1. ንሆሴእ ወዲ ኤላንጉስ እስራኤልኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ኸኣ ኰነ፡ ህዝቅያስ ወዲ ኣሃዝንጉስ ይሁዳነገሰ

2. ንሱ ኺነግስ ከሎ ወሲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝኤስም ኣዲኡ ድማ ኣቢ እዩ፡ ንሳ ጓል ዘካርያስ እያ።

3. ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ ዂሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ

4. ንሱ ነቲ በረኽቲ ኣግለሶ፡ ነቲ ሓወልትታት ድማ ሰባበሮንኣስታርተ ኸኣ ቈረጾ፡ ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ተመን ኣስራዚ ድማ፡ ደቂ እስራኤል ክሳዕ እቲ ዘመን እቲ ይዐጥኑሉ ነበሩ እሞ፡ ድርቅምቅም ኣበሉ፡ ንእኡ ኸኣ ነሑሽታን ሰመዮ

5. ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተአመነ፡ ኣብቶም ድሕሪኡ ዝነበሩ ዀነ ኣብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣብ ኲሎም ነገስታት ይሁዳ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን

6. ንሱስ ኣብ እግዚኣብሄር ጠበቐ፡ ካብ ምስዓቡ ኣየግለሰን፡ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ትእዛዛቱውን ሐለወ

7. እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ፡ ኣብ ዝወጾ ዘበለ ቐንዓሉ። ካብ ንጉስ ኣሶር ከኣ ዐለወ እሞ ኣይተገዝአሉን

8. ንሱ ድማ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ግምቢ ዘብዔኛታት ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ዕርድቲ ኸተማክሳዕ ጋዛን ዶባታን ሰዐሮም

9. ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ህዝቅያስ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱንሆሴእ ወዲ ኤላንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ሳብዐይቲ ዓመቱ ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር ናብ ሰማርያ ደዪቡ ኸበባ

10. ኣብ መወዳእታ እታ ሳልሰይቲ ዓመት ከኣ ሓዝዋ፡ ንሕዝቅያስ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ፡ ንሳ ንሆሴእ ንጉስ እስራኤል ብታስዐይቲ ዓመቱ ሰማርያ ተታሕዘት

11. እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ንእስራኤል ናብ ኣሶር ማረኾም፡ ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦርን ኣብ ርባ ጐዛንን ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ኣቐመጦም

12. እዚ ኸኣ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዘይሰምዕዎንኺዳኑ ብምፍራሶም፡ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝአዘዞም ዂሉ ስለ ዘይሰምዕዎን ዘይገበርዎን እዩ።

13. ንንጉስ ህዝቅያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመቱ ድማ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ናብ ኲለን እተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሐዘን

14. ሽዑ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ ኣሶር ናብ ላኪሽ ልኢኹበዲለ እየ እሞ፡ ካባይ ተመለስ፡ እቲ እትጽዕነኒ እጸውርበለንጉስ ኣሶር ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሰለስተ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ሰላሳ ታለንት ወርቅን ጸዐኖ

15. ህዝቅያስ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዝገብ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ገንዘብ ሀቦ

16. በታ ጊዜ እቲኣ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቲ መዓጹ መቕደስ እግዝኣብሄርን ልዳዊትን ለቢጥዎ ዝነበረ ወርቂ ህዝቅያስ ባዕሊ ቐንጢጡ ንንጉስ ኣሶር ሀቦ

17. እቲ ንጉስ ኣሶር ግና ንታርታንን ንራብሳርስን ንራብሳቀን ምስ ብርቱዕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሽ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ናብ የሩሳሌም ሰደዶም። ደዪቦም ድማ ናብ የሩሳሌም መጹደዪቦም ምስ መጹ ኸኣ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ መገዲ ግራት ሓጾቦ ዘሎ መስኖ ላዕላይ ቀላይ ቈሙ

18. ንንጉስ ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያኣዛዝ ቤትን ሸብና ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ ጸሓፍ ዛንታን ናባታቶም ወጹ

19. ራብሳቀ ድማ በሎምንህዝቅያስ ግዳ በልዎ፡ እቲ ዓብዪ ንጉስንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል አሎ፡ እዚ ተአሚንካዮ ዘሎኻ እሙንቶ እዚ እንታይ እዩ፧

20. ንስኻ፡ ንውግእ ምኽርን ሓይልን አሎኒትብል አሎኻ፡ ግናኸ ዘረባ ኸናፍር ጥራይ እዩ። እቲ ዝዐሎኻንስሕጂ ብመን ኣሚንካ ኢኻ

21. እንሆ፡ ሕጂ ብግብጺ በቲ ጭፍሉቕ በትሪ ሻምብቆ ንዝተመርኰሶ ሰብ ናብ ኢዱ ኣንኲሉ ዝአቱ፡ ብእኡ ተአሚንካ ኢኻ። ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ንዚእመንዎ ዂሎም ከምኡ እዩ።

22. ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተአሚንና አሎናእንተ በልኩምኒ ድማ፡ ንሱ እቲ በረኽቱን መሰውኢታቱን ህዝቅያስ ዘግለሰሉንንይሁዳን ንየሩሳሌምን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ኣብ የሩሳሌም ስገዱዝበለ ንሱዶ ኣይኰነን፧

23. ሕጂ ድማ ንጐይታይን ንጉስ ኣሶር ኰታ ተዋራረዶ እሞ፡ ንስኻ ዚውጥሕዎም ከተምጽእ እንተ ኽኢልካስክልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ።

24. ከመይ ጌርካኸ ገጽ ሓደ ሓለቓ ኻብቶም ናእሽቱ ገላዉ ጐይታይ ክትመልስ ትኽእል፧ ስለ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኢልካ ድማስ ብግብጺ ትእመን አሎኻ

25. ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄርዶ ነዛ ቦታ እዚኣ ኸጥፍኣ ኢለ ደዪበእግዚኣብሄር ደኣ፡ ነዛ ሃገር ደዪብካ ኣጥፍኣያኢሉኒ እዩ።

26. ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያን ሸብናን ዮኣህን ንራብሳቀንሕና ንሰምዖ ኢና እሞ፡ ንገላውኻ ብኣራማይስጢ ዀታ ተዛረበና፡ ግናኸ እዚ ኣብ መካበብያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዔ ብዘረባ ኣይሁድ ኣይትዛረበናበልዎ

27. ራብሳቀ ግናጐይታይ እዚ ነገር እዚ ንጐይታኻን ንኣኻን ክነግረኩምዶ እዩ ዝለአኸኒ፧ ናብቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለዉ እሞ፡ ምሳኻትኩም ከይኖም ሓርኦም ኪበልዑን ሽንቶም ኪሰትዩን ዘለዎም ሰባትዶ ኣይኰነንበሎም

28. ሽዑ ራብሳቀ ደው ኢሉ ብዘረባ ኣይሁድ ከኣ ዓው ኢሉ ጨደረ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ተዛረበዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ናይቲ ንጉስ ኣሶር ስምዑ

29. እቲ ንጉስ ከምዚ ይብል አሎ፡ ህይዝቅያስ ካብ ኢደይ ኬድሕነኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፡ ንሱ ኣየዐሹኹም

30. ህዝቅያስ ድማእግዚኣብሄር ብርግጽ ኬድሕነና እዩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትውሀብን እያ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር ኣየእምንኩም

31. ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፡ እቲ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል አሎ እሞ፡ ምሳይ ተዐረቑ፡ ናባይ ውጹነፍሲ ወከፍ ወይኒ ነፍሲ ወከፍ ድማ በለሱ ይብላዕነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ ማይ ዔላኡ ይስተ

32. ምእንቲ ኽትነብሩ እምበር፡ ከይትሞቱስመጺኤ ሃገርኩም ናብ እትመስል ሃገር፡ ናብ ሃገር እኽልን ኰልዒ ወይንን ናብ ሃገር እንጌራን ኣታኽልቲ ወይንን፡ ናብ ሃገር ዘይትን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩምንህዝቅያስእግዚኣብሄር ኬድሕነና እዩ፡ እናበለ ኺጥብረኩም ከሎ፡ ኣይትስምዕዎ

33. ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘድሐነዶ አሎ

34. ኣማልኽቲ ሓማትን ኣርጳድን ኣበይ አለዉ፧ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪምን ናይ ሄናዕን ናይ ዒዋንከ ኣበይ አለዉ፧ ንሰማርያዶ ካብ ኢደይ ኣድሒኖምዋ እዮም፧

35. እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ካብ ኢደይ ኬድሕናስ፡ ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ ሃገራት ንሃገሮም ካብ ኢደይ ዘድሐኑ ኣየኖት እዮም፧

36. እቲ ንጉስኣይትምለሱሉኢሉ ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፡ ገለ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን

37. ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያኣዛዝ ቤትን ሸብና ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍጸሓፍ ዛንታን ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ መጹ እሞ ዘረባ ራብሳቀ ነገርዎ