1. ሳራይሰበይቲ ኣብራም ከኣ ውሉድ ኣይወለደትሉን ነበረት። ኣጋር እትብሀል ግብጻዊት ግዝእቲ ድማ ነበረታ።

2. ሳራይ ከኣ ንኣብራምእንሆ፡ ኣነ ኸይወልድ እግዚኣብሄር ዓጽዩኒ እዩ፡ ምናልባሽ ብእኣ እንተ ተፋሬኹ፡ በጃኻ ናብዛ ግዝእተይ እቶ፡ በለቶ። ኣብራም ድማ ንቓል ሳራይ ሰምዔ

3. ኣብራም ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዓሰርተ ዓመት ምስ ገበረሳራይሰበይቲ ኣብራም፡ ነታ ግብጻዊት ግዝእታ ኣጋር ወሲዳ ንኣብራም ሰብኣያሰበይቱ ኽትከውን ሀበቶ

4. ንሱ ድማ ናብ ኣጋር ኣተወንሳ ኸኣ ጠነሰትከም ዝጠነሰት ምስ ረአየትንእመቤታ ኣቃለለታ

5. ሳራይ ድማ ንኣብራም፡ እዚ ዝዕገቦ ዘለኹ ናብ ልዕሌኻ ይውረድ። ኣነ ግዝእተይ ኣብ ሕቝፍኻ ሀብኩኻከም ዝጠነሰት ምስ ረአየት ከኣ ኣቃለለትኒእግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድበለቶ

6. ኣብራም ድማ ንሳራይ፡ እንሃ፡ ግዝእትኺ ኣብ ኢድኪ እያ፡ ጽቡቕ ኰይኑ ኸም እተራእየኪ ግበርያበላ። ሽዑ ሳራይ ኣዋረደታ፡ ንሳ ኸኣ ካብ ቅድሚኣ ሀደመት

7. መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ሹር ኣብ ዘሎ ዓይኒ ረኸባ

8. ንሱ ድማ፡ ኣቲ ኣጋርግዝእቲ ሳራይካበይ መጺእኪ፡ ናበይሲ ትኸዲ አሎኺ፧ በላ። ንሳ ኸኣ፤ ኣነ ኻብ ቅድሚ እመቤተይ ሳራይ እሀድም አሎኹ፡ በለት

9. እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ናብ እመቤትኪ ተመለሲ፡ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ድማ ትሕት በሊበላ

10. እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንዘርእኺ ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ኪቝጸር ክሳዕ ዘይክኣልኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ በላ

11. እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆጥንስቲ ኢኺ ወዲ ኸኣ ክትወልዲ ኢኺ፡ እግዚኣብሄር መከራኺ ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ስሙ እስማኤል ኣውጽእሉ።

12. ንሱ ኣብ መንጎ ሰብ ከም ኣድጊ በረኻ ኪኸውን እዩ፡ ኢዱ ናብ ልዕሊ ዅሉ፡ ኢድ ኵሉ ድማ ናብ ልዕሊኡ ኽትከውን እያ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ኪነብር እዩ፡ በለ።

13. ንሳ ድማ፡ ነቲ ዚርእየንስ ኣብዚዶ ርእየዮ እየ፧ ኢላስም እቲ ንእኣ እተዛረበ እግዚኣብሄር፡ ኣታ ዚርኢ ኣምላኽ፡ ኢላ ኣውጽኣትሉ

14. ስለዚ እቲ ዔላ ብኤር-ለሓይ-ሮይ ተባህለ። ንሱ እንሆ፡ ኣብ መንጎ ቃዴስን ባሬድን አሎ።

15. ኣጋር ከኣ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ። ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ እስማኤል ኣውጽኣሉ

16. በቲ ኣጋር ንኣብራም እስማኤል ዝወለደትሉ ጊዜ ድማ ኣብራም ወዲ ሰማንያን ሹድሽተን ዓመት ኰይኑ ነበረ።