ሓቀኛ መፍቀሪ

Posted on 2013-10-29 · 1148 · 0 · 0

3 resources uploaded

ኩሉ ግዜ ቀረባይ
ዘይርሕቅ ካብ ጥቓይ
ናይ ሓቂ መፍቀሪ
መሓዛ ንልበይ!

የሱስ!!!

ዝማርኽ ንውኖይ
ናይ ፍቕሪ ልሳኑ፤
ዘቕንዕ መገደይ
'ቲ ምኽሩ ተግሳጹ፤
ዝመልእ የዒንተይ
ጽባቐ ትርኢቱ!

የሱስ!!!

ዝዓቁር ምስጢረይ
ዘይብትን ዘይዞሩ
ዘድምጽ ሕሹኽታይ
ዘቕርበኒ ኣብ ጎድኑ
ኩሉ ግዜ ቀረባይ
ዘይርሕቕ ካብ ጥቓይ
ሓቀኛ መፍቀሪ
ክንደይ ከገርም 'ዩ!!!!


ዘመነይ ብምልኡ
ዘይኸፍሎ ዕዳ
መጺኡ ከፊሉለይ
ብናይ ሂወቱ ዋጋ
ናይ ሓቂ መፍቀሪ
ክንደይ ከገርም 'ዩ
የብሉን መሳሊ
ብሓቂ መንክር'ዩ!

የሱስ!!!

ኣየ ለውሃት ፍቕሪ
'ቲ ምሕረት ትዕግስቲ
ናይዚ ፈታውየይ
ፈጺሙ ገሪሙኒ!
ክሰፍሕ መንኩቡ
ክጸውር ክሽከም
ክበዝሕ ምሕረቱ
ብኣይ ዘይሕለል
ናይ ሓቂ መፍቀሪ
ክንደይ ከገርም'ዩ
የብሉን መሳሊ
ብሓቂ መንክር 'ዩ!!!

የሱስ!!!

ተጻረርተይ ሪኦም
ንዕቤት ግርማኡ
እንዳ ኣንቀትቀጡ
ክሰግዱ ኣብ ቅድሚኡ፤
ንዓይ ግን ኮይኑኒ
ናይ ልበይ ቀራቢ
ብፍቅሪ ዝፈርሆ
ፈትየ 'ውን ዘምልኾ
ናይ ሓቂ ፈታዊ!

የሱስ!!!!

0 comments
Other Poem