1. እታ፡ ልያ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዲና ጓላ ኸኣ፡ ነዋልድ እታ ሃገር ክትርኢ ወጸት

2. ሴኬም ወዲ ሓሞር፡ እቲ ሓዋዊ ጐይታ እታ ሃገር ድማ ረኣያወሲድዋ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ፡ ኣነወራውን

3. ነፍሱ ድማ ምስ ዲና ጓል ያእቆብ ተጣበቐት፡ ነታ ጓል ፈተዋ፡ ነታ ጓልውን ብፍቕሪ ተዛረባ

4. ሴኬም ድማ ነቦኡ ሓሞርእዛ ጓል እዚኣ ሰበይተይ ክትከውን ኣምጽኣለይኢሉ ተዛረቦ

5. ያእቆብ ድማ ንጓሉ ዲና ኸም ዘርከሳ ሰምዔደቁ ኸኣ ምስ ማሉ ኣብ መሮር ነበሩ እሞ፡ ያእቆብ ክሳዕ ዚኣትዉ ስቕ በለ።

6. ሓሞር ኣቦ ሴኬም ከኣ ምስኡ ኺዛረብ ናብ ያእቆብ ወጸ

7. ደቂ ያእቆብ ድማ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ካብ መሮር አተዉ። እቶም ሰባት ከኣ ምስ ጓል ያእቆብ ብምድቃሱ ኺግበር ዘይግባእ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረ፡ ጕህዮም ኣዝዮም ተናደዱ

8. ሓሞር ድማ፥ ነፍሲ ወደይ ሴኬም ምስ ጓልኩም ተጣቢቓ እያ እሞ፡ በጃኹም ሰበይቱ ኽትከውን ሀብዎ።

9. ምሳና ተዋሰቡኣዋልድኩም ሀቡና፡ ንኣኻትኩምውን ኣዋልድና ውሰዱ

10. ምሳና ድማ ንበሩ። እንሃ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜኹም አላ፡ ተቐሚጥኩም ንገዱላን ተረስተይዋን፡ ኢሉ ተዛረቦም።

11. ሴኬም ድማ ነቦኣን ነሕዋታንኣብ ቅድሚኹም ኰታ ምገስ እርከብዝበልኩምኒ ኽህብ እየ።

12. ገዝምን ህያብን ኣዚኹም ኣብዚሕኩም ኣዝዙኒ። እታ ጓል ደኣ ሰበይተይ ክትከውን ሀቡኒ እምበር፡ ከም ዝበልኩምኒ እህብ፡ በሎም።

13. ደቂ ያእቆብ ከኣ፡ ንሓብቶም ዲና ስለ ዘነወራንሴኬምን ነቦኡ ሓሞርን መሊሶም ብተንኰል ተዛረብዎም

14. በልዎም ድማሓብትና ንዘይተገዝረ ሰብኣይ ክንህብ እዚ የነውረና እዩ እሞ፡ እዚ ነገርዚ ኽንገብር ኣይንኽእልን

15. ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ብምግዛርኩም፡ ከማና እንተ ዀንኩም፡ በዚ ጥራይ ሕራይ ንብለኩም

16. ሽዑ ኣዋልድና ንህበኩምኣዋልድኩም ከኣ ንወስድ፡ ምሳኻትኩም ድማ ንነብርሓደ ህዝቢውን ንኸውን።

17. ክትግዘሩ እንተ ዘይሰማዕኩምና ግና፡ ጓልና ሒዝና ንኸይድ

18. ንሓሞርን ንሴኬም ወዲ ሓሞርን ከኣ እቲ ዘረባኦም ባህ ኣበሎም።

19. እቲ ጐበዝ ድማ ንጓል ያእቆብ ፈትይዋ ነበረ እሞ፡ እዚ ነገርዚ ንምግባር ኣይደንጐየንኣብ ቤት ኣቦኡ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ከኣ ንሱ ይኸብር ነበረ።

20. ሓሞርን ወዱ ሴኬምን ናብ ደገ ኸተማኦም ከይዶምንሰብ እታ ኸተማኦም ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም

21. እዞም ሰባት እዚኦም ምሳና ሰብ ሰላም እዮም፡ እዛ ምድሪ ድማ እንሃ፡ ንኣታቶም እትኣክል ገፋሕ እያ እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ ይቀመጡን ይንገዱላንኣዋልዶም ንኣና ኣንስቲ ንወስድኣዋልድና ድማ ንኣታቶም ንሀቦም

22. እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ምሳና ኪቕመጡምሳና ሓደ ህዝቢ ኪዀኑ ድማ በዚ ጥራይ ሕራይ ይብሉና፡ ንሳቶም ግዙራት ከም ዝዀኑ፡ ኵሉ ተባዕታይና ኺግዘር

23. ማሎምን ገንዘቦምንኵሉ እንስሳኦምንከ ናትናዶ ኣይኰነን፧ ሓንትስ ሕራይ ደኣ ንበሎም እምበር፡ ምሳና ኺነብሩ እዮም።

24. እቶም ብደገ ኸተማኡ ዝወጹ ዅላቶም ንሓሞርን ንወዱ ሴኬምን ሰምዕዎም እሞ፡ ብደገ ኸተማኡ ዝመጸ ዘበለ ዅሉ ተባዕታይ ተገዝረ

25. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኪቕንዘዉ ኸለዉክልተ ደቂ ያእቆብስምኦንን ሌውን ኣሕዋት ዲናሰሴፎም ወሲዶም፡ ነታ ኸተማ ኸይሐሰበት ሓደጋ ወዲቖም፡ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ቐተሉ

26. ንሓሞርን ንወዱ ሴኬምን ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምንዲና ኻብ ቤት ሴኬም ሒዞምዋ ወጹ

27. ደቂ ያእቆብንሓብቶም ስለ ዘርከስዋ፡ ናብቶም ቅቱላት መጺኦም ነታ ኸተማ ዘመትዋ

28. ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ኣእዱጎምን ኣብ ከተማ ዝነበረን ኣብ መሮር ዝነበረን ድማ ወሰዱ

29. ኵሉ ገንዘቦምን ኵሎም ሕጻውንቶምን ኣንስቶምን ማረኹኣብ ቤት ንተረኽበ ዅሉ ድማ ዘመቱ

30. ያእቆብ ከኣ ንስምኦንን ንሌውን፡ ኣብ መንጎ እዞም ኣብዛ ሃገር ዚነብሩኣብ መንጎ ኸነኣናውያንን ፈረዛውያንን ንኽፉእ ጨና ብምግባርኩም ኣጨነቕኩምኒ። ኣነ ብቝጽሪ ሒደት እየ፡ ንሳቶም ከኣ ተኣኪቦም ይቐትሉኒኣነን ቤተይን ድማ ንጠፍእበሎም

31. ንሳቶም ከኣ፡ ኣብ ሓብትናዶ ደኣ ኸም ኣብ ኣመንዝራ ኺግበር እዩ፧ በሉ