1. እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምሸት ናብ ሶዶም መጹሎጥ ከኣ ኣብ ደገ ሶዶም ተቐሚጡ ነበረ። ሎጥ ድማ ምስ ረኣዮም፡ ኪቕበሎም ተንስኤብገጹ ኸኣ ናብ ምድሪ ተደፍኤ እሞ፡

2. ኣቱም ጐይተተይ፡ በጃኹም እንሆ፡ ኣብ ቤት ባርያኹም ኣግልሱ፡ ኣብኣ ድማ ሕደሩኣእጋርኩምውን ተሓጸቡኣንጊህኩም ተንሲእኩም ከኣ መገድኹም ትኸዱበለ። ንሳቶም ግና፥ ኣይፋልናን፡ ኣብ ኣደባባይ ደኣ ንሓድር፡ በሉ

3. ንሱ ኸኣ ኣዝዩ ግዲ በሎም እሞ ናብኡ ኣግሊሶም ናብ ቤቱ ኣተዉ። ንሱ ድማ ቅጫ ሰንኪቱ መኣዲ ኣዳለወሎምንሳቶምውን በልዑ

4. ገና ኸይደቀሱ ኸለዉ ድማ፡ ሰብ እታ ኸተማሰብ ሶዶምኣጒባዝን ኣረገውትን፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኻብ ኲሉ ሸነኽ መጺኡ፡ ነታ ቤት ከበባ

5. ንሎጥ ጸዊዖም ከኣ፥ እዞም ብለይቲ ናባኻ ዝኣተዉ ሰባት ኣበይ አለዉ፧ ምእንቲ ኽንፈልጦምሲ፡ ናባና ኣውጽኣዮምበልዎ

6. ሎጥ ድማ ናባታቶም ናብ ኣፍደገ ወጸ፡ ነቲ ማዕጾውን ብድሕሪኡ ዐጸዎ

7. በሎም ከኣ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ኣይትግበሩ

8. እነዋሰብኣይ ዘይፈለጣ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኒ፡ በጃኹም ሕደጉ፡ ንኣታተን ከውጽኣልኩም፡ ባህ ዝበለኩም ግበርወን። እዞም ሰባት እዚኦም ግና ኣብ ጽላል ናሕሰይ ኣትዮም እዮም እሞ፡ ገለ እኳ ኣይትግበርዎም

9. ንሳቶም ግና፡ ኣልግስንየው በልበሉ። ድማ፡ እዚ ሓደ ስደተኛ ዀይኑ ዝመጸስ ዳኛ ዀይኑ ኺፈርድ ይደሊ አሎ፡ ሕጂ ግና ካብ ንኣታቶም ዝገደደ ኸነኽፍኣልካ ኢና፡ በሉ። ነቲ ሰብኣይንሎጥ፡ ብሓይሊ ጐነጽዎ፡ ማዕጾ ኺሰብሩ ድማ ቐረቡ

10. ሽዑ እቶም ሰባት ኣእዳዎም ኣስሊኾምንሎጥ ናባታቶም ናብ ቤት ኣእተዉዎ፡ ነቲ ማዕጾ ድማ ዓጸዉዎ።

11. ነቶም ኣብ ኣፍ ቤት ዝነበሩ ሰባት፡ ካብ ናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲኣዖርዎም እሞ ነቲ ኣፍ ደገ ኺረኽቡ ይደኽሙ ነበሩ።

12. እቶም ሰብ ድማ ንሎጥኣብዚ ገና ኻብ ናትካዶ አሎካ፧ ሰብኣይ ጓልን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብዛ ኸተማ ዘሎ ናትካ ዘበለ ዂሉን ካብዛ ቦታ እዚኣ ኣውጽኣዮም

13. ነዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ፡ ጭራሕ ምራሖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዩ ስለ ዝዀነ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ከነጥፍኣ ልኢኹና እዩ እሞ፡ ንሕና ኸነጥፍኣ ኢና፡ በልዎ።

14. ሎጥ ድማ ወጺኡ ነቶም ነዋልዱ ዘእተዉ ሰብኡት ኣዋልዱ እግዚኣብሄር ነዛ ከተማ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፡ ተንስኡ፡ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውጹ፡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብኡት ኣዋልዱ ግና ይዋዘ ኸም ዘሎ መሲሉ ተራእዮም።

15. ቀይሔጸሊም ኺቐድድ ከሎ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ንሎጥብዓመጽ እዛ ኸተማ ኸይትጠፍእሲሰበይትኻን እዘን ኣብዚ ዘለዋ ኽልተ ኣዋልድካን ተማሊእካ ተለዓልኢሎም ሀወኽዎ

16. ንሱ ግና ደንጐየእግዚኣብሄር ኪንሕፎ ስለ ዝደለየ፡ እቶም ሰባት ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲኤን ኣዋልዱን ሒዞም ኣውጽእዎ፡ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ድማ ሓደግዎ

17. ኰነ ኸኣ፡ ናብ ወጻኢ ምስ ኣውጽእዎም፡ ነፍስኻ ኣድሕንንድሕሪት ገጽካ ግልጽ ኣይትበል፡ ኣብ ብዘሎ እዚ ጐልጐል ድማ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ ናብ ከረን ኣቢልካ ድሓንበለ

18. ሎጥ ግና፡ ኣይፋልካን ጐይታይ፡

19. እንሆ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ረኺቡ አሎ፡ ንነፍሰይ ብምድሓንካ ዝገበርካለይ ምሕረትካ ድማ ኣዕቤኻዮ። ኣነ ግና፡ እቲ ኽፉእ ከየርክበንን ከይመውትን፡ ናብ ከረን በጺሔ ኽድሕን ኣይክእልን እየ።

20. በጃኻ እንሃ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብኣ ንምህዳም ቀረባ እያ፡ ንእሽቶ ኸኣ እያ። ንእሽቶዶ ኣይኰነትን፧ እሞ ነፍሰይ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርሲ፡ በጃኻ፡ ናብኣ ኽድሕን ሕደገኒ፡ በሎም።

21. ንሱ ድማ፡ ነታ እተዛረብካላ ኸተማ ኸይግልብጣስ፡ እንሆ፡ በዚ ነገርዚውን ሕራይ ኢለካ እየ።

22. ኣብኣ ኸይበጻሕካገለ ነገር ክገብር ኣይክእልን እየ እሞ፡ ቀልጢፍካ ናብኣ ድሓን፡ በሎ። ስለዚ ስም እታ ኸተማ ዞኣር ተባህለት

23. ሎጥ ኣብ ዞኣር ምስ ኣተወ ድማ፡ ኣብታ ምድሪ ጸሓይ በረቐት

24. ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ኣብ ልዕሊ ጎሞራን ካብ እግዚኣብሄር ዲንን ሓውን ኣዝነመ

25. ነዘን ከተማታት እዚኤንን ንዂሉ ጐልጐልን ኣብተን ከተማታት ንዚነብሩ ዂሎምን ንብቝሊ ምድርን ገልበጠ

26. ሰበይቲ ሎጥ ግና ንድሕሪት ክትርኢ ግልጽ በለት፡ ሓወልቲ ጨው ከኣ ዀነት።

27. ኣብርሃም ድማ ንጽብሒቱ ናብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉላ ዝነበረ ቦታ ኣንግሄ

28. ናብ ሶዶምን ጎሞራን ናብ ብዘላ ምድሪ ጐልጐልን ኣማዕደወእንሆ ኸኣ፡ ካብታ ሃገርትኪ እቶን ዚመስል፡ ትኪ ኺለዐል ረአየ።

29. ከምዚ ኸኣ ዀነ፡ ኣምላኽ ነተን ኣብ ጐልጐል ዝነበራ ኸተማታት ኬጥፍእ ከሎ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘከሮ። ነተን ሎጥ ተቐሚጥወን ዝነበረ ኸተማታት ኪግልብጥ ከሎ፡ ንሎጥ ካብ ማእከል ምግልባጥ ኣውጽኦ።

30. ሎጥ ከኣ ኣብ ዞኣር ንምቕማጥ ፈሪሁ ነበረ እሞ፡ ኣብ ዞኣር ደይቡክልቲኤን ኣዋልዱ ድማ ምስኡ ኣብ ከረን ተቐመጡንሱን ክልቲኤን ኣዋልዱን ኣብ በዓቲ ተቐመጡ።

31. እታ ቦዂሪ ኸኣ ነታ ንእሽቶኣቦና ኣሪጉ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ድማ ከም ልማድ ኵሉ ምድሪ ዜእትወና ሰብኣይ የልቦን።

32. ንዒነቦና ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍሲ ምስኡ ንደቅስ፡ በለታ።

33. እሞ በታ ለይቲ እቲኣ ነቦኤን ወይኒ እስተያኦ፡ እታ በዂሪ ድማ ኣትያ ምስ ኣቦኣ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን

34. ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ እታ በዅሪ ነታ ንእሽቶእንሆትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍ፡ ንስኺ ድማ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲበለታ

35. በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ነቦኤን ወይኒ ኣስተያኦእታ ንእሽቶ ኸኣ ከይዳ ምስኡ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን።

36. ክልቲኤን ደቂ ሎጥ ከኣ ካብ ኣቦኤን ጠነሳ

37. እታ በዅሪ ወዲ ወለደትስሙ ኸኣ ሞኣብ ኣውጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ሞኣባውያን እዩ።

38. እታ ንእሽቶ፡ ንሳ ድማ ወዲ ወለደትስሙ ብንዓሚ ኣጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ደቂ ዓሞን እዩ።