ይበልጽ...

Posted on 2012-05-22 · 1409 · 0 · 1

32 resources uploaded

ካብ ዘረባ: ግብሪ ይበልጽ
ካብ ጽሕፈት: ስእሊ ይበልጽ
ካብ ነይሩኒ: ኣለኒ ይበልጽ
ካብ ሕልሚ: ጋህዲ ይበልጽ
ካብ ጽልኢ: ፍቕሪ ይበልጽ
ካብ ቅንኢ: ዓያዪ ምዃን ይበልጽ

ካብ ተቐባሊ: ወሃቢ ምዃን ይበልጽ
ካብ ወዳሲ: ቅኑዕ ገሳጺ ምዃን ይበልጽ
ካብ ኣቀባጥሪ: መዓዲ ምዃን ይበልጽ
ካብ ተበላጺ: ሓላዪ ምዃን ይበልጽ
ካብ መውረዪ: ተዓዛቢ ምዃን ይበልጽ
ካብ ኮራዪ: በዓል ዓቕሊ ምዃን ይበልጽ

ካብ ተኻታዒ: ሰማዒ ምዃን ይበልጽ
ካብ ጉርሒ: ቅኑዕ ልቢ ምህላው ይበልጽ
ካብ ጎያዪ: መስተውዓሊ ምዃን ይበልጽ
ካብ ተጠራጣሪ: ኣማኒ ምዃን ይበልጽ
ካብ ደጋፊ (ቲፎዞ): ተሳታፊ ምዃን ይበልጽ
ካብ ታሪኽ ፈላጢ: ሰዓቢ ኣምላኽ ምዃን ይበልጽ

1 comments

ካብ ኩለን ግጥሚ እዚ ይበልጽ
Other Poem