እቲ ቑም ነገሩ!

Posted on 2013-02-07 · 1173 · 0 · 2

32 resources uploaded

ጁባይ ምሉእ
ቆፎይ ንኽኑኽ
ዝባነይ ክዱን
ክነሱ…
ኣፈይ ዮግሮምርም
ልበይ ዘይዕሩፍ
በቲ ዘሎኒ ዘይዓግብ
ስለምንታይ?
እቲ ጐነይ ዘሎ ብጻየይ
ቤቱ ገረውረም እናበለ
ሳንቲም እኳ ዘይብሉ
ዝባኑ ብዕሩቑ
ተመስገን ቋንቁኡ
ሽዑ ኣነ ይግረም
ሚስጥሩ ክፈልጥ ይህወኽ
እቲ በዓል ተመስገን ብጻየይ
ተረዲኡ’ዩ መስለኒ ቁጻረይ
"እቲ ንጉስ
ውሽጥኻ ይምልኮ’ሞ
ድሕሪዚ ልብካ
ተመስገን ክጭንጉዕ’ዩ"
ምስ በለኒ ብጻየይ
ለካ ምውናነይ ኣይኰነን ሚስጥሩ
ነቲ ልዑል ምሓዝ’ዩ ቁም ነገሩ!!!

2 comments

እወ ናይ በሓቂ፣ ጎይታ የባርኽካ ሃኒ ሃወይ;

ግሩም ግጥሚ
Other Poem