1. ኣብርሃም ድማ መሊሱ ቄጡራ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ

2. ንሳ ኸኣ ንዚምራንን ዮቅሻንን ሜዳንን ሚድያንን ይሽባቅን ሹኣሕን ወለደትሉ

3. ዮቅሻን ድማ ንሸባን ዴዳንን ወለደደቂ ዴዳን ከኣ ኣሹሪምን ለጡሺምን ለኡሚምን እዮም።

4. ደቂ ሚድያን ድማ ኤፋን ኤፌርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዕን እዮም። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ቄጡራ እዮም።

5. ኣብርሃም ድማ ኵሉ ዘለዎ ንይስሃቅ ሀቦ

6. ነቶም ውሉድ ኣንስቲ ወሰኑ ንኣብርሃም ግና ኣብርሃም ህያባት ሂቡገና ብህይወቱ ኸሎ፡ ካብ ወዱ ይስሃቅ ንሸነኽ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ምድሪ ምብራቕ ሰደዶም

7. ኣብርሃም ዝነበሮ ዘመን ዓመታት ህይወቱ ኸኣ እዚ እዩ፡ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት

8. ኣብርሃም ድማ ጽቡቕ እርግና ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ ትንፋሱ ወጸት ሞተውንናብ ህዝቡ ኸኣ ተአከበ

9. ደቁ ይስሃቅን እስማኤልን ድማ ኣብታ ኣብ ግራት ኤፍሮን ወዲ ጾሓር ሔታዊኣብ መንጽር መምሬ ዘላ በዓቲ ማኽጴላ ቐበርዎ

10. ኣብታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ሔት እተሻየጣ ግራትኣብርሃምን ሰበይቱ ሳራን ኣብኣ ተቐብሩ

11. ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ኣምላኽ ባረኾ። ይስሃቅ ከኣ ኣብ ብኤር-ሓላይ-ሮይ ይቕመጥ ነበረ።

12. ውለዶ እስማኤል ወዲ ኣብርሃምኣጋር፡ እታ ግብጻዊት ግዝእቲ ሳራንኣብርሃም ዝወለደትሉ፡ እዚ እዩ፡

13. ስማት ደቂ እስማኤል በብስሞም ኣብ ወወለዶኦም እዚ እዩ፡ በዅሪ ወዲ እስማኤል ነባዮት፡ ድማ ቄዳርን ኣድብኤልን ሚብሳምን

14. ሚሽማዕን ዱማን ማሳን

15. ሓዳርን ቴማንየጡርናፊሽቄድማ ኸኣ።

16. እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም፡ እዚ ድማ እዩ ስሞም በብዓዶምበብሰፈሮምዓሰርተው ክልተ መሳፍንቲ ነንህዝቦም

17. ዓመታት ህይወት እስማኤል ድማ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ዓመት ኰነ። ትንፋሱ ወጸት እሞ ሞተናብ ህዝቡ ኸኣ ተአከበ

18. ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘሎ ሹር፡ በታ ንኣሶር እተእቱ፡ ሰፊሮም ነበሩ። ኣብ መንጽር ኵሎም ኣሕዋቱ ሰፈረ

19. ወለዶ ይስሃቅወዲ ኣብርሃም፡ ድማ እዚ እዩ፡ ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ

20. ይስሃቅ ድማ ንርብቃጓል ቤቱኤል እቲ ሶርያዊ በዓል ጳዳን-ኣራም፡ ሓብቲ ላባን እቲ ሶርያዊ፡ ንሰበይቱ ኼእትዋ ኸሎ፡ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ኰይኑ ነበረ።

21. ይስሃቅ ድማ፡ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ነበረት እሞ፡ ምእንትኣ ንእግዚኣብሄር ለመነእግዚኣብሄር ከኣ ተለመኖ፡ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት

22. እቶም ቈልዑ ኸኣ ኣብ ማሕጸና ይዳፋፍኡ ነበሩ። ሽዑ ንሳ፡ ከምዚ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ንምንታይ እነብር አሎኹ፧ በለትንእግዚኣብሄር ክትሓትት ድማ ኸደት

23. እግዚኣብሄር ከኣ በላ፡ ኣብ ማሕጸንኪ ኽልተ ህዝቢ አለዉ፡ ካብ ከርስኺውን ክልተ ህዝቢ ኺፋላለዩ እዮም። እቲ ሓደ ህዝቢ ኻብቲ ኻልኣይ ህዝቢ ኺብርትዕ እዩ። እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኺግዛእ እዩ።

24. ክትወልድ ኣዋርሓ ምስ በጽሔ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበሩ።

25. እቲ ቕድም ዝወጸ ቐይሕኵለንትናኡ ኸኣ ጸጕሪ ማቕ ዚመስል ነበረ። ስሙ ኸኣ ኤሳው ኣውጽኡሉ

26. ድሕርዚ ድማ ሓዉ ወጸኢዱ ኸኣ ኵርዅረ ኤሳው ሒዛ ነበረት፡ ስሙ ድማ ያእቆብ ተባህለ። ንሳ ኽትወልዶም ከላ ኸኣ፡ ይስሃቅ ወዲ ስሳ ዓመት ኰይኑ ነበረ።

27. እቶም ቈልዑ ድማ ዐበዩኤሳው ሃድን ዚፈልጥ ሰብኣይ መሮር ኰነ። ያእቆብ ከኣ ኣብ ድንኳን ዚነብር ህዱእ ሰብኣይ ኰነ።

28. ይስሃቅስጋ ሃድን መቂርዎ ነበረ እሞ፡ ንኤሳው ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈቱ ነበረት።

29. ያእቆብ ጸብሒ ኺሰርሕ ከሎ፡ ኤሳው ደኺሙ ኻብ መሮር አተወ

30. ሽዑ ኤሳው ንያእቆብደኺመ እየ እሞ፡ በጃኻ ካብዚ ቐይሕ ጸብሒ ኣብልዓኒበሎ። ስለዚ ስሙ ኤዶም ተባህለ

31. ያእቆብ ከኣ፡ ሎሚ ብዅርናኻ ሽጠለይበሎ

32. ኤሳው ድማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኽመውት ኢለ አሎኹ፡ እዛ ብዅርናኸ ንምንታይ እያ፧ በለ

33. ያእቆብ ከኣ፡ ሎሚ ምሓለለይበለ እሞ መሐለሉብዅርናኡውን ንያቆብ ሸጠሉ

34. ያእቆብ ድማ ንኤሳው እንጌራን ጸብሒ ብርስንን ገይሩ ሀቦ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን ተንስኤ ከደውን። ኤሳው ንብዅርናኡ ኸምዚ ገይሩ ነዐቓ