1. ብጀካ እቲ ቐዳማይ ብዘበን ኣብርሃም ዝዀነ ጥሜት ኣብታ ሃገር ካልእ ጥሜት ድማ ዀነ። ይስሃቅ ከኣ ናብ ኣቢሜለክንጉስ ፍልስጥኤማውያን፡ ናብ ጌራር ከደ

2. እግዚኣብሄር ድማ ተራእዮ በሎውን፡ ናብ ግብጺ ኣይትውረድ፡ ኣብታ ኣነ ዝብለካ ምድሪ ደኣ ተቐመጥ

3. እዛ ዅላ ሃገር ንኣኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ስደተኛ ዄንካ ተቐመጥ። ኣነ ኸኣ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን እየ። እቲ ነቦኻ ኣብርሃም ዝመሐልኩሉ ማሕላ ድማ ከቝሞ እየ።

4-5. ኣብርሃም ቃለይ ስለ ዝሰምዔ፡ እቲ ሐልዎ ኢለ ዝአዘዝክዎ፡ ትእዛዛተይንስርዓታተይን ሕጋጋተይን ድማ ስለ ዝሐለወንዘርእኻ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ፡ እዛ ዂላ ሃገርውን ንዘርእኻ ኽህቦ እየ፡ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ድማ ብዘርእኻ ኺባረኹ እዮም።

6. ይስሃቅ ከኣ ኣብ ጌራር ተቕመጠ

7. ሰብ እታ ቦታ ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ሐተትዎ። ንሳ ሓብተይ እያ፡ በለትርኢታ ጽቡቕ ነበረ እሞ፡ ደቂ እዛ ቦታ እዚኣ ብዛዕባ ርብቃ ኸይቀትሉኒ ኢሉ፡ ሰበይተይ እያ ምባል ፈርሄ

8. ኰነ ኸኣ፡ ሓያሎ ወርሓት ኣብኡ ምስ ተቐመጠ፡ ኣቢሜለክንጉስ ፍልስጥኤማያንብመስኰት ኪጥምት ከሎ፡ እንሆ ድማ ይስሃቅ ምስ ሰበይቱ ርብቃ ኪስሐቕ ረአዮ

9. ኣቢሜለክ ከኣ ንይስሃቅ ጸዊዑእንሆ ርግጽ ሰበይትኻ እያ፡ ከመይ ደኣ፡ ንሳ ሓብተይ እያ፡ ዝበልካኒ፧ በሎይስሃቅ ከኣ፡ ብዛዕባኣ ኸይመውት ኢለ፡ በሎ

10. ኣቢሜለክ ድማ፡ እዚ ዝገበርካና እንታይ እዩሓደ ኻብ ህዝቢ ምስ ሰበይትኻ ኺድቅስ ቀሪቡ ነይሩ እዩ እሞ በደል መምጻእካልና ኔርካ፡ በለ

11. ኣቢሜለክ ከኣ ንዅሉ ህዝቢ፡ ነዚ ሰብኣይዚ ወይ ንሰበይቱ ዝተንከየሞት ኪመውት እዩ፡ ኢሉ አዘዘ

12. ይስሃቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኤበታ ዓመት እቲኣ፡ ኸኣ ሚእቲ ኻዕበት ረኸበእግዚኣብሄር ድማ ባረኾ

13. እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ዐበየኣዝዩ ኽሳዕ ዚዐዝዝ ድማ እናወሰኸ ኸደ

14. ጥሪት ኣባጊዕን ጥሪት ኣሓን ብዙሓት ግዙኣትን ነበርዎ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ቀንኡሉ

15. ሽዑ ፍልስጥኤማያን፡ ነቲ ግዙኣት ኣቦኡ ብዘበን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝዀዐትዎ ዅሉ ዔላታት ደበይዎሓመድ ከኣ መልእዎ።

16. ኣቢሜለክ ድማ ንይስሃቅ፡ ካባና ኣዚኻ ሐይልካ ኢኻ ኣሞ፡ ካባና ኺድበሎ

17. ይስሃቅ ከኣ ካብኡ ኸይዱ ኣብ ለሰ ጌራር ሰፈረ፡ ኣብኡ ኸኣ ተቐመጠ

18. ነቲ ብዘበን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝዀዐትዎ ዔላታት ማይ ድማ፡ ፍልስጥኤማውያን ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ዝደበይዎይስሃቅ መሊሱ ዀዐቶስሙ ድማ በቲ ኣቦኡ ዘውጽኣሉ ስም ሰመዮ።

19. ግዙኣት ይስሃቅ ድማ ኣብቲ ለሰ ዀዐቱ፡ ኣብኡ ኸኣ ፈልፋሊ ዔላ ማይ ረኸቡ

20. ጓሶት ጌራር ከኣ ምስ ጓሶት ይስሃቅ፡ እዚ ማይና እዩ፡ ኢሎም ተበአሱ። ምስኡ ስለ እተበአሱ ድማ፡ ስም እቲ ዔላ ዔሰቅ ኣውጽኣሉ

21. ካልእ ዔላ ኸኣ ኰዐቱ፡ ብዛዕባኡውን ተበአሱ እሞ ስሙ ሲጥና ኣውጽኣሉ

22. ካብኡ ድማ ገዐዘካልእ ዔላውን ኰዐተ፡ ብዛዕባኡ ግና ኣይተበአሱንሕጅስ እግዚኣብሄር ኣርሒቡልና እዩ እሞ፡ ኣብዚ ሃገር ክንፋረ ኢና፡ ኢሉ ኸኣ ስሙ ረሓቦት ኣውጽኣሉ

23. ካብኡ ኸኣ ንብኤር-ሸባዕ ደየበ

24. በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ተራእዮኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ምእንቲ ኣብርሃም ባርያይ ኢለ ድማ ክባርኸካንዘርእኻውን ከብዝሖ እየ፡ በሎ

25. ኣብኡ መሰውኢ ሰሪሑ ኸኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ ኣብኡውን ድንኳኑ ተኸለግዙኣት ይስሃቅ ድማ ኣብኡ ዔላ ዀዓቱ

26. ኣቢሜለክ ድማ ምስ ኣሑዛት ፈታዊኡንፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱንካብ ጌራር ናብኡ ኸደ

27. ይስሃቅ ከኣ፡ ጸሊእኩምንስ ካባኻትኩም ከኣ ሰጕጕኩምኒ፡ ንምንታይ ደኣ መጻእኩምኒበሎም

28-29. ንሳቶም ድማ በሉእግዚኣብሄር ምሳኻ ኸም ዘሎ፡ ኣርጊጽና ርኢና ኢና እሞ፡ ከምቲ ንሕና ዘይተንኬናካጽቡቕ ጥራይ ከም ዝገበርናልካ፡ ብሰላም ድማ ኣፋኖናካ፡ ንስኻ ድማ ንኣና ኽፉእ ከይትገብረና፡ ንሕናን ንስኻን ንሓድሕድና ንማሓሐል ምሳኻ ኸኣ ኪዳን ንእቶበልናሕጂ ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ ኢኻ።

30. ንሱ ኸኣ ምሳሕ ገበረሎም፡ እሞ በልዑን ሰተዩን

31. ንጽብሒቱ ንግሆ ተንሲኦም ድማ ንሓድሕዶም ተማሓሐሉይስሃቅ ከኣ ኣፋነዎም፡ ካብኦም ድማ ብሰላም ከዱ

32. ኰነ ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ግዙኣት ይስሃቅ መጺኦምብዛዕባ እቲ ዝዀዐትዎ ዔላማይ ረኺብናሉኢሎም ነገርዎ

33. ንሱ ድማ ንእኡ ሺብዓ ኢሉ ኣውጽኣሉ። ስለዚ ስም እታ ኸተማ ኽሳዕ ሎሚ ብኤር-ሸባዕ እዩ።

34. ኤሳው ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ንይሁዲት ጓል ብኤሪ ሔታውን ንበስማት ጓል ኤሎን ሔታውን ኣንስቲ ኣእተወ

35. እዚኣተን ከኣ ንይስሃቅን ንርብቃን ጓሂ ልቢ ዀናኦም።