1. ኣብርሃም ድማ ካብኡ ንምድሪ ደቡብ ኣቢሉ ተጓዕዘ። ኣብ መንጎ ቃዴስን ሹርን ተቐመጠ፡ ኣብ ጌራር ከኣ ስደተኛ ዀይኑ ነበረ።

2. ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ሳራሓብተይ እያ፡ በለኣቢሜለክንጉስ ጌራር ከኣ፡ ልኢኹ ንሳራ ወሰዳ

3. ኣምላኽ ግና ናብ ኣቢሜለክ ለይቲ ብሕልሚ መጺኡ፡ እዛ ወሲድካያ ዘሎኻ ሰበይቲ በዓልቲ ሰብኣይ እያ እሞ፡ እንሆ፡ ብሰራ ኽትመውት ኢኻ፡ በሎ

4. ኣቢሜለክ ከኣ ኣይቀረባን ነበረ እሞ፥ ጐይታይንጻድቕ ህዝቢውንዶ ትቐትል ኢኻ፧

5. ባዕሉዶ ኣይኮነን፡ ንሳ ሓብተይ እያ፡ ዝበለኒ፧ ንሳ ባዕላ ድማ፡ ንሱ ሓወይ እዩ፡ በለት። ብጽጹይ ልበይን ብጽሩይ ኢደይን እየ ነዚ ዝገበርኩበለ

6. ኣምላኽ ከኣ ብሕልሚ፡ ኣነውን እዚ ብጽጹይ ልብኻ ከም ዝገበርካዮፈሊጠ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ከልከልኩኻ። ስለዚ ኽትትንክያ ኣይፈቐድኩልካን

7. ሕጂ ኸኣ ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ምለሳነብዪ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ኽትድሕን ከኣ ንሱ ይጸልየልካ። እንተ ዘይመለስካያ ግና፡ ንስኻን ናትካ ዘበለ ዅሉን ብርግጽ ከም እትመውት ፍለጥ፡ በሎ።

8. ኣቢሜለክ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤንዅሎም ገላውኡ ጸዊዑ እዚ ነገርዚ ዅሉ ኣዘንተወሎም። እቶም ሰባት ከኣ ኣዝዮም ፈርሁ

9. ኣቢሜለክ ከኣ ንኣብርሃም ጸዊዑ፡ እዚ ዝገበርካና እንታይ እዩ፧ ኣባይን ኣብ መንግስተይን ዓብዪ ሓጢኣት ዘምጻእካልና፡ እንታይ በዲለካ ነይረ እየ፧ ዘይግበር ግብሪ እንካ ደኣ ገበርካኒበሎ

10. ኣቢሜለክ ድማ ንኣብርሃምእንታይ ተራእዩካ ኢኻ እዚ ነገርዚ ዝገበርካበሎ

11. ኣብርሃም ከኣ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ብርግጽ ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ብምኽንያት ሰበይተይ ኪቐትሉኒ እዮም፡ ኢለ እየ።

12. ንሳ ድማ ብሓቂ ሓብተይ፡ ጓል ኣቦይ፡ እያ፡ ጓል ኣደይ ግና ኣይኰነትን፡ ሰበይተይ ከኣ ዀነት

13. ኰነ ድማ፡ ኣምላኽ ካብ ቤት ኣቦይ ምስ ኣውጽኣኒ፥ ኣብ ኵሉ ዝኣቶናዮ ቦታ ብዛዕባይ፥ ንሱ ሓወይ እዩ፡ ክትብሊ፡ እዚ እዩ እተርእይኒ ሞገስኪ፡ በልክዋበለ

14. ኣቢሜለክ ኣባጊዕን ኣሓን ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ወሲዱ ኸኣ ንኣብርሃም ሀቦሰበይቱ ሳራ ድማ መለሰሉ

15. ኣቢሜለክ ከኣ፥ እንሆ ምድረይ ኣብ ቅድሜኻ እያ፡ ኣብ ዝሓይሽ መሲሉ እተራእየካ ተቐመጥበለ

16. ንሳራ ድማ፡ እንሆንሓውኪ ሽሕ ሲቃል ብሩር ሂበዮ አሎኹ። እንሆ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኺ ዘለዉ ዅሎም መጐልበቢ ዓይኒ ይኹንኪ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉውን ተሰይምኪ፡ በላ

17-18. እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሳራሰበይቲ ኣብርሃም፡ ኢሉ ኣብ ቤት ኣቢሜለክ ንዝነበረ ዅሉ ማህጸን ፈጺሙ ዐጽይዎ ነበረ እሞ፡ ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ ለመነኣምላኽውን ንኣቢሜለክን ንሰበይቱን ኣግራዱን ኣሕወየወለዱ ኸኣ።