እግዚኣብሄር ጓሳየይ እዩ

Posted on 2012-05-02 · 1064 · 0 · 0

1 resources uploaded

እግዚኣብሄር ጓሰይየይ እዩ፣
ዚጐድለኒ የብለይን።
ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣
ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።
ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣
ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ።
በትርኻን ምርኩስካን የጸናንዓኒ እዩ፣
ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣
ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ።
ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መኣዲ ትሰርዓለይ፣
ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ።
ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣
ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለኣለም ክነብር እየ!!
መዝሙር ዳዊት 23

0 comments
Other Poem