1. ድሕርዚ ነገርዚ ቓል እግዚኣብሄር ብራእይ ከምዚ ኢሉ ናብ ኣብራም መጸ፡ ኣብራም፡ ኣይትፍራህዋልታኻ ኣነ እየ፡ ዓስብኻ ኣዝዩ ኺበዝሕ እዩ።

2. ኣብራም ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ኣነ ውሉድ ዜብለይ እኸይድ አሎኹ፡ ወራስ ቤተይ ዚኸውን ድማ ንሱ ኣልኣዛርበዓል ደማስቆ፡ እዩ፡ እንታይሞ ኽትህበኒ ኢኻ፧ በለ

3. ኣብራም ከኣ፡ ገለ ዘርኢ ኣይሀብካንን፡ እንሆ ድማ ሓደ ኣብ ቤተይ እተወልደ ኺወርሰኒ እዩ፡ በለ

4. እንሆ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ናብኡ መጸኣይፋሉን፡ ካብ ከስዔኻ ዝወጸ እዩ ዚወርሰካ እምበር፡ እዝስ ኣይወርሰካን እዩ

5. ንግዳም ኣውጺኡ ድማ፡ ንሰማይ ጠምትምቝጻሮም እትኽእል እንተዄንካ፡ ከዋኽብቲ ቝጸር፡ በሎ። ዘርእኻውን ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ በሎ

6. ብእግዚኣብሄር ከኣ ኣመነ፡ ንሱ ድማ ንጽድቂ ቘጸረሉ

7. ድማ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንርስቲ ኽህበካ ኢለ ኻብ ኡር ከለዳውያን ዘውጻእኩኻ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ በሎ

8. ንሱ ኸኣ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝርስተያ ብምንታይ ክፈልጥ እየ፧ በሎ

9. ንሱ ድማ፡ ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ኣርሕን ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ድዑልን ምስ እዚ ኸኣ ባሬቶን ርግብን ኣምጽኣለይ፡ በሎ

10. ነዚ ዅሉ ኣምጺኡ ድማ ኣብ ፈፍርቂ ቘረጾነቲ ፈፍርቂ ኸኣ ንሓድሕዱ ኣመናጺሩ ኣቐመጦ፡ ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይቈረጸንን።

11. ናብቲ ስጋ ድማ ኣሞራታት ወረዱ፡ ኣብራም ግና ይሰጎም ነበረ

12. ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ድማ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወደቖ። እንሆ ኸኣ ናይ ብርቱዕ ጸልማት ስምባድ ወደቖ።

13. ንኣብራም ድማ በሎንዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮም ስደተኛታት ኰይኖም ከም ዝገዝእዎምኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ድማ ከም ዜጨንቕዎም፡ ኣርጊጽካ ፍለጥ

14. ነቲ ዚግዝእዎ ህዝቢ ድማ ኣነ ክፈርዶ እየ። ድሕርቲ ንሳቶም ብዙሕ ገንዘብ ሒዞም ኪወጹ እዮም።

15. ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ፡ ብጽቡቕ እርጋን ድማ ክትቅበር ኢኻ።

16. ዓመጽ ኣሞራውያን ገና ኽሳዕ ሕጂ ኣይመልኤን እሞ፡ ኣብ ራብዓይ ወለዶ ናብዚ ኺምለሱ እዮም።

17. ኰነ ድማ፡ ጸሓይ ምስ ዐረበትግብ ዝበለ ጸልማት ከኣ ምስ ኰነ፡ እንሆ ድማ ዚተክኽ እቶንን ሃልሃልታ ሓውን ብመንጎ እቲ ቘረርጽ ሐለፈ

18. በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወእዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ርባ ግብጺ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ እቲ ርባ ኤፍራጥስ

19. ምድሪ ቄኔውያንን ቄኔዛውያንን ቃድሞናውያንን

20. ሂታውያንን ፈረዛውያንን ሬፋውያንን

21. ኣሞራውያንንከነኣናውያንን ጊርጋሳውያንን ይቡሳውያንን ንዘርእኻ ክህቦ እየ።