ኣንቱም ሰባት

Posted on 2018-01-08 · 1066 · 0 · 0

30 resources uploaded

ኣንቱም ሰባት
ኣንቱም ኣሕዋት
ኣንቱም ብሩኻት
ዝኸበርኩም ደቂ ኽቡራት
እንታይ’ሞ ክብል
እንታይ’የኸ ዘዕልል
ንዑንዶ ንምጻእ ንሰማማዕ
ኣይንበል ገርማዕማዕ ዘርባዕባዕ
ንጒዓዝ ብሓንሳእ ንሕበር
ነኽብሮ ነምልኮ ንእግዚኣብሄር
ኣይንኹን መፍቶ ጸላኢ
ገጹ ከይክውል ጎይታ ከይኩሪ
ኣምላኽ ኣምላኽ ብምባል
ጎይታ ጎይታ ብምባል
ምጭዳር ምድባል ምዕላል
የኽእለናዶ ኣመንቲ ክንበሃል
ንደፍርዶ ሰዓብቲ ጎይታ’ና ክንብል
ኣበይ ከይዱ ንሓድሕድካ ምፍቓር
ኣበይ ኣሎ’ቲ ምክብባር
ኣበይከ’ሎ እቲ ምትሕብባር
እዚ`ዩኮ ‘ቲ ቀንዲ ፍቓድ እግዝኣብሄር
ብኣፍናስ ንኽእሎባ ኣምላኽ ይባርኽካ ምባል
ምኽምስማስ ዘይኮንናዮ ምምሳል
ወይ ጉድ እቲ ውሽጢ ካብ ቦኽበኸ
ጨንዩ ተበላሽዩ ካብ መሽመሸኸ
ዋጋ የብሉን ግዳሙ ተጸበቐ
ምጽብባቕ ቃላት ንግዝኡ’ኳ ተመሰለ ጽቡቕ
መውዳእታኡ ሕማቕዩ ኩሉ ክፉእ
ኣንቱም ሰባት
ኣንቱም ኣሕዋት
ኣንቱም ብሩኻት
ዝኸበርኩም ደቂ ኽቡራት
ጎይታ ዝበለ ቤት ንሓድሕዳ ከይትፈላለ
ንሕና ንህቅኖ ኩሉ ግዜ ናትና ክንፍለ
እምነትና ብኸመዩ ግዲ ዝልለ
ብሓደ እንተ ሓበርናዶ ወይስ እንክንፈላለ
ንሓደ ተወደስና ንሐደን ‘ተውቐስና
ክንከፍት ክንጅምር ናትና ናይ ግልና
የሱስ ይፈልጦኮዩ ሃቐና ልብና
ንኽእል ንኸውን ክንክወል ካብ የሕዋትና
ኣይመስለንን ግና ካብቲ ዝምርምር ኬላሊትና
እዝስ ኣይኮነን ምስሊ ሓደ ክርስትያን
ኣምላኽውን ብኸምዝስ ኣይከብርን
ይሕጎስዩ ይፍሳህ እቲ ጸላኢና ሰይጣን
ኣይንዓሹ ኣይንታለል መሳርሕቲ ጸላኢ ኣይንኹን
ንመለስ እንዶ ናብቲ ምንጪ ህይወት
ንመለስ ናብቲ ዓይኒ ማያት
ንሓዞ ነቲ ቀንዲ መሰረት
ንሰማማዕ ምስቲ ትኹል ቃላት
ንመላለስ ብመንገዲ ህይወት
ንተዓገት እባ ካብዚ ኲሉ ከንቱነት
ንርሓቕ ካብ ሃተፍተፍ ዘይክውንነት
ድሓን ኣይህበናንዮ ብዘይካ ዕንወት
ንንበር ክንገብር ፍቓድ እቲ ጎይታ ጎይተት
ተናኢድና ክንወጽእ ክንዛዝሞ ብዓወት
እሙን ባርያ ክንብሃል በታ ዓባይ ህሞት
የሱስ የሱስ እንዳ በልካ ካብ ምሟት
ንለማመድ ምንባር ከምቲ ቃሉ መሰረት
ንፍቓዱ ምግባር ጥራይ ይኹን ናትና ድሌት
መንፈሱ ከኽእለናዩ ክንነብር ብዓወት
ኣብኡ ምውካል ሰናይ እዩ ገድሊ እምነት
ብዘይ ንእኡ ምኽባር ኣይሃልወና ሕቡእ ድሌት
ፎእ ንበሎ እባ ነዚ ኣምሰሉ ህይወት
ክልተ ገጽ ሒዝና ካብ ምሽፋት
ኣየጸብቐልናን እዩ እኮ ከምዚ ዓይነት ህይወት
ንጎይታ ምስ ፈለጥና ምስ ረኸብና ድሕነት
ፍጹም ምስ ተለወጥና ምስ ረኸብና ህይወት
ከመይ’ልና ድኣ ንሓስብ ክንምልሰ ኣብቲ ናይ ቀደም
ክንነብሮ ደጊምና ህይወት እቲ ውዱቕ ኣዳም
እዚስ ሕማቕዩ ከምኡውን ዘስደምም
ጎይታ ርድኣና ኣውጽኣና ካብ ሕሉፍ ሕማም
ንሱ ድኣ ኣይተሰቕለን ድዩ ምስ ጎይታ
ኣብ መስቀል ቆራንዮ ኣብ ጎልጎታ
ብጥምቀት ተቐቢሩ ታሪኹ ኣብቂዑ
ብሓድሽ ህይወት ኣምላኽ ተተኪኡ
ክትንስእ ምስ ዝቕልቀል
ንጎይታ የሕሊፍና ንሃቦ ደጊሙ ክስቀል
ካብኡ ዝርከብ ረብሓ የለን እንትርፎ በቐል
ከምኡውን ኣይኮነን ፍቓድ እግዚኣብሄር
ምስ ጸላኢ ምውጋን ንሰይጣን ዘኽብር
ንየሱስ ዘሕዝን ንናይ ምድሓን ስርሑ ዘዕብር
ስለምንታይ ንኸውን ናቱ ግዳያት
ነምርሕ ንስጉም ናብ ጸልማ ናብ ሞት
ከለና ብዙሕ ዝሓሸ መንገዲ ህይወት
ምርጫና ንግበሮ ምንባር ንፍቓድ ጎይታ ጎይቶት
ኣንቱም ሰባት
ኣንቱም ኣሕዋት
ኣንቱም ብሩኻት
ዝኸበርኩም ደቂ ኽቡራት
ኣሎ እኮ ብዙሕ ዝስራሕ
ንዝተግሀ ንዘለዎ ኒሕ
ንስበኽ ወንጌል ንብዙሓት ንብጻሕ
ንሓድሕድና ምፍኽናን ንበሎ ጽናሕ
ብዙሕዩ’ቲ ግርሁ ዓየይቲ ግና ሒደት
ንበገስ ዘለና ሒዝና ብውሕሉል ውህደት
ኣምላኽና ክኸብር ብዝድሕና ነፍሳት
ኣባላታ ክውሕዱ ገሃነብ እሳት
ገነት ክትዕምር ብሓደስቲ ድሑናት
የሱስ ክሕጎስ ብናይ መስቀሉ ውዕለት
ንሕና ክንከብር ክንሕበን ብናይ ኣምላኽና ክብረት
ተናኢድና ክንወጽእ  ብናቱ መምዘን
ሃቐናና ስራሕና ከሓልፍ ብሓዊ ምስ ዝፍተን
ድሌትና ይኹን ንእኡ ጥራይ ምስማር
ብናብራና ብህይወትና ንሱ ጥራይ ክኸብር
ክጽብቐልና መወዳእታና ክዕምር
ክንወርስ ነቲ ዝተዳለወልና ዘልኣለማዊ ማሕደር
ኣንታ ንየሱስ ዘይገበርካዮ ጎይታ ህይወትካ
እንታይ ትገብር እንታይከ ትጽበ ኣሎኻ
የሱስ ኣብ ኣፍ ደገ ልብኻ እናኳሕኳሐካ
መልሲ እባ ሃቦ ከይከደ ከሎ ከይገድፈካ
ምድሓን ሕጂ እያ ኣይኮነትን ምስ ኣረግካ
ኣይትትዓሾ ኣይምሰልካ ነዊሕ ግዜ ዘሎካ
ህይወት ሰብ ከም ሳዕሪ እያ ከም ዕምበባ
ሎሚ ኣላ ጽባሕ ግን ዘይትረኽባ
ስለዚ ብሩኻት የሕዋተይ ንየሱስ ተቐበሉ
ክጽብቐልኩም ክትወርሱ ነቲ ጎይታ ኩሉ
ክትረኽቡ ማሕደር ዘለኣለማዊ ተዕርፍሉ

0 comments
Other Poem