1. ወለዶ ደቂ ኖህ እዚ እዩ፡ ሴምካምያፌት። ንኣታቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ደቂ ተወልዱሎም

2. ደቂ ያፌትጎሜርን ማጎግን ማዳይን ያዋንን ቱባልን ሜሴክን ቲራስን

3. ደቂ ጎሜር ከኣ፡ ኣሽከናዝን ሪፋትን ቶጋርማን

4. ደቂ ያዋን ድማ፡ ኤሊሻን ተርሺሽን ኪቲምን ዶዳኒምን

5. ካብዚኣቶም ደሴታት ህዝብታት በብምድሮምነፍስ ወከፍ ከም ቋንቋኡ፡ ከከም ዓሌታቶምበብህዝቦም ተፋላለዩ

6. ደቂ ካም ከኣ፥ ኩሽን ሚስራይምን ፋጥን ከነኣንን

7. ደቂ ኩሽ ድማ፥ ሴባን ሓዊላን ሳብታን ራዕማን ሳብተካንደቂ ራዕማ ኸኣ፡ ሸባን ዴዳንን

8. ኩሽ ድማ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ጅግና ምዃን ጀመረ

9. ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ነበረ። ስለዚ ከም ኒምሮድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ተባህለ

10. መጀመርታ መንግስቲ ድማ ባቤል ኤረክን ኣካድን ካልነን ኣብ ሃገር ሲንኣር ነበረ።

11. ካብታ ሃገር እቲኣ ናብ ኣሶር ወጸንነነዌን ንሬሖቦት-ዒርን ከላህን ሰርሔን

12. ኣብ መንጎ ነነዌን ካላህን ከኣ ንሬስን ሰርሔ፡ ንሳ እታ ዓባይ ከተማ እያ።

13-14. ሚስራይም ድማ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሂምን ንጳትሩሲምን ንካፍቶራውያንን ንካስሉሂምን ወለደ፡ ካብኦም ፍልስጥኤማውያን ወጹ

15. ከነኣን ድማ ንሲዶንበዅሪ ወዱንንሄትን

16. ንይቡሳውያንን ንኣሞራውያንን ንጊርጋሳውያንን

17. ንሂዋውያንን ንዓርቂውያንን ንሲኒውያንን

18. ንኣርዋደውያንን ንጽማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ። ድሕርዚ ዓሌታት ከነኣን ተዘርወ

19. ዶብ ከነኣናውያን ድማ ካብ ሶዶን በታ ንጌራር እትኣትወላ ኣቢልካ ኽሳዕ ጋዛ፡ በታ ንሶዶምን ንጎሞራን ንኣድማን ንሴቦኢም እትኣትወላ ኣቢልካ ኸኣ ክሳዕ ላሻዕ ነበረ።

20. እዚኣቶም፡ በብዓሌቶምበብቛንቋኦም፡ ኣብ ሃሃገሮም፡ ኣብ ሄህዝቦምደቂ ካም እዮም።

21. ንሴም ድማ እቲ ኣቦ ዅሎም ደቂ ዔበርዓብዪ ሓዉ ንያፌትደቂ ተወልዱሉ

22. ደቂ ሴምዔላምን ኣሹርን ኣርፋክሳድን ሉድን ኣራምን

23. ደቂ ኣራም ከኣ፡ ዑጽን ሑልን ጌተርን ማሽን

24. ኣርፋክሳድ ድማ ንሸላሕ ወለደሸላሕ ከኣ ንዔበር ወለደ

25. ንዔበር ድማ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ። እቲ ሓደብዘበኑ ምድሪ ስለ እተኸፋፈለትስሙ ፌሌግ ተባህለ። ስም ሓዉ ድማ ዮቅጣን

26. ዮቅጣን ድማ ንኣልሞዳድን ንሼለፍን ንሓጻርማዌትን ንየራሕን

27. ንሃደራምን ንኡዛልን ንዲቅላን

28. ንዖባል ንኣቢማኤልን ንሼባን

29. ንኦፊርን ንሓዊላን ንዮባብን ወለደ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ዮቅጣን እዮም።

30. ምቕማጦም ድማ ካብ ሜሻ በታ ንሴፋር እትኣትወላ፡ እቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ኸረን ነበረ።

31. እዚኣቶም፡ በብዓሌቶምበብቛንቋኦም፡ ኣብ ሃሃገሮምበብህዝቦምደቂ ሴም እዮም።

32. እዚኣቶም በብወለዶኦም፡ ኣብ ሄህዝቦም፡ ዓሌታት ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ህዝብታት ኣብ ምድሪ ተዘርዉ