1. ኰነ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ንሰማይ ኬዕርጎ ምስ ደለየ፡ ኤልያስ ምስ ኤልሳእ ካብ ጊልጋል ከደ

2. ኤልያስ ከኣ ንኤልሳእእግዚኣብሄር ክሳዕ ቤት-ኤል ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕበሎኤልሳእ ግና፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ናብ ቤት-ኤል ድማ ወረዱ

3. እቶም ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩ ደቂ ነብያት ከኣ ናብ ኤልሳእ ወጺኦምእግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻብ ልዕሊ ርእስኻ ኸም ዚወስዶዶ ፈሊጥካ አሎኻ፧ በልዎ። እወ፡ ኣነ ድማ ፈሊጠ አሎኹ፡ ስቕ ደኣ በሉ፡ በለ

4. ኤልያስ ከኣ፡ ኣታ ኤልሳእእግዚኣብሄር ናብ ያሪኮ ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕበሎ። ንሱ ድማ፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ናብ ያሪኮ ኸኣ መጹ

5. ኣቶም ኣብ ያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነብያት ድማ ናብ ኤልሳእ ቀሪቦምእግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻብ ልዕሊ ርእስኻ ኸም ዝወስዶዶ ትፈልጥ አሎኻ፡ በልዎ። እወ፡ ኣነ ድማ ፈሊጠ አሎኹ፡ ስቕ ደኣ በሉ፡ በለ

6. ኤልያስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ናብ ዮርዳኖስ ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕበሎ። ንሱ ግና፡ ከይሐድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለክልቲኦም ከኣ ኸዱ

7. ኣብ ደቂ ነብያት ድማ ሓምሳ ሰብ ከይዶም ኣብ ርሑቕ ኰይኖም ኣብ መንጽሮም ደው በሉ፡ እቶም ክልተ ኸኣ ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉ።

8. ሽዑ ኤልያስ ነታ ባርኖሱ ወሲዱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፡ ናብዝን ናብትን ድማ ተመቕለክልቲኦም ድማ ብንቑጽ ተሳገሩ

9. ኰነ ኸኣ፡ ምስ ተሳገሩኤልያስ ንኤልሳእ፡ ገና ኻባኻ ኸይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምንበሎኤልሳእ ድማ፡ በጃኻ፡ እቲ መንፈስካ ኣብ ልዕለይ ዕጽፊ ይኹን፡ በለ

10. ንሱ ኸኣ፡ ዜሸግር ነገር ለመንካካባኻ ኽውሰድ ከሎኹ እንተ ርኤኻኒ ግና፡ ከምኡ ኪዀነልካ እዩ፡ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ኣይኸውንን እዩ፡ በለ

11. ኰነ ኸኣእናተዛራረቡ ኪኸዱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን፡ ኣብ መንጎኦም መጺኡ ንኽልቲኦም ፈላለዮምኤልያስ ድማ ብሆቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ዓረገ

12. ኤልሳእ ከኣ እዚ ርእዩኣቦይኣቦይሰረገላ እስራኤልን ፈረሰኛታቱን፡ ኢሉ ጨደረመሊሱ ድማ ኣይረኣዮን። ነቲ ኽዳውንቱ ሒዙ ኸኣ ኣብ ክልተ ተርተሮ

13. ነቲ ባርኖስ ኤልያስ፡ ካብኡ ዝወደቐኣልዒሉ ኸኣ፡ ተመሊሱ ኣብ ገምገም ዮርዳኖስ ደው በለ።

14. ነቲ ባርኖስ ኤልያስ፡ ካብኡ ዝወደቐ፡ ድማ ወሰዶ፡ ነቲ ማይ ወቒዑ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤልያስከ፡ ንሱ ኣበይ አሎ፧ በለ። ነቲ ማይ ምስ ወቕዖ ድማ፡ ናብዝን ናብትን ተመቕለኤልሳእ ከኣ ተሳገረ

15. እቶም ኣብ ያሪኮ ኣብ መንጽር ዝነበሩ ደቂ ንብያት ምስ ረአይዎ ድማ፡ መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳእ ሓዲሩ አሎ፡ በሉኪቃባበልዎ መጺኦም ከኣ ኣብ ምድሪ ወዲቖም ኢድ ነስኡሉ

16. ንሳቶም ድማ፡ እንሆ፡ ምስ ገላዉኻ ሓምሳ ሓያላት ሰባት አለዉ እሞ፡ ንጐይታኻ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣልዒሉ ናብ ሓደ ኸረን ወይ ኣብ ሓደ ሽንጭሮ ደርብይዎ ኸይከውንሲ፡ በጃኻከይዶም ይድለይዎ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣትስደዱበለ

17. ክሳዕ ዚሐፍር ግዲ ምስ በልዎ ኸኣ፡ ንሱ። ስደዱበሎምሓምሳ ሰብ ከኣ ሰደዱሰለስተ መዓልቲ ድማ ደለይዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብዎን

18. ንሱ ኣብ ያሪኮ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ናብኡ ተመልሱ። ንሱ ድማ፡ ኣይትኺዱዶ ኣይበልኩኹምንበሎም

19. ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ ኸኣ ንኤልሳእ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ከምዚ ጐይታይ እትርእዮ ዘሎኻ፡ እንሃ ኣቐማምጣኣ ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ማይ ግና ሕማቕ እዩ፡ እዛ ሃገር ድማ መምከኒት እያ፡ በልዎ

20. ንሱ ኸኣ፡ ወዝኖ ዳንሶ ኣምጽኡለይ ጨው ድማ ግበሩሉበለ። ናብኡ ኸኣ ኣምጽኡሉ

21. ናብታ ዓይኒ ማይ ድማ ወጸ፡ ኣብኡ ጨው ደርብዩ ኸኣ በለእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነ ነዛ ማይ እዚኣ ፈዊሰያ እየ፡ ድሕሪ ደጊም ካብኡ ሞትን ምምካንን ኣይኸውንን።

22. እቲ ማይ ከኣ፡ ከምቲ ኤልሳእ እተዛረቦ ዘረባ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጥዑይ ኰይኑ አሎ።

23. ካባኡ ኸኣ ናብ ቤት-ኤል ደየበብመገዲ ኺድይብ ከሎ ድማ፡ ናእሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወጺኦም፡ ኣታ በራሕደይብ፡ ኣታ በራሕደይብኢሎም ኣላገጹሉ

24. ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ድማ ረአዮምብስም እግዚኣብሄር ከኣ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ድቢ ኻብ ዱር ወጹ፡ ካባታቶም ድማ ኣርብዓን ክልተን ቈልዓ ሰባበሩ

25. ካብኡ ኸኣ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ከደ፡ ካብኡውን ናብ ሰማርያ ተመልሰ