ካብ ተመን ቀትሪ

Posted on 2012-03-06 · 1005 · 0 · 0

8 resources uploaded

ነቲ ብቅልጽሙ ዝሓደረ
መን ከማይ ዝበለ ዝመደረ
ክንሪኦ ኢና ክጭፍለቅ ከም ኮሚደረ፡
ክተፍኦ ከውጽኦ ነቲ ዝቃሓረ
መድሓኒ መናገፊ ከምዘሎ ምስ ተበኰረ።

ካብ ዘረባ ምሸት
ዝኣቱ ዘበለ ብተሌፎን ብመስኮት፡
ኣቃልቦ ዘይብሉ ወይውን ትኩረት
ይትረፍና ነቕልብ ናብቲ ቃል እምነት።

ካብ ተመን ቀትሪ
ይሕሸና ንምረጽ ነቲ መሓሪ፡
ኣይተረኽበን ኣልቦ ብዘይ የሱስ መኽበሪ
ንርገጾ ንሰይጣን ብከብዲ-እግሪ፡
የብሉን ልቦና ዝኸውን መዕቆሪ።

ጠባሪ ኢዩ መትሓዚ ዘይብሉ
መለለዩኡ ምትላል ዝኣመሉ
ነጽንዕ እምነትና ኣይንዘንብለሉ
ዓስብና ህይወት ምስትርፉ ዝኾነሉ
ግዚኡ ቀሪቡ ኢዩ ነስተውዕለሉ።

0 comments
Other Poem