መስትያት ዕሽረይ

Posted on 2024-02-22 · 373 · 0 · 0

3 resources uploaded

መስትያት ዕሽረይ፡ ንገርኒ ከመለኹ?
ኣማሊኤ ድየ፡ ወይሲ ኣጉዲለለኹ?
ኣዕጊበ ዶ፡ ዋላስ ዓጊበ ‘ለኹ?
ኣትኪለ ድየስ፡ ኣንደልሒጸ ‘ለኹ?

ኣካ ሓተተኒ ጐይታ፡ ብዕሽሩ ክፍትኖ
ስልጣን እንከለዎ፡ ክህብ ክጥንጥኖ
ሓይሊ ዘይወሓዶ፡ ክእክብ ክብትኖ
ዕሽር መዓስ ኮይኑ፡ ንዕኡ ዝምጥኖ
ንዕኡ ዝበቕዕከ፡ መንዩ ዝሽንሽኖ?

ኣብራሃም ከፊሉ፡ ዕሽሩ ብለዊ
ንዓይ መን ረኸበኒ፡ ንሕጉ ክለዊ
መን ኣስረጸለይ፡ ቓላቱ መዕለዊ
ንምሸቱ ዘደርቢ፡ መጋርያ መለለዊ

ለዊ’ውን ካብ ዕሽሩ’ዩ፡ ዝሃበ ዕሽሩ
ስዒቡዎ ነብርሃም’፡ ታ ኣሰር እግሩ
ኣይነከየሉን፡ ካብ ዕሽር ኮነ ቦኽሩ
ዝሓለፈስ ሓለፈ፡ ንመጻኢ ‘ታይ ትመኽሩ?

ኸዊለስ እኽእሎ ዶ፡ ካብ ሰማያዊ ደብተር
ዓውደይ ይፈልጦ’ዩ ፡ ተር ከም ዓተር
ኣዝረቕኩሉ’ባ፡ ሕጂ ‘ታይ’ዩ ክግበር
ኣበርክቶይ ክዕቐን፡ ተግባረይ ክምርመር
ወፈያይ ቑጹር ዶይኮነን፡ ከም ጨርቒ ዝምተር?

ወረ ‘ታይ ኮይነ’የ፡ ዝጨራርመሉ
‘ታይ ኮን ጐነፈኒ፡ ዝሸራርመሉ
ንበሊሕ ትእዛዛቱ ፡ኣነ ዝጐታትመሉ
ንረዚን መልእኽቱ፡ ካን ዘከመሻምሸሉ
ዕሽር’ያ በዚሓቶስ፡ ካብኣ ክቖራርመሉ
መን’ዩ ዝጋረደኒ፡ ምስ ጐይታ ከይርዕመሉ?

ካብ ናቱ ቐነጣጢበስ፡ ’ስኪ ኣዋህለልኩ
ንምሸቱ ደኣ’ሞ፡ ረባሕኩ ዶ ጐደልኩ?
ተረደኣኒ ዶ፡ ዘይናተይ ከም ዘልዓልኩ?
ተሰወጠኒ’ዶ፡ መኽሊተይ ንዋያ ከምዝዓደልኩ?

ጐይታ ባዕሉ፡ 100 ሂቡኒ ክነሱ
ዕሽር ዉሒዱኒ፡ መዓስ ኢሉ ንሱ?
ምርካባ’ባ ኣገሙኒ፡ ዝርካባ ዕሽር ናሕሱ
ሃብኩዎ ዶ ሞ? ፡ ኣይፋለይን’ባ ከይሕሱ

ድኻ መበለት’ኳ፡ ዝሃበት ቄድራንተን
መዓስ ተሪፍዋ፡ ዝድርበ ዝብተን
ኣይነበራን ድየን፡ ዝትዕነና ብሃብተን?
ብጽሒተን ከይውፍያ፡ ‘ታይ’ኮን ዓገተን?

መን ዓዘመኒ፡ ክለምስ ብብቒ
መዓስ ተሓቲተ፡ ክቡር ዑንቒ
እጃመይ ከበርክት፡ ዶ’ይነበረን ድንቒ?
ነዚ ንኸይፍጽም፡ መን ኮነኒ መንቒ?

እንተጐደልኩሉ ንጐይታ፡ ንነብሰይ ዘመትኩ
ጨናፍር ገረበይ፡ ባዕለይየ ዝበተኽኩ
ንፈታኒ ደኒነ’ ዶ ተንበርከኽኩ?
ንጐይታ ብዝመጠኹስ’ባ፡ ኣእላፍ’የ ተባረኽኹ

ንመሶበይ እኳ፡ ዝገድፈላ ቑራስ ጣይታ
መን ኣሰሮ፡ ኢደይ ከይፈትሓሉ ንጐይታ
‘ታይ ሓለኸኒ፡ ከይትስእ ካብ ባይታ
ስጋይ’ሲ ኣየስለጠትን፡ ዘኩርዓ ዘነይታ

ካብ ካልእ ከይንኪ፡ ካብ ዕሽር ዝንኪ
ኣየሕፍርንዶ፡ ኣይቑጸርን ምስ ሕንኪ?
ጆባእ ዘይብላ፡ ንመንፈሰይ እንኪ?
ቶባ ዘይብላ፡ ንስጋይ እማንኪ?

ቖፋፎይ ክመልእ፡ መጽመቒየይ ክቕጸጽ
ፍርያተይ ከንጀርብብ፡ መሙቑሩ ክምጸጽ
ንጐይታ ኣይጐህን፡ ሃቐናይ ከይዕምጸጽ
ናቱ ኣይተናኽፈሉን፡ ብሰረይ ከይጉምጸጽ

ልግዐ መሊኡለይ፡ ማይ ጨባ ዝጽበ
ወፍዩ ዘይጀሃር፡ ወይከ ዘይዕበ
ሓጥያተይ ምሒሩ፡ ሰናየይ ዝንበ
ደጊም ኣየላግስን፡ ካብቲ ናቱ ደንበ

እምበኣር ሕጅስ፡ ክሰግር ናብ ቢታንያ
ክወጽእ ከም መግደላዊት፡ ናብ ኣዱንያ
ከመስክር ንዕሽረይ፡ ደጊም ከየጓንያ
ከይጅልሓ፡ ከይዕብራ፡ ብዘይዳረጋ ከይትምንያ።

0 comments
Other Poem