1. ነብዪ ኤልሳእ ድማ ንሓደ ኻብቶም ደቂ ነብያት ጸዊዑ በሎሕቜኻ ተዐጠቕ እሞ እዚ ናይ ዘይቲ ቐርኒ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ኪድ

2. ኣብኣ ምስ መጻእካ ኸኣ፡ ንየሁ ወዲ ዮሳፋጥወዲ ነምሺኣብኡ ድለዮኣቲኻ ድማ ካብ ማእከል ኣሕዋቱ ኣተንሲእካ ንእኡ ናብ ውሽጢ ሕልፊኚ ኣእትዎ

3. ሽዑ ነቲ ቐርኒ ዘይቲ ውሰድ፡ ኣብ ልዕሊ  ርእሱ ኣፍሲስካ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ  ይብል አሎ፡ ኣብ  እስራኤል ክትነግስ ቀቢኤካ እየ፡ ድማ በሎ። ሽዑ ማዕጾ ኸፊትካ ህደምኣይትደንጒ

4. እቲ መንእሰይጊልያ እቲ ነብዪ፡ ከኣ ናብ ራሞት-ጊልዓድ ከደ

5. ምስ ኣተወ ድማ፡ እንሆ፡ እቶም ሓላቑ እቲ ሰራዊት ኮፍ ኢሎም ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሓለቓ፡ ምሳኻ ጒዳይ አሎኒ፡ በለየሁ ድማ፡ ካብ ኲልናስ ምስ መን እዩ፧ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሓለቓ፡ ምሳኻ፡ በለ።

6. ተንሲኡ ድማ ናብ  ቤት ኣተወዘይቲ ኣብ ርእሱ ኣፍሲሱ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄርኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢኤካ አሎኹ።

7. ኣነ ኸኣ ደም ባሮተይ ነብያትን ደም ዂሎም ባሮት እግዚኣብሄርን ካብ ኢድ ኢዛቤል ሕነ ኽፈድስንቤት ጐይታኻ ኣከኣብ ከተጽንታ ኢኻ።

8. ብዘላ ቤት ኣከኣብ ክትበርስ እያ፡ ኣብ እስራኤል ድማ እሱር ኰነ ዘይእሱርኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዚሸይን ዘበለ፡ ካብ ኣከአብ ከጸንት እየ።

9. ንቤት ኣከአብ ከኣ ከም ቤት የሮብዓብ ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባዕሳ ወዲ ኣሒያን ክገብራ እየ።

10. ንኢዛቤል ድማ ኣብ ቃድራ ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም፡ ዚቐብራ ከኣ የልቦን፡ በለ። ማዕጾ ኸፊቱ ድማ ሀደመ

11. የሁ ናብቶም ገላዉ ጐይታኡ ምስ ወጸ ኸኣ፡ ደሓን ድዩ፧ እዚ ዕቡድ እዚ እንታይ ደልዩ እዩ መጺኡካ ዝነበረ፧ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ነዚ ሰብኣይ እዝን ነቲ ዘረባኡን ንስኻትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም፡ በሎም።

12. ንሳቶም ግና፡ ሓሶት እዩ፡ ንስኻ ግዳ ንገረናበልዎንሱ ኸኣ በለ፡ ከምዝን ተዛረበኒእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢኤካ አሎኹ፡ በለኒ

13. ሽዑ ተቓላጢፎም ነፍሲ ወከፍ ከክዳኖም ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ መደያይቦ ኣንጸፉመለኸት ነፊሖም ድማ፡ የሁ ነገሰበሉ

14. የሁወዲ ዮሳፋጥ ወዲ ኒምሺ፡ ከኣ ንዮራም ተማሓሐለሉብምኽንያት ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ድማ ዮራምንሱን ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ራሞት-ጊልዓድ ኰይኖም ይሕልዉ ነበሩ።

15. ንጉስ ዮራም ግና እቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኺዋጋእ ከሎ፡ ሶርያውያን ዝወግእዎ ቚስሊ ኣብ ይዝርኤል ኪፍወስ ተመሊሱ ነበረ። የሁ ኸኣ፡ ፍቓድኩም እንተ ዀይኑስከይዱ ኣብ ይዝርኤል ከይነግር ካብዛ ኸተማ ሓደ እኳ ሀዲሙ ኣይውጻእበለ

16. ዮራም ኣብኡ ደቂሱ ነበረ እሞ፡ የሁ ኣብ ሰረገላ ደዪቡ ናብ ይዝርኤል ከደኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ድማ ንዮራም ኪርኢ ወሪዱ ነበረ።

17. እቲ ኣብ ግምቢ ይዝርኤል ደው ኢሉ ዝነበረ ዘብዔኛ ኸኣ ጭፍራ የሁ ኺመጽእ ርእዩ፡ ኣነ ጭፍራ እርኢ አሎኹ፡ በሎዮራም ድማ፡ ሓደ ፈረሰኛ ውሰድ እሞ፡ ደሓንዶ ኢኹምኢሉ ኺቃባበሎ ስደዶበለ

18. ሓደ ኸኣ ፈረስ ተወጢሑ ኺቃባበሎ ኸይዱንጉስደሓንዶ ኢኹምይብል አሎበለየሁ ኸኣ፡ ናይ ደሓን እንታይ ገዲሱካንድሕረይ ግዳ ሕለፍ፡ በለ። እቲ ዘብዔኛ ድማ፡ እቲ ልኡኽ ክሳዕ ናብኦም በጺሑ፡ ግናኸ ኣይተመልሰንኢሉ ነበረ።

19. ሽዑ ኻልኣይ ፈድረሰኛ ሰደደ። ንሱ ድማ ናብኦም መጺኡንጉስደሓንዶ ኢኹምይብል አሎበለየሁ ኸኣ፡ ናይ ደሓን እንታይ ገዲሱካንድሕረይ ግዳ ሕለፍበለ

20. እቲ ዘብዔኛ ድማ፡ ክሳዕ ናብኦም በጽሔ፡ ግናኸ ኣይተመልሰንከም ዕቡድ ይኸይድ አሎ እሞ፡ እቲ ኣኻይዳኡስ ከም ኣኻይዳ የሁ ወዲ ኒምሺ እዩ፡ ኢሉ ነገረ

21. ሽዑ ዮራምጽዐኑበለሰረገላ ድማ ጸዐኑሉዮራም ንግስ እስራኤል ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሰረገላኡ ደየበንየሁ ኺቃባበልዎ ድማ ወጹኣብ ግራት ናቦት ይዝርኤላዊ ኸኣ ረኸብዎ

22. ኰነ ድማ፡ ዮራም ንየሁ ምስ ረአዮየሁደሓን ዲኻበለ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ናይ ኣዴኻ ኢዛቤል ምንዝርናን እቲ ብዙሕ ኣስማታን ክሳዕ ዘሎእንታይ ደሓኑ እዩ፧ በለ

23. ዮራም ድማ ኢዱ መሊሱ ሀደመንኣሓዝያ ኸኣ፡ ኣታ ኣሓዝያጠቢሩና እዩ፡ በሎ

24. የሁ ግና ቀስቱ ብኢዱ ገቲሩ ንዮራም ኣብ መንጎ መናኲቡ ወግኦ፡ እቲ ፍላጻ ድማ ብልቡ ወጸ። ኣብቲ ሰረገላኡ ኸኣ ተቘልዐጸ

25. የሁ ንቢድቃር ሓላቓኡኣልዒልካ ኣብ ክፍሊ ግራት ናቦት ይዝርኤላዊ ደርብዮ፡ እቲ ኣነን ንስኻን ተወጢሕና ደድሕሪ ኣቦኡ ኣከአብ ክንስዕብ ከሎና፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዘንበረሉ ዘክር

26. ነቲ ደም ናቦትን ደም ደቁን ብርግጽ ትማሊ ርእየዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነውን ኣብዛ ግራት እዚኣ ኽፈድየካ እየ፡ ይብል እግዚብሄር። ሕጂ ኸኣ ከምቲ ዘረባ እግዚኣብሄር ወሲድካስ ኣብታ ግራት ደርብዮበሎ

27. ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ድማ እዚ ምስ ረአየብመገዲ ቤት ኣታኽልቲ ኣቢሉ ሀደመየሁ ግና ደድሕሪኡ ስዒቡ፡ ንእኡውን ኣብ ሰረገላ ኸሎ ውግእዎበሎም። ኣብታ ጥቓ ዪብለዓም ዘላ ዓቐበት ጉር ከኣ ወግእዎ። ናብ መጊዶ ሀዲሙ ድማ ኣብኡ ሞተ

28. እቶም ገላዉኡ ኸኣ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ናብ የሩሳሌም ወሰድዎምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣብ መቓብሩ ቐበርዎ

29. ኣሓዝያ ኸኣ ንዮራም ወዲ ኣከአብ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመቱ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ

30. ኢዛቤል ድማ የሁ ናብ ይዝርኤል ከም ዝመጸ ምስ ሰምዔትኣዒንታ ተዂሒላርእሳ ኸኣ ተሰሪሓ ብመስኰት ኰይና ትጥምት ነበረት።

31. የሁ ብደገ ምስ ኣተወ ድማ፡ ኣታ ዚምሪ ቐታል ጐይታኡደሓን ዲኻ፧ በለቶ

32. ንሱ ኸኣ ገጹ ናብ መስኰት ኣንቃዕሪሩምሳይ መን አሎ፧ መን፧ በለ። ሽዑ ኽልተ ሰለስተ ስሉባት ናብኡ ኣቢሎም ግልጽ በሉ።

33. ንሱ ድማ፡ ኣጽድፍዋበለኣጽደፍዋ እሞ፡ ካብቲ ደማ ናብ መንደቕን ናብ ኣፍራስን ተነጽገረጊጽዋ ኸኣ ሐለፈ

34. ምስ ኣተወ ድማ፡ በሊዑን ሰትዩን። በጃኹም፡ ነዛ ርግምቲ እዚኣ ርአይዋ፡ ንሳ ጓል ንጉስ እያ እሞ፡ ቅበርዋበለ

35. ኪቐብርዋ ከኣ ኸዱ፡ ግናኸ ብጀካ ቐረንትቀራን ኣእጋርን ግናዕ ኣእዳዋን ገለ እኳ ኣይረኸቡላን

36-37. ተመሊስም ድማ ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ እቲ ብባርያኡ ኤልያስ ቲስቢታዊንስጋ ኢዛቤል ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፡ ሬሳ ኢዛቤል ድማ፡ እዚኣስ ኢዛቤል እያ፡ ዚብል ክሳዕ ዘይርከብኣብ ልዕሊ ግራት ይዝርኤል ከም ድዂዒ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር እዩ፡ በለ