የሱሰይ ፍቕርኻ!!

Posted on 2012-03-28 · 1052 · 0 · 0

8 resources uploaded

ብዋጋ ዘይትመን ዕዙዝ’ዩ ፍቕርኻ
መንነተይ ረሲዐ እንተ ኣኽበርኩኻ
ብፍጹም ድሕረ ባይታይ ቀይርካ
ኣብዚ ዘብጻሕካኒ የሱስይ በይንኻ

ንዝርድኦ ፍቕሪ ወላዲ
ዘይሕዝ ወገን ብዘመድ ዓዲ
ካብ ቃሉ ንዝበልዐ ካብ’ቲ ህያው መአዲ
ይበጣጥሶ ይሰግሮ ነቲ ዝኾኖ ከም ሮማዲ

ዓንጋሊ መጽለሊ ዝገብሮ
ንህዝቡ ካብ መዓት የስግሮ
ትቕበሎ ተፍቕሮ ናብራ ዓለም ንዝመረሮ
ንዝተረሰዐ ብቃልካ ተዕብዮ ትዝክሮ
ብዘይተጉላባነት ተዕብዮ ተኽብሮ

ሓቝፍኻ ንዝጠዓመት ነፍሲ
ካብ ሃሩር ቁሪ ዝተናገፈት ከርሲ
ስምካ ስለዝኾና ብኸሙኡ ፈውሲ
ንዝተመሳቀለ ሕቶታት የሱስ’ዩ መላሲ

ሰላም እፎይታ እትህብ
ብኸሙኡ ህይወትና ተሰስን ተዐንብብ
ፍቅርኻ ከም ማና ተዝንም
ድምጸይ ከስምዕ ምስ ዓለም ክላዘብ
ነቲ መንጣሊ ጉሒላ ንክብሎ ዓገብ
ስለይ ተበጂኻ ንከይከውን ተቋዳሲ ገሃነብ
ምስጋና እንዳሃብኩ መዝሙረይ የዝንም

ክብሉ ሰሚዐ ብወረ በቃ ከሙኡ
ፍቕሪን ጽባቐን ዝውሰን ብጠማቲኡ
ፍቕሪኻ ግን ኣይኮነትን ከምቶም ብኣፎም ዝኣልሙ
ትምስክር ኣላ ዓለም እንዳበለት ረኺቡ ዝኾኖ ንዘልኣለሙ
የሱስ ጐይታ'ዩ ብምስግጋና ንዘምር ንዓልለሉ

0 comments
Other Poem