ካብ ጊዝያዊ ባህታ መጻወድያ ሓጥያት
ምስ ቅዱስ ህዝብኻ ብስቓይ ክገዓት
ክመርጽ...
ነቲ ዓስቢ ክጥምት'ሞ
ካብ ክብረት 'ዛ ዓለም ጸርፍኻ ክጾሮ
እቲ ዘይርኤ ክብረት ከስተውዕሎ
ክኣልየን ... የዒንተይ ክመልሰን
ንግብጺ ሓዲገ ናባኻ ከቕንዐን
ይትረፈኒ ክብረት "ወዲ ጓል ፈርኦን"
እንከራተት ኣብ ፍቖዶ ኣኽራን
"እምቢ!" ክብል ንዓኻ ካብ ምሕዛን።
ብኣዋጃት ንጉስ ውሽጠይ ከይፈርሀ
ምስጋደይ ክቕጽል ንዓኻ ክድሀ
ይቑም ምስሊ ጣኦት
ኣህዛብ ክሰግዱሉ ይወቓዕ ነጋሪት
ክኣቢ ...
ከይዓጽፍ ኣብራኸይ
እፈረድ ብፍርዶም ኣብ እቶን እደርበይ።
ይሰራዕ መኣዲ ናይ ርኽሰት ናይ ጽያፍ
ራሕሪሔ ክሃድም ክዳነይ ብምግዳፍ
እደጎን ብመቖሕ እከሰስ ብሓሶት
እንቢታ ክመርጽ ካብ ጊዝያዊ ርውየት
"እምቢ! ... እምቢ! ..." ክብል
ንሓጥያት ክኣቢ
ኣምላኸይ ጸጋኻ ሃበኒ!