1. ወለዶ ኤሳው፡ ንሱ ድማ ኤዶም፡ እዚ እዩ።

2. ኤሳው እተን ኣንስቱ ኻብ ኣዋልድ ከነኣንዓዳጓል ኤሎን ሔታውን ኦሆሊባማ ጓል ዓና ጓል ጺብዖን ሓዋዊን

3. ባስማትጓል እስማኤል ሓብቲ ነባዮትን ወሰደ።

4. ዓዳ ድማ ንኤሳው ኤሊፋዝ ወለደትሉባስማት ከኣ ንራጉኤል ወለደት

5. ኦሆሊባማውን የዑስን ያዕላምን ቆራሕን ወለደት። እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ኸነኣን እተወልዱሉ ደቂ ኤሳው እዮም።

6. ኤሳው ኣንስቱን ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኵሉ ስድራ ቤቱን ማሉን ኵሉ እንስሳኡን ኣብ ምድሪ ኸንኣን ዘጥረዮ ዅሉ ገንዘቡን ወሰደካብ ቅድሚ ያእቆብ ሓዉ ኸኣ ናብ ካልእ ምድሪ ኸደ

7. ብሓደ ኸይቅመጡ እቲ ጥሪቶም በዚሑ ነበረ እሞ፡ ብምኽንያት ማሎም ድማ እታ ምድሪ ስደቶም ክትጾሮም ኣይከኣለትን

8. ኤሳው ከኣ ኣብ ከረን ስዒር ተቐመጠ። ኤሳው ኤዶም እዩ።

9. ወለዶ ኤሳውኣቦ ኤዶማውያን ኣብ ከረን ስዒር እዚ እዩ።

10. ስማት ደቂ ኤሳው እዚ እዩ፡ ኤሊፋዝወዲ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው፡ ራጉኤል፡ ወዲ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው።

11. ደቂ ኤሊፋዝ ከኣ፡ ቴማንኦማርጼፎጋዕታምቄናዝ ነበሩ።

12. ቲምናዕ ድማ ሰበይቲ ወሰኑ ንኤሊፋዝ ወዲ ኤሳው ነበረት እሞ፡ ኔሊፋዝ ኣማሌቅ ወለደትሉ። እዚኣቶም ደቂ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው እዮም።

13. ደቂ ራጉኤል ድማ እዚኣቶም እዮም፥ ናሓትን ዜራሕን ሻማን ሚዛንእዚኣቶም ደቂ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው ነበሩ።

14. ደቂ ኦሆሊባማ ሰበይቲ ኤሳውጓል ዓና ጓል ጺብዖን ድማ እዚኣቶም እዮም፥ ንሳ ንኤሳው የዑሽን ያዕላማን ቆራሕን ወለደትሉ

15. ሹማምቲ ደቂ ኤሳው፡ ደቂ ኤልፋዝ በዅሪ ኤሳው፡ እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ቴማን፡ ሹም ኦማር፡ ሹም ጼፎ፡ ሹም ቄናዝ

16. ሹም ቆራሕ፡ ሹም ጋዕታም፡ ሹም ኣማሌቅእዚኣቶም ሹማምቲ ኤሊፋዝ ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም። እዚኣቶም ደቂ ዓዳ እዮም።

17. ደቂ ራጉኤል ወዲ ኤሳው ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ናሓት፡ ሹም ዜራሕ፡ ሹም ሻማ፡ ሹም ሚዛ። እዚኣቶም ሹማምቲ ራጉኤል ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም። ንሳቶም ደቂ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው እዮም።

18. ደቂ ኦሆሊባማ ሰበይቲ ኤሳው ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ሹም የዑስ፡ ሹም ያዕላም፡ ሹም ቆራሕ። እዚኣቶም ሹማምቲ ኦሆሊባማ፡ ጓል ዓና ሰበይቲ ኤሳው፡ እዮም።

19. እዚኣቶም ደቂ ኤሳውንሱ ኤዶምሹማምቶም ድማ እዚኣቶም እዮም።

20. ደቂ ሰዒር ሖራዊ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ፡ እዚኣቶም እዮም፥ ሎጣንን ሾባልን ጺብዖንን ዓናን

21. ዲሾንን ኤጾርን ዲሻንን፡ እዚኣቶም ሹማምቲ ሖራውያን ደቂ ስዒርኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም።

22. ደቂ ሎጣን ከኣ ሖሪን ሄማምን ነበሩ፡ ሓብቲ ሎጣን ድማ ቲምናዕ

23. ደቂ ሾባል ከኣ እዚኣቶም እዮም፥ ዓልዋንን ማናሓትን ኤባልን ሼፎን ኦናምን

24. ደቂ ጺብዖን ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ኣያን ዓናን። እዚ ዓና እዚ፡ ኣእዱግ ኣቦኡ ጺብዖን ኣብ በረኻ ኺጓሲ ኸሎ፡ ዐይንታት ማይ ውዑይ ዝረኸበ እዩ።

25. ደቂ ዓና ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ዲሾንን ኦሆሊባማ ጓል ዓናን

26. ደቂ ዲሾን ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ሔምዳንን ኤሽባንን ይትራንን ከራንን

27. ደቂ ኤጽር እዚኣቶም እዮም፡ ቢልሃንን ዛዕዋንን ዓቃንን

28. ደቂ ዲሻን እዚኣቶም እዮም፥ ዑጽን ኣራንን

29. ሹማምቲ ሖራውያን እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ሎጣን፡ ሹም ሾባል፡ ሹም ጺብዖን፡ ሹም ዓና

30. ሹም ዲሾን፡ ሹም ኤጽር፡ ሹም ዲሻን። እዚኣቶም በብስሞም ኣብ ምድሪ ስዒር ዘለዉ ሹማምቲ ሖራውያን እዮም።

31. ገና ኣብ ደቂ እስራኤል ንጉስ ከይነገሰ፡ ኣብ ምድሪ ኤዶም ዝነገሱ ነገስታት ድማ እዚኣቶም እዮም፥

32. ቢላዕ ወዲ ቤዖር ኣብ ኤዶም ነገሰከተማኡ ኸኣ ዲንሃባ ተባህለት።

33. ቤላዕ ድማ ሞተዮባብ ወዲ ዘራሕ ካብ ቦጽራ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ

34. ዮባብ ከኣ ሞተሑሻም ካብ ሃገር ቴማኒ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ

35. ሑሻም ድማ ሞተሃዳድ ወዲ በዳድ፡ እቲ ንሰብ ሚድያን ኣብ መሮር ሞኣብ ዝሰዐረ፡ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ድማ ዓዊት ነበረ።

36. ሃዳድ ከኣ ሞተሳምላ ኻብ ማስሬቃ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ

37. ሳምላ ድማ ሞተሻኡል፡ በዓል እታ ጥቓ ርባ ዘላ ረሖቦት ኣብ ክንዳኡ ነገሰ

38. ሻኡል ከኣ ሞተ እሞ በዓል-ሓናን ወዲ ኣኽቦር ኣብ ክንዳኡ ነገሰ

39. በዓል-ሓናን ወዲ ኣኽቦር ድማ ሞተሃዳር ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ድማ ጳዑ ነበረ፡ ስም ሰበይቱ ኸኣ ሜሄጣብኤል እዩ፡ ንሳ ጓል ማጥሬድ ጓል ሜ-ዛሃብ እያ።

40. ስም ሹማምቲ ኤሳው በብዓሌቶምበብቦታኦምበብስሞም እዚ እዩ፡ ሹም ቲምናዕ፡ ሹም ዓልዋ፡ ሹም የቴት

41. ሹም ኦሆሊባማ፡ ሹም ኤላ፡ ሹም ጲኖን

42. ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቴማን ሹም ሚብጻር

43. ሹም ማግዲኤል፡ ሹም ዒራም። እዚኣቶም በብምቕማጦም ኣብ ምድሪ ርስቶም ዘለዉ ሹማምቲ ኤዶም እዮም። ኤሳው፡ ንሱ ኣቦ ኤዶማውያን እዩ።