ጊዜ

Posted on 2022-08-26 · 518 · 1 · 0

122 resources uploaded

ጊዜ ማዕጣጥ'ዩ ንተጸባዪ
ጊዜ ህዉኽ'ዩ ንደንጓዪ
ጊዜ መዋእል'ዩ ኣብ ሓዘንካ
ግዜ ካልኢት'ዩ ኣብ ሓጎስካ
ጊዜ ከዳዕ'ዩ ምስ'ትደልዮ
ጊዜ ርኹብ'ዩ ምስ'ትዘርዎ

እቲ ሓቂ ግን...
ጊዜስ ጊዜ'ዩ
ፍጥነቱ ዝሕሉ ዘይቅይር ንውሓቱ
ወትሩ እሙን'ዩ ንዘስተውዓለሉ!

"እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ።" ኤፌ.5:15-16

0 comments
Other Poem