መብጽዓ

Posted on 2016-03-20 · 886 · 0 · 0

32 resources uploaded

ዓመተ 2015'ንካ ሓለፈት ቦታኣ 'ረኪባ
2016 ውን ደበኽ በለት ኣዋርሕ ደቃ 'ኸቲላ
ዓመት መጸ እንዶ ኾይኑ መብጽዓ
ነፍሰይ ቃላት ኣጻዕጺዓ
ብዙሕ 'ያ ተወጺዓ
እናስተንፈሰት እንቃዓ
መዓስ 'ሞ ኣቋሪጻ መብጽዓ
ብሓለንጊ ጥበራ ተቐጺዓ
ክንደይ ምቕያር ቑጽሪ ኣጣቒዓ
ክረምታ ይበዝሕ ኣየርከበን 'ቲ ቐውዓ
ሎምስ ይኣክል ዝሓለፈቶ ወጽዓ
ናብ ላዕላይ ሰማይ ስልኪ ወቒዓ
ኣምላኽ ክረድኣ ተጣሪዓ
ብበረኸት ሰማይ ጽድቂ ደሪዓ
ዝሕሻ ፈሊጣ ንጎይታ ገይራቶ'ላ ጸግዓ

 . . . . . . . . . . . * * * . . . . . . .
"ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መብጽዓ ምስ ተማባጻዕካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዛዕባኡ ካባኻ ጸብጻብ ኪደሊ እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ከይዀነካ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ።"(ዘዳ. 23: 21):
"ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ መብጽዓይ ሰሚዕካ፣ ስምካ ንዚፈርሁ ርስቲ ትህቦም ኣሎኻ እሞ፣ ኣብ ድንኳንካ ንሓዋሩ ኽነብር እየ፣ ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ኤዕቊብ ኣሎኹ።"(መዝ. 61: 4-5):
"መስዋእቲ ምሕራር ሒዘ ናብ ቤትካ ኽአቱ፣ እቲ ኸናፍረይ እተዛረቦ፣ ጸቢቡኒ ኸሎኹ ኣፈይ ዝበሎ መብጽዓታተይ ንኣኻ ኽፍጽሞ እየ።"(መዝ. 66: 13-14)

0 comments
Other Poem