ልበይ ኣንቅዶ

Posted on 2015-09-27 · 1186 · 4 · 0

32 resources uploaded

ጎይታየ!
ዕሽነት ንልበይ ተቛራንዩ
እግረይ ኸይዕንቀፍ ሓሳበይ ዒሩ
ብርሃን ህይወት የድልየኒ’ሎ
‘ዒንቲ ልቦናይ ዝኸፍት ዘብርሆ
ጉዕዞ ሃሳሰ-ለባም ከይኸውን ዝኸዶ
ኣሰር እግርኻ ኸይስእኖ ኸይስሕቶ
መገዲ ጽድቅኻ ደልዲለ ኽረግጾ
ብኹሉ ኽጥንቀቕ ንልበይ መዓዶ

ጎይታየ!
ክኸውን ደልየ ፍቕርኻ ዝገዶ
ብናፍቕት ቓልካ ውሽጡ ዝነዶ
ቐኒዑ ዝኸይድ ሓዲጉ ጎቦ-ጎቦ
ቐንጢጡ ደርብዩ ናይ ሓጢኣት ድርዕቶ
ኽስዕብ ኽጎዪ ደድሕሬኻ ስሓቦ
ፍቓድካ ኽፍጽምሲ ልበይ ኣንቅዶ!

"ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፣ ንገጸይ ድለይዎ ይብለኒ ኣሎ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ።" (መዝ 27፡8)

0 comments
Other Poem