ኣዋጅ በሪኽ

Posted on 2012-01-07 · 1158 · 0 · 3

4 resources uploaded

ከም ዋዛ ዋዛ
ከም ጸወታ ህጻን ዚመስል ዕሽነት
ጉዕዞ ጀሚረ ክምለስ ዓንዲረ
እወ፣ ጉዕዞ ጀሚረ ክምለስ በጺሐ
ጎየ ዘሊለ፣ መሳቶይ መሲለ
ቀልበይ ዚምስጥ
ኮነኒ’ቲ ኣንፈት
ሓድሽ ለውጢ ህይወት
ካብ ተሞክሮ ዚፍጠር ገድለ ዕግበት

ኣብቲ ግኑን ግርማ
መቕደስ ህልውና
ውኖ ዚምስጥ ናይ ክብሪ ደበና
ብሱራፌል እተኸበ
ሰፈር ኪሩቤል ህላወ ልዑል
ኣብቲ ዙፋን ሓቂ ቅንዕና
ብርሃን ኣሎ ካብ ጸሓይ ዚደምቕ
ረቂቕ ዘይረአ ታቦት መንፈስ
መቕደስ እግዚኣብሄር።

ኣቤት እቲ ምእታው
እቲ ሓርነት
ፍረ ጸጋ ፍረ ልግሲ ውህበት
ዕድሎት’ዩ
ብጽሒት ውሑዳት
ተስፋ’ዩ
ጣዕሚ ሰማያት

እቲ መኣዲ
ሰላም ዕረፍቲ
ናይ እግሪ መስቀል ሕዛእቲ
ምሳሕ’ዩ
ግብጃ ንጉስ
ግን ከኣ ጾር’ዩ
ምድሓን ዚድብስ

እዚ ባህጊ ግን
ሃረርታ ኩላ ነፍሲ
ዝኣመትኩዎ ሓጺር ገድሊ
ባብ ኣርሕዩ
ደገ ከፊቱ
እቲ ጉዕዞ ቀጸለ ቀጸለ
ኣንቃዕሪርካ ዚጥመት
በሪኽ ኮነ ንላዕሊ ዚእንፍት

ኣብቲ ግኑን ግርማ
መቕደስ ህልውና
ውኖ ዚምስጥ ናይ ክብሪ ደበና
ብሱራፌል እተኸበ
ሰፈር ኪሩቤል ህላወ ልዑል
ኣብቲ ዙፋን ሓቂ ቅንዕና
ብርሃን ኣሎ ካብ ጸሓይ ዚደምቕ
ረቂቕ ዘይረአ ታቦት መንፈስ
መቕደስ እግዚኣብሄር።

ሕቶ መጸኒ ዋጋ ህይወት
እቲ ክብሪ ልዕሊ ትጽቢት
እቲ ምጽናሕ ዚሓትት
ልዕሊ ደረት ልዕሊ ቅለት
ዚጠልብ ትዂረት

እቲ ምድያብ ወሰኸ
እቲ በሪኽ ኣመና ወቀበ
እቲ ሃረርታ ጥርዚ በጽሐ
ጊዜ ከደ ብዘመን ተተክአ
ምቕናይ መጸ

ኣብቲ በሪኽ ኣብቲ ኸረን
ኣብቲ ሳልሳይ ኣብቲ ላዕላይ
ትርኢት ኮነ
ብዘሎ’ቲ ዙርያ ተጎልበበ
ስሑው ደበና እምባ ከደነ
ግርማ ወቀበ ምቕናይ ኣብሃገ

ራእይ ተራእየ
ድምጺ ተሰምዐ
እቲ ክብሪ ዚርምሰስ ኮነ
እቲ ክዳን ጻዕደወ
እቲ እምኒ ዑንቂ ወርቂ ኮነ
እቲ ሰማይ ርዝነት መልአ
እቲ ፍርሂ ምግራም ተተክአ

ኣብቲ ግኑን ግርማ
መቕደስ ህልውና
ውኖ ዚምስጥ ናይ ክብሪ ደበና
ብሱራፌል እተኸበ
ሰፈር ኪሩቤል ህላወ ልዑል
ኣብቲ ዙፋን ሓቂ ቅንዕና
ብርሃን ኣሎ ካብ ጸሓይ ዚደምቕ
ረቂቕ ዘይረአ ታቦት መንፈስ
መቕደስ እግዚኣብሄር።

ካብኡ ድምጺ ወጸ
ዘይብሉ መቓልሕ
ንእዝኒ ዚዂርኩሕ
ካብቲ ግርማ ክብሪ
ውቃበ እግዚኣብሄር
ካብቲ ናይ ህልውና ጥርዚ
ዙፋን’ቲ ኩሉ ዚኽእል
ኣዋጅ ወጸ
ረዚን ተልእኾ
ምላሽ ምስ ሃብኩ
ኢለ እኔኹ ወፍየ ድኻመይ
ብስራት ሰላም ሒዘ
ተልእኾ ዕርቂ ለቢሰ
እኔኹ እእውጅ
ቃላት ትንቢት
ድምጸይ ዓው ኣቢለ ቃል ንጉስ እነግር
ክርስቶስ እተሰምየ መድሓኒ የሱስ
እነሆ ወዲ ልዑል
ሓጢኣት ኩሉ ዜርሕቕ
መስዋእቲ እዩ እቲ ገንሸል
ቃል መስቀል
ብእኡ እመኑ ድሓኑ ክበሩ ንገሱ
ክብሪ ሃቡ ውሬታ ምለሱ!

ኣብቲ ግኑን ግርማ
መቕደስ ህልውና
ውኖ ዚምስጥ ናይ ክብሪ ደበና
ብሱራፌል እተኸበ
ሰፈር ኪሩቤል ህላወ ልዑል
ኣብቲ ዙፋን ሓቂ ቅንዕና
ብርሃን ኣሎ ካብ ጸሓይ ዚደምቕ
ረቂቕ ዘይረአ ታቦት መንፈስ
መቕደስ እግዚኣብሄር።

3 comments

ግሩም ግጥሚ። ተባረኽ!

· 2012-02-06
ጎይታ ይባርኽ፡፡

አምላኽ ይባርኽካ አማን ሓወይ ግሩም ሚስጥር ሓዘል ግጥሚ
Other Poem