ተስፋ

Posted on 2012-03-12 · 1471 · 0 · 0

12 resources uploaded

ንዓቃላት ስንቂ
ዘይትደልዪ ጠይቂ
ንዝደልየኪ ትርከብሉ
ንዝብህገኪ ደበኽ ትብልሉ
ቦታ ዘይድርተኪ
ኩነታት’ውን ዘይዓግተኪ
ብግዜ ጥራይ ትድረቲ
ብዕድመ መዓልትታትኪ
ትዕግስቲ ‘ዚድራሻኺ
ህድኣት ዝቦታኺ
ወይ ናትኪ ነገር

መዓልትታታ ብምጽብጻብ
ኣብ ዓንኬል እዋን ትርከብ
ተጸባይኺ ናባኺ ብምቁማት ዝሃድእ
እናሳዕ ክሓስበኪ ሓይሉ ዝሕደስ
ምናዳ ደበኽ ምስትብሊ ብግህዶ
ኣፍ ሰሓቕ ይመልእ ልቢ ብምስጋና
ትጽቢት’ውን የብቅዕ የኽትም
ኣዒንቲ ነቲ ብዋግዋጎ ዝተላመደኦ
ምልኣት ይኾነለን ክዕዘባኦ
ኣቤት ሽዕኡ ዝኸውን ባህታ
ናይ ልቢ ፍጻሜ ዝህብ ሩፍታ።

“ተስፋ ኣምላክ ብእኡ እወ እዩ’ሞ ከይተፈጸመ ስቕ ኣይብልን’ዩ ብህድኣት ምጽባይ ግና ሰናይ እዩ”

0 comments
Other Poem