ድሕሪ 'ታ ጸላም ለይቲ

Posted on 2016-03-20 · 1116 · 0 · 0

32 resources uploaded

እቲ ብርቱዕ ጸላም ገዛኢ 'ታ ለይቲ
ዝሓልፍ ዘይመስል ገቢቱ ሕዛእቲ
ድምቀቱ ዘባህርር ፈጣሪ ራዕዲ
ድቃስ ዝኸልኣካ ኣበርቲዑ ጸቕጢ
ብርሃን ምስ ዝቕልቀል ግን ኣይኮነን ቐዋሚ
ኢዱ 'ዩ ዝህብ 'ቲ ሕሱም ጨቋኒ
ብጊሓት ይወጽእ ሓዲጉ ሕዛእቲ
ዓብዪ ብርሃን ይገዝእ ተገሊሁ 'ቲ ለይቲ
ሃዲእካ ምንባር'ዩ ብዘይ ዓንቃፊ ኸታሪ
ኩሉ ጋህዲ'ዩ ኣብቲ ብርሃን ቐትሪ
ብልቢ እንተሒዝካዮ ነቲ ብዓል ሓቂ
ብርግጽ! መዓልቲ 'ሎ ድሕሪ 'ታ ጸላም ለይቲ

. . . . .. . . . . * * * . . . . . . . . . .

"ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሓዞን።"(ወ. ዮሐንስ 1: 5)
"ሽዑ የሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም።"(ወ. ዮሐንስ 8 :12)
"እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺኤ አሎኹ።"(ወ. ዮሐንስ 12 :46)
"ግናኸ እቲ ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ ነቲ ብዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝሀበና፡ ንፈልጥ ኢና፡ ንሕና ኣብቲ ብዓል ሓቂ፡ ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኢና ዘሎና። እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ።"(1ይ ዮሐንስ 5 :20)
"ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ።"(ሮሜ 13 :12)

0 comments
Other Poem