ይገርመኒ (2)

Posted on 2013-01-28 · 1185 · 0 · 0

30 resources uploaded

ይገርመኒ ናይ የሱስ መድሓኒ

ሰብ ከይድሓነ፣ ከምኡ’ሉ ክጠፍእ ኣይከወንን
ዝበለ ጐይታ፣ ወሪደ ድኣ ከድሕን
ነቲ ምስለይ ዝሓዘን ዝውንንን
ወሪዱ የሱስ ብፍቕሪ ተደሪኹ
ኣብ ቀራንዮ ሞይቱ ስልኡ ተሓምሺሹ

ይገረመኒ ናይቲ ጥፉእ ሰብ

ሰብ ከባጭውሉ ኣንጻሩ ክሕንሕኑ
ክብሉ ንኻልኦት ኣድሑኑ
ክንኣምኖ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ
ኣምላኽ ሰሚርዎ እንተ ኰይኑ
ይውረድ ሕጂ ካብ መስቀል
ክንቅበሎ ክኸውን ንጉስ እስራኤል

ይገርመኒ በቲ ዘይኣምን ሰብ

ነቲ ምእንታኡ ዝሞተ
ከድሕኖ’ሉ ዝተኸትከተ
ይብሎ ከምዚ ከምቲ ‘እንተ’
ከምቶም ልቦም ዝጸልመተ
ክጸርፍዎ ኣፎም ዝተኸፍተ
ኣብ ክንዲ ኣሚኖም ዝድሕኑ
ንእኡ ብዘይምቕባሎም ዝተዀነኑ
ነቲ ዝሞተሎም ከይኣምኑ
ሰይጣን ደፊንዎም ብእዋኑ
ልቦም ጸልሚቱ ተደፊኑ
እናርኣዩ ዘየስተውዕሉ
እናሰምዑስ ዘይርድኡ
ጥፍኣት’ዩ ናቶም መወዳእትኡ

ይገርመኒ ናተይ መልሲኸ እንታይ ይኸውን

ኣነኸ ሕጂ ከምቲ ናቶም
ዶ ይኸውን ወይስ ከምቶም
ደቀ መዛሙርቲ ብእኡ ኣሚኖም
ዝገብረዎ ጐይትኦም
ኣነ ግና …እብል ኣለኹ
ብፍቕሩ ብምድሓኑ እናተገረምኩ
ፍቓደኛ’የ የሱስ ጐይታ
ይቕብለካ ህይወተይ ይህበካ
ግዝኣኒ ምለኸኒ ብመንፈስካ
ክመላለስ መታን ከም ፍቓድካ

ይገርመኒ የስደምመኒ ናይዚ መድሓኒ

ኣነስ ንኹሉ ፍቕሩ ጥዒመ
ኩሉ ገዲፈ ክስዕቦ ወሲነ
ስለይ ክብል ከም ዝሞተ
ስለይ ክብል ትርኢቱ ከም ዝተለውጠ
ኣሚነዮ ኣለኹ እዚ ኩሉ ፈሊጠ
ከምልኾየ ክሰድገሉ ነቲ ይህወተይ ዝለወጠ

የገርመኒ'ዩ ናይዛ ዓለም

እንታይ’ያ ኰይና ጽቡቓን ሰላማን ዘይትፈልጥ፧
ንየሱስ ተቐቢላ ካብ ፍርዲ ዘይተምልጥ፧

ስለዚ …

ዓለም እኳ እንተ ነዓቐቶ
ኣነ ግና ረኺበዮ ኰይኑ መልሲ ናይ ሕቶ
ኰይኑኒ’ውን ኣሎ ጽኑዕ እምንቶ

0 comments
Other Poem