እቲ ምስኪን

Posted on 2016-11-21 · 1693 · 1 · 2

32 resources uploaded

እቲ ንዋይ ኣልቦ ምስኪን ፍጥረት
ብልቢ ተረዲእዎ ጥቕሚ ሕውነት
እንተ ዘየውስአ'ኳ ድምጺ ቓላት
ብተስፋ ግን የቋምት ነታ ቤት
ከርሱ ብጥሙዩ ተገሪፉ ብቑሪ
ገለ እንተ ረኸበ ተዃቢ ጠዋሪ
ቕርብ ምስ በለ ናብቲ ንእኡ መሳሊ
ቑራስ ግን ኣይረኸበን ኣይጸንሖን ዝሓሊ
እቲ ደንጋጽ-ፍጡር ካብ ኮነ ከም ከውሒ
ምቕራብ ካብ ኸልኦ ብናይ ዓይኑ ገንሒ
ብጻይ ምስ ሰኣነ ብፍቕሪ ዝኣሊ
እቲ ምስኪንሲ ለሚድዎ ንጥሜት ንቑሪ
ጽላል እንተ ኾኖ ካብቲ ቐዝሒ ኣውሊ
ጎኑ ተጎዝጒዙ እንተ ኸኣሎ ነቲ ቑሪ
ጽግዕ'ዩ ዝበለ ናብቲ መኸወሊ
ካብ ሰብ ይሓይሽ ኢልዎ ነቲ ግኡዝ እምኒ።
----- **** -----
"ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ።" (1ጴጥ 2፡ 17)
"ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧ ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር።"(1 ዮሃ 3፡17-18)
"ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕም፧"(ያእ 2፡15-16)

2 comments

ኣሜን። ኣምላኽ ይባርኽካ!

· 2016-11-22
ኣምላኽ ይባርኽካ ሓወይ።
Other Poem