1. ያእቆብ ድማ ንመገሻኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ደቂ ምብራቕ ከደ

2. ጠመተ እሞ እንሆ ኸኣ፡ ዔላ ኣብ መሮር ነበረ፡ ኣብቲ ዔላ ድማ መጓሴታት የስትዩ ነበሩ እሞ፡ እንሆ፡ ኣብኡ ሰለስተ መጓሰ ኣባጊዕ ደቂሰን ነበራ። ኣብ ኣፍ እቲ ዔላ ዝነበረ እምኒ ኸኣ ዓብዪ ነበረ።

3. ንዅለን መጓሴታት ድማ ናብኡ ይእክብወን ነበሩ። ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዔላ ገምጢሎም ከኣ፡ ነተን ኣባጊዕ የስትይወን ነበሩ፡ ነቲ እምኒ ድማ ናብ ኣፍ እቲ ዔላ ኣብ ቦታኡ ይመልስዎ ነበሩ።

4. ያእቆብ ከኣ፡ ኣቱም ኣሕዋተይካበይ ኢኹም፧ በሎም። ካብ ካራን ኢና፡ በልዎ

5. ንሱ ድማ፡ ንላባን ወዲ ናሆርዶ ትፈልጥዎ ኢኹም፧ በሎም። እወ ንፈልጦበሉ

6. ደሓንዶ አሎ፧ ከኣ በሎምደሓን አሎራሄል ጓሉ እኳ እንሃ፡ ምስተን ኣባጊዕ ትመጽእ አላ፡ በሉ

7. ንሱ ኸኣ፡ እንሆ፡ መዓልቲ ገና ነዋሕ አላ፡ ከብቲ ዚእከባላ ጊዜ ኣይኰነትንነዘን ኣባጊዕ ኣስትይወን እሞ ኬድኩም ኣብልዕወንበሎም

8. ንሳቶም ድማ፡ ኵለን መጓሴታት ከይተኣከባ፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ እቲ ዔላ ኸይገልበጥዎኣይንኽእልን፡ ሽዑ ነተን ኣባጊዕ ነስትየን በሉ

9. ራሄል ባዕላ ትጓሲ ነበረት እሞ፡ ንሱ ገና ምሳታቶም ኪዛረብ ከሎ፡ እንሃ፡ ምስ ኣባጊዕ ኣቦኣ መጸት

10. ኰነ ኸኣያእቆብ ንራሄል ጓል ላባን ኣኮኡን ነባጊዕ ኣኮኡ ላባንን ምስ ረአየቀሪቡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዔላ ገልበጦ፡ ነባጊዕ ኣኮኡ ላባን ድማ ኣስተየን

11. ያእቆብ ከኣ ንራሄል ሰዐማቃሉ ዓው ኣቢሉውን በኸየ

12. ያእቆብ ድማ ንራሄል፡ ንሱ ዘመድ ኣቦኣወዲ ርብቃ፡ ምዃኑ ነገራ። ንሳ ኸኣ ጐይያ ነቦኣ ነገረቶ

13. ኰነ ኸኣላባን ወረ ያእቆብ ወዲ ሓብቱ ምስ ሰምዔኪቕበሎ ጐየየሐቝፉ ሰዐሞ፡ ናብ ቤቱ ድማ ኣእተዎእዚ ነገርዚ ዅሉውን ንላባን ነገሮ

14. ላባን ከኣ፥ ብሓቂ ንስኻ ዓጽመ ስጋይ ኢኻ፡ በሎወርሒ ዚአክልውን ምስኡ ተቐመጠ

15. ላባን ድማ ንያእቆብሓወይ ክንዲ ዝዀንካዶ ብኸምኡ ኽትግዝኣኒዓስብኻ ደኣ እንታይ ምዃኑ ንገረኒበሎ

16. ላባን ከኣ ኽልተ ኣዋልድ ነበራኦ፡ ስም እታ ዓባይ ልያ፡ ስም እታ ንእሽቶ ኸኣ ራሄል ነበረ።

17. ኣዒንቲ ልያ ጨምጫማት ነበራ፡ ራሄል ግና መልክዔኛትርኢታውን ውቅብቲ ነበረት።

18. ያእቆብ ድማ ንራሄል ፈተዋ እሞ፡ ምእንቲ ራሄል፡ እታ ንእሽቶ ጓልካሾብዓተ ዓመት እግዝኣካበለ

19. ላባን ከኣ ንኻልእ ሰብኣይ ካብ ዝህባ፡ ንኣኻ ኽህባ ይሐይሽ፡ ምሳይ ተቐመጥበሎ

20. ያእቆብ ከኣ ምእንቲ ራሄል ሾብዓተ ዓመት ተገዝኤ፡ ንእኣ ብምፍታው ከኣ ከም ሒዶት መዓልቲ ዀይነን ተራእያኦ።

21. ያእቆብ ከኣ ንላባንመዓልትታተይ በጺሔን እየን እሞ፡ ከእትዋ ሰበይተይ ሀበኒበሎ

22. ሽዑ ላባን፡ ንዅሎም ሰብ እታ ቦታ ኣኪቡ ምሳሕ ገበረ

23. ምሸት ምስ ኰነ ድማ ልያ ጓሉ ወሲዱ፡ ናብኡ ኣእተዋንሱ ኸኣ ናብኣ ኣተወ

24. ላባን ድማ ንልያ ጓሉ፡ ግዝእቲ ኽትኰና፡ ዚልጳ ግዝእቱ ሀባ

25. ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ እንሃ፡ ንሳ ልያ ነበረት። ንላባን ከኣ፡ እንታይ እዩ ዝገበርካኒ፧ ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኰንኩን እተገዛእኩኻስለምንታይ ደኣ ጠበርካኒበሎ

26. ላባን ድማ፡ ኣብ ሃገርና ንእሽቶ ቕድሚ እታ በዅሪ ምሃብከምኡ ኣይግበርን እዩ

27. ናይ እዚኣ ሰሙን መልእ እሞ ስለ እቲ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ካልእ ሾብዓተ ዓመት እትግዝኦ መግዛእቲ፡ እቲኣ ድማ ንህበካ፡ በለ።

28. ያእቆብ ከኣ ከምኡ ገበረ፡ ናይ እዚኣ ሰሙን መልኤ። ደሓር ራሄል ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ

29. ላባን ድማ ንራሄል ጓሉግዝእቲ ኽትኰና፡ ቢልሃ ግዝእቱ ሀባ

30. ናብ ራሄል ድማ አተወንራሄል ከኣ ሐለፋ ልያ ፈተዋ። መሊሱ ድማ ካልእ ሾብዓተ ዓመት ምስኡ ተገዝኤ

31. እግዚኣብሄር ከኣ ልያ ኸም እተጸልኤት ርእዩማሕጸና ኸፈተላራሄል ግና መኻን ነበረት

32. ልያ ድማ ጠነሰት ወዲውን ወለደትእግዚኣብሄር መከራይ ርእዩ እዩ እሞ፡ ሕጅስ ሰብኣየይ ኪፈትወኒ እዩ፡ ኢላ ስሙ ሮቤል ኣውጽኣትሉ

33. መሊሳ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደትእግዚኣብሄር ከም ዝተጸላእኩ ሰሚዑ እዩ እሞ፡ እዚ ድማ ሀበኒ፡ ኢላ ስሙ ስምኦን ኣውጽኣትሉ።

34. መሊሳ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደትሰለስተ ወዲ ወሊደሉ እየ እሞ፡ ሕጅስ ሰብኣየይ ኣባይ ኪለግብ እዩ፡ በለትስለዚ ስሙ ሌዊ ተባህለ

35. መሊሳ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደትሕጂ ንእግዚኣብሄር ኤመስግኖበለት። ስለዚ ስሙ ይሁዳ ኣውጽኣትሉ። ካብ ምላድ ከኣ ኣቋረጸት