1. ኰነ ድማይስሃቅ ኣሪጉ ኣዒንቱ ጽልግልግ ኢለን ምርኣይ ምስ ሰኣናንኤሳው ነቲ ዓብዪ ወዱ ጸዊዑ፡ ኣታ ወደይበሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በሎ።

2. ሽዑ ንሱ፡ እንሆ፡ ሕጂ ኣሪገ እየመዓልቲ ሞተይ ድማ ኣይፈልጥን እየ።

3. ሕጂ በጃኻ መሳርያኻጕልድባኻን ቀስትኻን፡ ውሰድ እሞ ንመሮር ወፊርካሀዲንካ ኣምጽኣለይ

4. ከይሞትኩ ነፍሰይ ምእንቲ ክትምርቐካስ፡ ኣነ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኽበልዕሰሪሕካ ኣምጽኣለይ፡ በለ።

5. ርብቃ ኸኣ ይስሃቅ ንወዱ ኤሳው ኪዛረቦ ኸሎ ሰምዔትኤሳው ድማ ሀዲኑ ኼምጽእ ናብ መሮር ወፈረ

6-7. ርብቃ ኸኣ ንወዳ ያእቆብ ከምዚ ኢላ ተዛረበቶእንሆኣቦኻ ንሓውካ ኤሳውበሊዔ ቕድሚ ሞተይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምርቐካስሀዲንካ ጥዑም ብልዒ ጌርካ ኣምጽኣለይ፡ ኢሉ ኺዛረቦ ሰሚዔዮ አሎኹ።

8. ሕጂ ድማ ወደየከምቲ ኣነ ዝእዝዘካ ቓለይ ስማዕ

9. ናብተን መጓሰ ኼድካካብኡ ኽልተ ጽቡቓት መሓስእ ኣምጽኣለይ። ኣነ ኸኣ ንኣታተን ከምቲ ኣቦኻ ዚፈትዎ ጥዑም ብልዒ ገይረ ኽሰርሓሉ

10. ንሱ ድማ በሊዑቅድሚ ሞቱ ምእንቲ ኺምርቐካስነቦኻ ኸተእትወሉ።

11. ያእቆብ ከኣ ነዲኡ ርብቃ፡ እንሆ፡ ሓወይ ኤሳው ጸጓር ሰብኣይ እዩ፡ ኣነ ግና ልሙጽ ሰብኣይ እየ።

12. ምናልባሽ ኣቦይ እንተኣረምሰሰንስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጠባሪ ኸይከውን፡ ኣብ ልዕለይ ከኣ መርገም ኤምጽእ እምበር፡ ምርቓስ ኣይኰነን፡ በለ።

13. ኣዲኡ ድማ፡ ወደይመርገምካስ ኣባይ ይብጻሕ፡ ቃለይ ግዳ ስማዕኬድካ ኣምጽኣለይበለቶ

14. ከይዱ ድማ ወሰደንነዲኡውን ኣምጽአላኣዲኡ ኸኣ ኣቦኡ ዚፈትዎጥዑም ብልዒ ኣዳለወት

15. ርብቃ ድማ እቲ ምሳኣ ኣብ ቤት ዝነበረ ጽቡቕ ክዳውንቲ ኤሳው፡ እቲ ዓብዪ ወዳወሲዳያእቆብ፡ ነቲ ንእሽቶ ወዳ፡ ከደነቶ

16. ኣብ ኣእዳዉን እብቲ ልሙጽ ክሳዱን ድማ ቘርበት እተን መሓስእ ጠምጠመትሉ

17. እቲ ጥዑም ብልዕን እቲ ዝሰንከተቶ እንጌራን ገይራ፡ ንወዳ ያእቆብ ኣብ ኢዱ ሀበቶ

18. ንሱ ኸኣ ናብ ኣቦኡ አትዩኣቦየበሎ። ንሱ ድማ፡ እኔኹ ወደይ፡ መን ኢኻ ንስኻ፧ በለ

19. ያእቆብ ከኣ ነቦኡኣነ ኤሳው በዅርኻ እየ። ከምቲ ዝበልካኒ ገይረ አሎኹ እሞ ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐንስተንሲእካ ዀታ ኾፍ በል፡ ካብዚ ሃድነይ ድማ ብላዕ፡ በሎ።

20. ይስሃቅ ከኣ ንወዱ፥ ከመይ ኢልካ ኽንድዚ ብቕልጡፍ ረኸብካ፡ ወደይ፧ በሎ። ንሱ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ቅድመይ ኣጋባጊቡለይበለ

21. ይስሃቅ ከኣ ንያቆብወደይብሓቂ ንስኻ ወደይ ኤሳው እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ኸረምስሰካስ፡ ቅረብበሎ

22. ያእቆብ ድማ ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ቀረበኣረምሲሱ ኸኣ፡ ድምጽስ ድምጺ ያእቆብ እዩእእዳው ግና ኣእዳው ኤሳውበለ

23. ንሱ ድማ፡ ኣእዳው ኸም ኣእዳው ኤሳው ሓዉ ጸጓራት ነበራ እሞ፡ ኣየለለዮንመረቖ ኸኣ።

24. ብሓቂዶ ንስኻ ወደይ ኤሳው ኢኻ፧ ድማ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በለ

25. ነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ ካብቲ ሃድን ወደይ ክበልዕ ኣቕርበለይ፡ ድማ በለ። ኣቕረበሉ፡ በልዔ ድማ፡ ወይኒውን ሀቦ እሞ ሰተየ

26. ኣቦኡ ይስሃቅ ድማ፡ ወደይቀሪብካባ ስዐመኒ በሎ

27. ቀሪቡ ሰዐሞጨና ኽዳኑ ኣጨንዩ ኸኣ፡ ከምዚ ኢሉ መረቖ፡ እንሆ፡ መኣዛ ወደይ ከም መኣዛ እታ እግዚኣብሄር ዝባረኻ ግራት እዩ።

28. ኣምላኽ ከኣ ካብ ኣውሊ ሰማይን ካብ ስብሒ ምድርን ብዙሕ ስርናይን ወይንን ይሀብካ

29. ህዝብታት ይገዝኡኻ፡ ህዝብታት ድማ ይስገዱልካጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፡ ደቂ እኖኻ ድማ ይስገዱልካ። ዚረግመካ ርጉምዚምርቐካ ድማ ምሩቕ ይኹን።

30. ኰነ ኸኣይስሃቅ ንያእቆብ ምርቓኡ ምስ ወድኤያእቆብ ድማ ካብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሃቅ ብኡብኡ ውጽእ ምስ በለኤሳው ሓዉ ኸኣ ካብ ሃድን ኣተወ

31. ንሱውን ጥዑም ብልዒ ኣዳልዩናብ ኣቦኡ ኣምጽኦነቦኡ ድማ፡ ኣቦየነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐንስተንስእ እሞ ካብቲ ሃድን ወድኻ ብላዕበሎ

32. ኣቦኡ ይስሃቅ ከኣ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኤሳው ቦዅሪ ወድኻ እየ፡ በለ

33. ሽዑ ይስሃቅ ኣዝዩ ብርቱዕ ስምባድ ሰምበደ እሞ፡ እቲ ሀዲኑስ ህዱን ዘምጽኣለይ፡ ኣነ ኸኣ፡ ገና ንስኻ ኸይመጻእካ፡ ካብ ኵሉ በሊዔ ዝመረቕክዎ ደኣ መን እዩ፧ ምሩቕ ድማ ኪኸውን እዩ፡ በለ

34. ኤሳው ዘረባ ኣቦኡ ምስ ሰምዔኣዝዩ ዓው ኢሉ መሪር ገዓር ገዐረነቦኡ ኸኣ፡ ኣቦየ፡ ንኣይ ድማ መርቐኒበሎ

35. ንሱ ድማ፡ ንምርቓኻስ ሓውካ ብተንኰል መጺኡ ወሲድዎበለ

36. ኤሳው ከኣ፥ ክልተ ሳዕ ጠቢሩኒብዅርናይ ወሰደ፡ ሕጂ ኸኣ እንሆምርቓይ ወሰደ። ስሙዶ ግዳ ያእቆብ ኣይኰነን፧ ንኣይከ ምርቓዶ ኣየትረፍካለይን ኢኻ፧ ድማ በሎ

37. ይስሃቅ ከኣ መሊሱ ንኤሳውእንሆጐይታኻ ገበርክዎ፡ ኵሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ግዙኣቱ ኪዀኑ ሀብክዎብስርናይን ወይንን ከኣ አጸጎኽዎሕጂ እሞ ወደይ፡ ንኣኻ እንታይ ክገብረልካ እየ፧ በሎ

38. ኤሳው ድማ ነቦኡ፥ ኣቦየ፡ ሓንቲ ምርቓ ጥራይዶ ዀይና ዘላትካ፧ ኣቦየ፡ ንኣይ ድማ መርቐኒ ደኣ፡ በሎ። ኤሳው ከኣ ዓው ኢሉ በኸየ

39. ይስሃቅ ኣቦኡ ድማ መሊሱ በሎእንሆ ንብረትካ ብስብሒ ምድርን ብናይ ላዕሊ ኣውሊ ሰማይን ኪኸውን እዩ።

40. ብሴፍካ ኽትምገብንሓውካ ድማ ኽትግዛኣ ኢኻ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ኰለል ምስ በልካኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽትሰብር ኢኻ።

41. ኤሳው ድማ፡ ብዛዕባቲ ኣቦኡ ዝሀቦ ምርቓንያእቆብ ጸልኦ። ኤሳው ከኣ ብልቡነቦይ እንሐዝነሉ ቕንያት ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንያእቆብ ሓወይ ክቐትሎ እየበለ

42. ንርብቃ ድማ ዘረባ ኤሳው ዓብዪ ወዳ ነገርዋ። ነቲ ንእሽቶ ወዳ ያእቆብ ከኣ ልኢኻ ጸዊዓእንሆ፡ ኤሳው ሓውካ ብኣኻ ኺድበስ ኢሉ ኪቐትለካ ይደሊ አሎ።

43. ሕጂ ኸኣ ወደይቃለይ ስማዕተንስእ እሞ ናብ ሓወይ ላባን፡ ናብ ካራን ህደም

44-45. ነድሪ ሓውካ ኽሳዕ ዚምለስኵራ ሓውካ ኻባኻ ተመሊሱእቲ ዝገበርካዮ ድማ ክሳዕ ዚርስዖገለ መዓልትታት ምስኡ ተቐመጥ። ሽዑ ልኢኸ ኻብኡ ኸምጽኣካ እየ። ስለምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝስእነኩም፧ በለቶ።

46. ርብቃ ኸኣ ንይስሃቅብምኽንያት ኣዋልድ ሔት ህይወተይ ደኸመትያእቆብ ድማ ካብ ኣዋልድ ሔት፡ ካብ ኣዋልድ እዛ ሃገር እዚኣ፡ ከምዚኣተን ዘመሰለት ሰበይቲ ዜእቱ እንተ ዀይኑኸ፡ ስለምንታይ ኣነ ብህይወት እነብር፧ በለቶ