1. ሽዑ ይስሃቅ ንያእቆብ ጸዊዑ መረቖ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ አዘዞ፥ ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኣይተእቱ

2. ተንሲእካ፡ ናብ ጳዳን-ኣራም፡ ናብ እንዳ ኣቦሓጎኻ ቤቱኤል ኪድ እሞ፡ ካብኡ ኸኣ ካብ ኣዋልድ ኣኮኻ ላባን ሰበይቲ ኣእቱ

3. እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድማ ይባርኽካን የፍሪኻን የብዝሕካንጭፍራ ህዝብታትውን ኩን።

4. እዛ ተሰዲድካላ ዘሎኻ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም ዚህቦ ምድሪ ምእንቲ ኽትወርሳ፡ ንኣኻን ምሳኻ ድማ ንዘርእኻን በረኸት ኣብርሃም ይሀብካ

5. ይስሃቅ ከኣ ንያእቆብ ሰደዶ። ንሱ ድማ ናብ ጳዳን-ኣራምናብ ላባን ወዲ ቤቱኤል እቲ ሶርያዊ ሓዉ ርብቃ ኣደ ያእቆብን ኤሳውንከደ

6. ኤሳው ከኣ ይስሃቅ ንያእቆብ ከም ዝመረቖ እሞ ካብኡ ሰበይቲ ኼእቱ ድማ ናብ ጳዳን-ኣራም ከም ዝሰደዶኪምርቖ ኸሎ ኸኣ፡ ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኣይተእቱኢሉ ኸም ዝአዘዞ

7. ያእቆብ ድማ ነቦኡን ነዲኡን ሰሚዑ ናብ ጳዳን-ኣራም ከም ዝኸደ፡ ምስ ረአየ፡

8. ኤሳው ከኣ ኣዋልድ ከነኣን ነቦኡ ይስሃቅ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኸም ዘጕሀያኦ ረአየ

9. ሽዑ ኤሳው ናብ እስማኤል ከይዱ ኣብ ልዕሊ እተን ኣንስቱ ንማሓላት፡ ጓል እስማኤል ወዲ ኣብርሃም ሓብቲ ነባዮትሰበይቲ ኣእተወ

10. ያእቆብ ከኣ ካብ ብኤር-ሸባዕ ወጺኡናብ ካራን ኣቢሉ ኸደ

11. ጸሓይ ዐሪባ ነበረት እሞ፡ ኣብ ሓንቲ ቦታ ምስ በጽሔ፡ ኣብኣ ሐደረ ካብ ኣእማን እታ ቦታ ወሲዱ ድማ፡ ተተርኢስዋ፡ ኣብታ ቦታ ደቀሰ

12. ሐለመ ኸኣ እሞ እንሆ፡ መሳልል ኣብ ምድሪ ደው ኢሉርእሱ ድማ ሰማይ ጠንቍሩ፡ እንሆ ኸኣ፡ መላእኽቲ ኣምላኽ ይድይቡሉን ይወርዱሉን ነበሩ።

13. እንሆ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢሉ በሎኣነ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን እየ። እዛ ንስኻ ኣብ ልዕሊኣ ደቂስካላ ዘሎኻ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ክህባ እየ።

14. ዘርእኻ ድማ ከም ሓመድ ምድሪ ኪኸውን እዩ፡ ንምዕራብን ንምብራቕን ንሰሜንን ንደቡብን ክትሰፍሕ ኢኻ። ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ኸኣ ብኣኻን ዘርእኻን ኪባረኹ እዮም።

15. እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ምሳኻ እየ፡ እቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሐድገካን እየ እሞ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ኽሕልወካ እየ፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ክመልሰካ እየ።

16. ያእቆብ ከኣ ካብ ድቃሱ ተባራበረ እሞ፡ ኣነ ደኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር፡ ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣብዛ ቦታ እዚኣ አሎበለ

17. ፈሪሁ ድማ፡ እዛ ቦታ እዚኣ ኽንደይ ተፍርህ እያ። እዚኣ ቤት ኣምላኽ እያ እምበር፡ ካልእ ኣይኰነትን፡ እዚኣ ኸኣ ደገ ሰማይ እያ፡ በለ

18. ያእቆብ ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነቲ ኣብኣ ተተርኢስዎ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ኪኸውን ኣቘሞኣብ ርእሱ ኸኣ ዘይቲ ኸዐወሉ

19. ስም እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ቤት-ኤል ኣውጽኣላቀደም ግና ስም እታ ኸተማ ሉዝ ይብሀል ነበረ።

20. ያእቆብ ድማ ከምዚ ኢሉ መብጽዓ ተማባጽዔእግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፡ ኣብዛ ዝኸዳ ዘሎኹ መገደይ ከኣ እንተ ሐለወኒ፡ ዝበልዖ እንጌራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሀበኒ

21. ናብ ቤት ኣቦይውን ብደሓን እንተ ተመለስኩ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ይኸውን።

22. እዚ ሓወልቲ ገይረ ኣቝመዮ ዘሎኹ እምኒ ኸኣ ቤት ኣምላኽ ኪኸውን እዩ። ካብ እትህበኒ ዘበለ ዅሉ ድማ ዕሽር ክህበካ እየ።