1. ምድሪ ብዘላ ብሓደ ቛንቋን ብሓደ ንግግርን ነበረት

2. ኰነ ድማ፡ ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጓዕዙኣብ ምድሪ ሲነኣር ጐልጐል ረኸቡኣብኡ ድማ ተቐመጡ

3. ንሓድሕዶም ድማ፤ ክላ ግዳጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ንድፈኖተባሃሀሉ፡ እሞ ጡብ ኣብ ክንዲ እምኒጸብሪ ኸኣ ኣብ ክንዲ ኖራ ዀነሎም

4. ሽዑ ድማ፡ ክላ ግዳኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ፋሕ ከይንብልሲከተማን ርእሱ ሰማይ ዝጥንቍር ግምብን ንስራሕስምና ኸኣ ነጸውዕበሉ

5. እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ደቂ ሰብ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግምብን ኪርኢ ወረደ

6. እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ኵላቶም ሓደ ዝዘረባኦም ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀመርታ ግብሮም ከኣ እዚ እዩ። ሕጂ ድማ ኪገብርዎ ኢሎም ዚህቅንዎ ዘበለ ዚኽልክሎም የልቦን

7. እምበኣር ማንም ንዘረባ ብጻዩ ምእንቲ ኸይሰምዕሲንዑ ንውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ዘረባኦም ንደባልቕ፡ በለ።

8. እግዚኣብሄር ድማ ካብኡ ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎምምስራሕ እታ ኸተማ ኸኣ ገደፉ

9. እግዚኣብሄር ኣብኣ ቛንቋ ዅላ ምድሪ ፋሕፋሕ ስለ ዘበለ፡ ስም እታ ኸተማ ባቤል ተባህለ፡ ካብኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ በተኖም

10. ወለዶ ሴም እዚ እዩ፡ ሴም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኰነ፡ ክልተ ዓመት ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኸኣ ንኣርፋክሳድ ወለደ

11. ሴም ድማ ድሕርቲ ንኣርፋክሳድ ምስ ወለደሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ

12. ኣርፋክሳድ ድማ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ገበረንሻላሕ ከኣ ወለደ

13. ኣርፋክሳድውን ንሸላሕ ምስ ወለደድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰለስተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ።

14. ሸላሕ ከኣ ሰላሳ ዓመት ገበረንዔበር ወለደ

15. ሸላሕ ንዔበር ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡኣርባዕተ ሚእትን ሰለስተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

16. ዔበር ድማ ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመት ገበረንፌለግ ከኣ ወለደ

17. ዔበር ንፌሌግ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ።

18. ፌሌግ ከኣ ሰላሳ ዓመት ገበረንረጉ ወለደ

19. ፌሌግ ንረጉ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ክልተ ሚእትን ትሽዓተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

20. ረጉ ድማ ሰላሳን ክልተን ዓመት ገበረንሴሩግ ከኣ ወለደ

21. ረጉ ንሴሩግ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ክልተ ሚእትን ሾብዓተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

22. ሴሩግ ድማ ሰላሳ ዓመት ገበረንናሆር ከኣ ወለደ

23. ሴሩግ ንናሆር ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ክልተ ምእቲ ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

24. ናሆር ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገበረንታራ ኸኣ ወለደ

25. ናሆር ንታራ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ሚእትን ዓሰርተው ትሽዓተን ዓመት ገበረኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

26. ታራ ድማ ሰብዓ ዓመት ገበረንኣብራምን ንናሆርን ንሃራን ወለደ

27. ወለዶ ታራ ኸኣ እዚ እዩ፤ ታራ ንኣብራምን ንናሆርን ንሃራንን ወለደሃራን ድማ ንሎጥ ወለደ

28. ሃራን ከኣ ኣብ ኡር ናይ ከለዳውያን ኣብታ እተወልደላ ምድሪ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ታራ ሞተ

29. ኣብራምን ናሆርን ድማ ኣንስቲ ኣእተዉስም ሰበይቲ ኣብራም ሳራይ እዩ፡ ስም ሰበይቲ ናሆር ድማ ሚልካጓል ሃራን፡ ኣቦ ሚልካን ኣቦ ዪስካን እዩ።

30. ሳራይ ከኣ መኻን ነበረት እሞ ውሉድ ኣይነበራን

31. ታራ ድማ ንኣብራም ወዱንንሎጥ ወዲ ሃራን ወዲ ወዱን፡ ንሳራይ ከኣ ሰበይቲ ወዱ፡ ሰበይቲ ኣብራም ወዱ ወሰደ፡ ካብ ኡር ናይ ከለዳውያን ናብ ምድሪ ከነኣን ኪኸዱ ብሓደ ወጹ። ናብ ካራን ድማ መጹ፡ ኣብኣ ኸኣ ተቐመጡ

32. ዕድመ ታራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ታራ ኸኣ ኣብ ካራን ሞተ