1. ኣምላኽ ከኣ ንኖህን ነቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ዅሎም ኣራዊትን ኵሉ እንስሳን ዘከረኣምላኽ ድማ ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፡ እቲ ማይ ከኣ ጐደለ

2. ናይቲ መዓሙቝ ዓይኒ ማያትን መሳዅቲ ሰማይን ተዐብሰሰርቢውን ካብ ሰማይ ጸሓየ

3. እቲ ማይ ድማ ኻብ ምድሪ እናተመልሰ ኸደ። ኣብ መወዳእታ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኸኣ እቲ ማይ ጐደለ

4. ብሳብዓይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ፡ እታ መርከብ ኣብ ኣኽራን ኣራራት ዐረፈት

5. እቲ ማይ ከኣ ክሳዕ ዓስረይቲ ወርሒ እናጐደለ ኸደ። ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲርእሲ እቲ ኣኽራን ተራእየ

6. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ መዓልቲ ኖህ ነቲ ኣብ መርከብ ዝሰርሖ መስኰት ከፈቶ

7. ኳዅ ድማ ሰደደ፡ ንሱ ከኣ ማይ ካብ ምድሪ ኽሳዕ ዚነጽፍንየው ነጀው ይማላለስ ነበረ።

8. ድሕርዚ ድማ ማይ ካብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ጐዲሉ እንተ ዀነ ኺርኢ፡ ካብቲ ዘለዎ ርግቢ ሰደደ

9. ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ማይ ስለ ዝነበረ ግና፡ እታ ርግቢ እግራ እተዕርፈላ ኣይረኸበትን እሞ፡ ናብኡ ናብ መርከብ ተመልሰቶኢዱ ዘርጊሑ ወሰዳ፡ ናብኡ ኸኣ ናብ መርከብ ኣእተዋ

10. ገና ኻልእ ሾብዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ፡ ነታ ርግቢ መሊሱ ኻብ መርከብ ሰደዳ

11. እታ ርግቢ ኣጋ ምሸት ተመልሰቶ፡ እንሆ ኸኣ ልሙዕ ቈጽሊ ኣውልዕ ኣብ ኣፋ ሒዛ ነበረት። ሽዑ ኖህ ማይ ካብ ምድሪ ኸም ዝነጸፈ ፈለጠ

12. ገና ኻልእ ሾብዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ ነታ ርግቢ ሰደዳ። ድሕሪ ደጊም ናብኡ ኣይተመልሰትን

13. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መበል ሹድሽተ ሚእትን ሓደን ዓመቱ ንኖህ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ነጸፈ። ሽዑ ኖህ ናሕሲ መርከብ ቀሊዑ ረአየእንሆ ኸኣ ገጽ እታ ምድሪ ነቒጻ ነበረት

14. ኣብ ካልኣይቲ ወርሒካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን መዓልቲ እታ ምድሪ ነቐጸት

15. ኣምላኽ ድማ ንኖህ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ

16. ንስኻን ሰበይትኻን ደቅኻንኣንስቲ ደቅኻ ኸኣ ምሳኻ፡ ካብ መርከብ ውጹ

17. ምሳኻ ዘሎ ዅሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ለመምታን ኣብ ምድሪ ኺስስኑ፡ ምሳኻ ኣውጽኣዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ይፋረዩን ይባዝሑን

18. ሽዑ ኖህደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ከኣ ምስኡ ወጹ

19. ኵሉ ኣራዊትን ኵሉ ለመምታን ኵለን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉን ድማ በብዓሌቶም ካብ መርከብ ወጹ

20. ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ ካብ ንጹህ እንስሳ ዘበለን ካብ ኵለን ንጹሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸኣ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣዕረገ

21. እግዚኣብሄር ድማ እዚ ጥዑም መኣዛ ኣጭነወእግዚኣብሄር ከኣ ብልቡሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ብሰሪ ሰብ ንምድሪ መሊሰ ኣይረግማንድሕሪ ደጊምሲ ኸምቲ ዝገበርክዎህያው ንዘበለ ዅሉ መሊሰ ኣይክወቅዕን እየ።

22. ምድሪ ኽሳዕ ዘላዘርእን ዓጺድንዛሕልን ዋዕንሓጋይን ክረምትንመዓልትን ለይትን ኣየቋርጽን እዩ፡ በለ።