታርተ ድማ ኣብ ሰማርያ ቘይማ ነበረት

7. እቲ ንጉስ ሶርያ ኸም ብቚብቚ ዓውዲ ገይሩ ኣጥፊእዎም ነበረ እሞ፡ ንዮአሓዝ፡ ብጀካ ሓምሳ ፈረሰኛን ዓሰርተ ሰረገላን ዓሰርተ ሽሕ ኣጋርንገለ እኳ ኣየትረፈሉን

8. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮኣሓዝ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን መንፍዓቱን ንሱ ኣብ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

9. ዮኣሓዝ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰኣብ ሰማርያውን ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮኣስ ነገሰ

10. ንዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾብዓተን ዓመቱ ዮኣስ ወዲ ዮአሓዝ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ከኣ ገዝኤ።

11. ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥአሉ፡ ብእኡ ኸደ እምበር፡ ከቶ ኣየግለሰን

12. እቲ ዝተረፈ ናይ ዮኣስ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን እቲ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ እተዋግአሉ መንፍዓቱን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን

13. ዮኣስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰየሮብዓም ከኣ ኣብ ዝፋን ተቐመጠዮኣስ ድማ ምስ ነገስታት እስራኤል ኣብ ሰማርያ ተቐብረ

14. ኤልሳእ ከኣ እታ ዝሞተላ ሓማም ሐመመዮኣስ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብኡ ወሪዱኣብ ቅድሚኡ ዀይኑ፡ ኣቦየኣቦየ፡ ናይ እስራኤል ሰረገላን ፈረሰኛታቱንኢሊ በኸየ

15. ኤልሳእ ከኣ፡ ቀስትን ፍላጻታትን ውሰድበሎ። ንሱ ድማ ቀስትን ፍላጻታት ወሰደ

16. ነቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ኢድካ ኣብ ልዕሊ ቐስቲ ስቐልበሎኢዱ ድማ ሰቐለኤልሳእ ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ እቲ ንጉስ ገበረ

17. ንሱ ኸኣ፡ ነቲ ናይ ምብራቕ መስኰት ክፈቶበሎከፈቶ ድማ። ኤልሳእ ከኣ፡ ወርውርበሎ። ንሱ ድማ ወርወረኤልሳእ ከኣ፡ ናይ ምድሓን ፍላጻ እግዚኣብሄርፍላጻ ምድሓን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ኣብ ኣፌቅ ክትስዕሮም ኢኻ፡ በለ

18. ፍላጻታት ውሰድ፡ ድማ በሎወሰዶ ኸኣ። ንንጉስ እስራኤል ድማ፡ ንምድሪ ውቕዓያበሎሰለስተ ሳዕ ወቒዑ ኸኣ ደው በለ።

19. ሽዑ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኰረየሉ እሞ፡ ሓሙሽተ ወይ ሹድሽተ ሳዕ ወቒዕካያ ኸም ኰንካ፡ ሽዑ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ምሰዐርካዮም ኔርካ። ሕጂ ግና ንሶርያውያን ሰለስተ ሳዕ ጥራይ ክትስዕሮም ኢኻ፡ በሎ

20. ኤልሳእ ድማ ሞተቀበርዎውን። ብመጀመርታ ዓመት ከኣ ሓደጋ ዚወድቁ ኻብ ሞኣብ ናብታ ሃገር መጹ

21. ኰነ ድማ፡ ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ኪቐብሩ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ነቶም ወደቕቲ ሓደጋ ርእዮም ነቲ ሰብአይ ናብ መቓብር ኤልሳእ ደርበይዎ። እቲ ሰብአይ ከኣ ኣዕጽምቲ ኤልሳእ ምስ ተንከየሐወየበእጋሩ ድማ ደው በለ።

22. ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኸኣ ብዂሉ ዘመን ዮኣሓዝ ንእስራኤል ኣጥቅዖም

23. እግዚኣብሄር ግና ይቕረ ኢሉ ደንገጸሎምስለ እቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዝአተዎ ኺዳኑ ኢሉ ድማ ገጹ መለሰሎምኬጥፍኦም ከኣ ኣይፈተወንክሳዕ ሕጂውን ካብ ቅድሚ ገጹ ኣይደርበዮምን

24. ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ቤን-ሃዳድ ነገሰ

25. ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ድማ ነተን ሓዛኤል ብውግእ ካብ ኢድ ኣቦኡ ዮኣሓዝ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ካብ ኢድ ቤን-ሃዳድ ወዲ ሓዛኤል መሊሱ ወሰደንዮኣስ ሰለስተ ሳዕ ሰዐሮ፡ ነተን ከተማታት እስራኤል ከኣ ኣምለሰን